ዘፍጥረት 20:1-18

  • ሳራ ኻብ ኣቢሜሌክ ደሓነት (1-18)

20  ኣብርሃም ድማ ሰፈሩ ኻብኡ+ ናብ ምድሪ ነጌብ ኣግዓዘ፣ ኣብ መንጎ ቃዴስን+ ሹርን+ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ጌራር+ ተቐሚጡ* ኸሎ ኸኣ፡ 2  ኣብርሃም ብዛዕባ ሰበይቱ ሳራ መሊሱ፡ “ሓብተይ እያ” በለ።+ ኣቢሜሌክ ንጉስ ጌራር ከኣ፡ ልኢኹ ንሳራ ወሰዳ።+ 3  ኣምላኽ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ለይቲ ብሕልሚ መጺኡ፡ “እዛ ወሲድካያ ዘለኻ ሰበይቲ፡ ብዓልቲ ሰብኣይ ስለ ዝዀነት፡+ እንሆ፡ ብሰራ ኽትመውት ኢኻ” በሎ።+ 4  ኣቢሜሌክ ግና ኣይቀረባን ነበረ።* ስለዚ፡ “የሆዋ፡ ንንጹህ* ህዝቢ እውንዶ ትቐትል ኢኻ፧ 5  ንሱ ባዕሉ ደይኰነን፡ ‘ንሳ ሓብተይ እያ’ ዝበለኒ፧ ንሳኸ ባዕላ ደይኰነትን፡ ‘ንሱ ሓወይ እዩ’ ዝበለትኒ፧ ብቕኑዕ ልበይን ብንጹህ ኢደይን እየ እዚ ዝገበርኩ” በለ። 6  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከኣ ብሕልሚ፡ “ኣነ እውን እዚ ብቕኑዕ ልብኻ ኸም ዝገበርካዮ እፈልጥ እየ፣ ኣብ ቅድመይ ሓጢኣት ከይትገብር ድማ ከልከልኩኻ። ስለዚ፡ ክትትንክያ ኣይፈቐድኩልካን። 7  ሕጂ ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ምለሳ፣ ንሱስ ነብዪ እዩ፡+ ኪምህለለልካ ኸኣ እዩ፡+ ንስኻ ድማ ብህይወት ትነብር። እንተ ዘይመሊስካያ ግና፡ ንስኻን ናትካ ዘበለ ዅሉን ብርግጽ ከም እትሞቱ ፍለጥ” በሎ። 8  ኣቢሜሌክ ድማ ኣንጊሁ ተንስአ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ጸዊዑ ኸኣ ንዅሉ እዚ ነገር እዚ ነገሮም፡ ንሳቶም እውን ኣዝዮም ፈርሁ። 9  ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንኣብርሃም ጸዊዑ፡ “እንታይ ኢኻ ዝገበርካና፧ እንታይ በዲለካ እየ፡ ኣባይን ኣብ መንግስተይን ዓብዪ ሓጢኣት ከተምጽኣልና ዝበልካ፧ ዘይግበር ግብሪ ኢኻ ጌርካኒ” በሎ። 10  ኣቢሜሌክ ድማ ንኣብርሃም፡ “እንታይ ሓሲብካ ኢኻ እዚ ነገር እዚ ዝገበርካ፧” በሎ።+ 11  ኣብርሃም ከኣ ከምዚ በለ፦ “‘ኣብዛ ቦታ እዚኣ ብርግጽ ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን፡ ብሰሪ ሰበይተይ ድማ ኪቐትሉኒ እዮም’ ኢለ እየ።+ 12  ንሳ ድማ ብሓቂ ሓብተይ፡ ጓል ኣቦይ እያ፡ ጓል ኣደይ ግና ኣይኰነትን፣ ሰበይተይ ከኣ ኰነት።+ 13  ስለዚ፡ ኣምላኽ ካብ ቤት ኣቦይ ኬውጽኣኒ ኸሎ፡+ ‘ንዓይ ብተኣማንነት እተፍቅርኒ በዚ እዩ፦ ኣብ ኵሉ እንኸዶ ዘበለ፡ “ንሱ ሓወይ እዩ” በሊ’ በልክዋ።”+ 14  ኣቢሜሌክ ከኣ ኣባጊዕን ከብትን ገላዉን ኣግራድን ወሲዱ ንኣብርሃም ሃቦ፣ ሰበይቱ ሳራ ድማ መለሰሉ። 15  ኣቢሜሌክ ከኣ፡ “እንሆ፡ ምድረይ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ቃሕ ኣብ ዝበለካ ተቐመጥ” በለ። 16  ንሳራ ድማ፡ “እንሆ፡ ንሓውኪ 1,000 ብሩር ሂበዮ ኣለኹ።+ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ምሳኺ ዘለዉን ኣብ ቅድሚ ዅሉን ምልክት ንጽህናኺ እዩ፣* ንስኺ እውን ካብ ወቐሳ ናጻ ዄንኪ ኢኺ” በላ። 17  ኣብርሃም ከኣ ናብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተማህለለ፣ ኣምላኽ ድማ ንኣቢሜሌክን ንሰበይቱን ንደቂ ኣንስትዮ ባሮቱን ኣሕወዮም፡ ኪወልዱ እውን ጀመሩ። 18  ከመይሲ፡ የሆዋ ብሰሪ ሳራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ ንዅለን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ኣምኪንወን ነበረ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ስደተኛ ዀይኑ ተቐሚጡ።”
ወይ፡ “ንጻድቕ።”
ማለት፡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን ነበረ።
ቃ.ቃ.፡ “መጐልበብ ኣዒንቲ ይኹንኪ።”
ወይ፡ “ኵሉ ማሕጸን ኣንስቲ ቤት ኣቢሜሌክ ጠሪሱ ዓጽዩ ነበረ።”