ዘፍጥረት 18:1-33
18 ድሕርዚ፡ መዓልቲ ኣብ ዚድህረሉ እዋን፡ ንሱ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳን ተቐሚጡ ኸሎ፡ የሆዋ+ ኣብቲ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ ተራእዮ።
2 ኣዒንቱ ኸኣ ኣልዓለ እሞ፡ ሰለስተ ሰብኡት ካብኡ እተወሰነ ርሒቖም ደው ኢሎም ረኣየ።+ ምስ ረኣዮም፡ ካብ ኣፍ ደገ እቲ ድንኳን ኪቕበሎም ጐየየ፡ ናብ ምድሪ ኸኣ ሰገደ።
3 ከምዚ ድማ በለ፦ “የሆዋ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ንጊልያኻ ኣይትሕለፈኒ።
4 በጃኹም ሒደት ማይ ይምጽኣልኩም እሞ፡ ኣእጋርኩም ተሓጸቡ፣+ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ድማ ተቐመጡ።
5 ናብ ጊልያኹም ካብ መጻእኩምሲ፡ ሓይልኹም ምእንቲ ኺሕደስ፡* ቍራስ እንጌራ ኸምጽኣልኩም። ድሕሪኡ፡ ትኸዱ።” ንሳቶም ድማ፡ “ሕራይ። ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ።
6 ኣብርሃም ከኣ ቀልጢፉ ናብ ድንኳን ናብ ሳራ ኸይዱ፡ “ቀልጥፊ! ሰለስተ ስፍሪ* ድኹም ሓርጭ ለዊስኪ፡ ቅጫታት ሰንክቲ” በላ።
7 ድሕርዚ፡ ኣብርሃም ናብ ከብቱ ጐይዩ፡ ልምሉም ጽቡቕ ምራኽ ሓረየ። ንጊልያኡ ድማ ሃቦ፣ ንሱ ኸኣ ኬዳልዎ ተቐላጠፈ።
8 ጠስምን ጸባን ነቲ ዘዳለዎ ምራኽን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም። ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ንሱ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኦም ደው በለ።+
9 ንሳቶም ድማ፡ “ሰበይትኻ ሳራ+ ኣበይ ኣላ፧” በልዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ኣብ ድንኳን እንሃ” ኢሉ መለሰ።
10 ሽዑ፡ ሓደ ኻባታቶም፡ “ንዓመታ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ብርግጽ ክምለሰካ እየ፣ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በለ።+ ሳራ ኸኣ ኣብ ኣፍ እቲ ብድሕሪ እቲ ሰብኣይ ዘሎ ድንኳን ኰይና ትሰምዕ ነበረት።
11 ኣብርሃምን ሳራን ብዕድመ ዝደፍኡ ኣረገውቲ ነበሩ።+ ሳራ ድማ ካብ እትወልደሉ ዕድመ ሓሊፋ ነበረት።*+
12 ስለዚ፡ ሳራ ብልባ እናሰሓቐት፡ “ድሕሪ እርጋነይን ጐይታይ ምስ ኣረገንዶ እዚ ባህታ እዚ ኽረክብ እየ፧” በለት።+
13 የሆዋ ኸኣ ንኣብርሃም፡ “ስለምንታይ እያ ሳራ፡ ‘ኣሪገ ኸለኹስ፡ ብሓቂዶ ኽወልድ እየ፧’ ኢላ ዝሰሓቐት፧
14 ንየሆዋዶ ዚሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ፧+ ንዓመታ ኸምዚ ምዱብ ግዜ እዚ ኽምለሰካ እየ፣ ሳራ ድማ ወዲ ኺህልዋ እዩ” በሎ።
15 ሳራ ግና ፈሪሃ ነበረት እሞ፡ “ኣይሰሓቕኩን!” ኢላ ኣሉ በለት። ንሱ ኸኣ፡ “ኣይፋል፡ ስሒቕኪ እባ ደኣ” በለ።
16 እቶም ሰብኡት ኪኸዱ ምስ ተንስኡ፡ ናብ ሶዶም ገጾም ኣንቈልቊሎም ጠመቱ፣+ ኣብርሃም ከኣ ኬፋንዎም ምሳታቶም ይኸይድ ነበረ።
17 የሆዋ ድማ ከምዚ በለ፦ “እቲ ዝገብሮስ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ፧+
18 ኣብርሃምሲ ብርግጽ ዓብይን ብርቱዕን ህዝቢ ኪኸውን እዩ፣ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ድማ ብእኡ ኺባረኹ* እዮም።+
19 ከመይሲ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቓል ኬምጽኦስ፡ ንሱ ንደቁን ብድሕሪኡ ንቤተ ሰቡን፡ ጽድቅን ፍትሕን ብምግባር መገዲ የሆዋ ኺሕልዉ ምእንቲ ኺእዝዞም ኢለ እየ ፈሊጠዮ።”+
20 ሽዑ፡ የሆዋ፡ “ብሰንኪ ሶዶምን ጎሞራን ዚእወ ኣውያት ኣመና በርቲዑ፡+ ሓጢኣቶም ከኣ ኣዝዩ ኸቢዱ እዩ።+
21 ስለዚ፡ ከምቲ ናባይ ዝበጽሐ ኣውያት ይገብሩ እንተ ኣልዮም ክርኢ ኽወርድ እየ። እንተ ዘይኰይኑ ኸኣ፡ ክፈልጥ እየ” በለ።+
22 ሽዑ፡ እቶም ሰብኡት ካብኡ ሓሊፎም ናብ ሶዶም ገጾም ከዱ፣ የሆዋ+ ግና ምስ ኣብርሃም ተረፈ።
23 ኣብርሃም ድማ ቀሪቡ፡ “ንጻድቕከ ምስ እኩይዶ ኽትኵስትሮ ኢኻ፧+
24 ምናልባት ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን ይርከቡ ይዀኑ፣ እሞኸ ኽትኵስትሮም ዲኻ፧ ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ 50 ጻድቃን ኢልካስ ነታ ቦታዶ ኣይትንሕፋን፧
25 መወዳእታ እቲ ጻድቕ ከምቲ እኩይ ኪኸውን፡ ንጻድቕ ምስ እኩይ ብምቕታል ከምዚ ዝበለ ነገር ክትገብርሲ ዘይሕሰብ እዩ!+ እዝስ ኣባኻ ዘይሕሰብ እዩ።+ እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧”+ በለ።
26 የሆዋ ኸኣ፡ “ኣብ ሶዶም፡ ኣብታ ኸተማ 50 ጻድቃን እንተ ረኺበ፡ ምእንታኦም ኢለ ንብዘላ እታ ቦታ ኽንሕፋ እየ” በለ።
27 ኣብርሃም ድማ መሊሱ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ኣነ ሓመድን ሓምዅሽትን ክነሰይ፡ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ።
28 ምናልባት ካብቶም 50 ጻድቃን ሓሙሽተ ይጐድሉ ይዀኑ። ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብዘላ እታ ኸተማ ኸተጥፍኣ ኢኻ፧” በለ። ንሱ ኸኣ፡ “45 እንተ ረኺበላ፡ ኣይከጥፍኣን እየ” በለ።+
29 ከም ብሓድሽ ከኣ፡ “ምናልባት 40 ይርከብዋ ይዀኑ” ኢሉ ተዛረቦ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 40 ኢለ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰ።
30 ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ብምዝራበይ ኣይትቈጣዕ፦+ ምናልባት 30 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “30 እንተ ረኺበላስ፡ ኣይክገብሮን እየ” ኢሉ መለሰሉ።
31 ንሱ ኸኣ፡ “በጃኻ ስምዓኒ፡ እንሆ ምስ የሆዋ ኽዛረብ ደፊረ፦ ምናልባት 20 ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም 20 ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ።
32 ኣብ መወዳእታ፡ “የሆዋ፡ በጃኻ ሓንሳእ ጥራይ ክዛረብሲ ኣይትቈጣዕ፦ ምናልባት ዓሰርተ ጥራይ ይርከብዋ ይዀኑ” በለ። ንሱ ድማ፡ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኢለ ኣይከጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰ።
33 የሆዋ ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ከደ፡+ ኣብርሃም እውን ናብ ቦታኡ ተመልሰ።
እግረ ጽሑፍ
^ ቃ.ቃ.፡ “ልብኹም ኪብርትዕ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “መገዲ ደቂ ኣንስትዮ ንሳራ ሓዲግዋ ነበረ።”
^ ወይ፡ “በረኸት ኪረኽቡ፡” ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።