ዘፍጥረት 24:1-67

  • ንይስሃቅ ሰበይቲ ተደልየሉ (1-58)

  • ርብቃ ናብ ይስሃቅ መጸት (59-67)

24  ኣብርሃም ከኣ ብዕድመ ደፊኡን ኣሪጉን ነበረ፣ የሆዋ ድማ ንኣብርሃም ብዅሉ ባሪኽዎ ነበረ።+ 2  ኣብርሃም ከኣ ነቲ ንዅሉ ዜመሓድር ዝነበረ ኣብ ቤተ ሰቡ ብዕድመ ዝዓበየ ጊልያኡ፡+ “በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር፣ 3  ንወደይ ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ መንጎኦም ዝቕመጥ ዘለኹ ከነኣናውያን ሰበይቲ ኸይተምጽኣሉ ብየሆዋ ኣምላኽ ሰማያትን ኣምላኽ ምድርን አምሕለካ ኣለኹ።+ 4  ናብ ሃገረይን ናብ ኣዝማደይን+ ደኣ ኼድካ፡ ንወደይ ይስሃቅ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ” በሎ። 5  እቲ ጊልያ ግና፡ “እታ ሰበይቲ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ምሳይ ክትመጽእ እንተ ዘይፈተወትከ፧ ሽዑ፡ ንወድኻ ናብታ ዝመጻእካላ ምድሪዶ ኽመልሶ፧” በሎ።+ 6  ኣብርሃም ድማ፡ “ንወደይ ናብኣ ኸይትመልሶ ተጠንቀቕ።+ 7  እቲ ኻብ ቤት ኣቦይን ካብ ምድሪ ኣዝማደይን ዘውጽኣኒ፡+ ‘እዛ ምድሪ እዚኣ ንዘርእኻ+ ኽህቦ እየ’+ ኢሉ ኸኣ እተዛረበንን ዝመሓለለይን+ የሆዋ ኣምላኽ ሰማያት፡ ንሱ መልኣኹ ቕድሜኻ ኺልእኽ እዩ፡+ ካብኡ ኸኣ ንወደይ ሰበይቲ ብርግጽ ከተምጽኣሉ ኢኻ።+ 8  እታ ሰበይቲ ምሳኻ ኽትመጽእ እንተ ዘይፈትያ ግና፡ ንስኻ ኻብዚ ማሕላ ንጹህ ትኸውን። ሓንትስ ንወደይ ደኣ ናብኣ ኣይትምለሶ” በሎ። 9  እቲ ጊልያ ኸኣ ኢዱ ኣብ ትሕቲ ሰለፍ ጐይታኡ ኣብርሃም ኣንበረ፡ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እውን መሓለሉ።+ 10  እቲ ጊልያ ድማ ካብ ኣግማል ጐይታኡ ዓሰርተ ኣግማል ወሲዱ፡ ካብ ኵሉ ዓይነት ጽቡቕ ዘበለ ንብረት ጐይታኡ ተማሊኡ ተበገሰ። ናብ መሶጶታምያ፡ ናብ ከተማ ናሆር ድማ ከደ። 11  ኣጋ ምሸት፡ በታ ደቂ ኣንስትዮ ማይ ኪቐድሓ ዚወጻላ ግዜ ኸኣ፡ ነተን ኣግማል ኣብ ወጻኢ እታ ኸተማ፡ ኣብ ጥቓ ዒላ ማይ ኣብረኸን። 12  ከምዚ ድማ በለ፦ “ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ሎሚ መዓልቲ ዀታ ኣስልጠለይ፡ ንጐይታይ ኣብርሃም ከኣ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ። 13  እንሆ፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ፣ ኣዋልድ ደቂ እዛ ኸተማ ኸኣ ማይ ኪቐድሓ ይመጻ ኣለዋ። 14  ይኹን ከኣ፡ ‘ክሰትስ በጃኺ ዕትሮኺ ትሕት ኣብልዮ’ ዝብላ ጓል፡ ንሳ ኸኣ፡ ‘ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ’ እትብለኒ፡ ንሳ ንጊልያኻ ይስሃቅ ዝሓረኻያ ትኹን፣ ንጐይታይ ብተኣማንነት ከም ዘፍቀርካዮ ድማ በዚ ኣፍልጠኒ።” 15  ገና ዘረባኡ ኸይወድአ ኸሎ፡ ርብቃ ጓል ቤቱኤል+ ወዲ ሚልካ፡+ ሰበይቲ ናሆር+ ሓው ኣብርሃም፡ ዕትሮኣ ኣብ መንኵባ ጾይራ መጸት። 16  እታ ጓል ድማ ኣዝያ መልክዐኛ፡ ምስ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ገይራ ዘይትፈልጥ ድንግል ነበረት። ናብታ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ኸኣ ዕትሮኣ መሊኣ ደየበት። 17  እቲ ጊልያ ኸኣ ጐይዩ ናብኣ ኸይዱ፡ “በጃኺ ኻብ ዕትሮኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” በላ። 18  ንሳ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ስተ” ኢላ፡ ቀልጢፋ ዕትሮኣ ናብ ኢዳ ኣውሪዳ ኣስተየቶ። 19  ምስ ኣስተየቶ ድማ፡ “ንኣግማልካ እውን ክሳዕ ዚኣኽለን ኪሰትያ ክቐድሓለን እየ” በለቶ። 20  ቀልጢፋ ኸኣ ዕትሮኣ ናብ ጋብላ ኣዕሪቓ፡ ማይ ክትቀድሕ መመሊሳ ናብታ ዒላ ጐየየት፣ ንዅለን ኣግማሉ እውን ቀድሓትለን። 21  እቲ ሰብኣይ ድማ፡ የሆዋ መገዱ ኣቕኒዑሉ እንተ ዀይኑ ወይስ እንተ ዘይኰይኑ ኺፈልጥ፡ ስቕ ኢሉ ብምግራም ኣተኲሩ ይጥምታ ነበረ። 22  እተን ኣግማል ሰትየን ምስ ኣእከላ፡ እቲ ሰብኣይ ፍርቂ ሲቃል* ዚምዘን ናይ ኣፍንጫ ቐለቤት ወርቅን ዓሰርተ ሲቃል* ዚምዘን ክልተ ኣምባርን ንኣእዳዋ ኣውጽአ፣ 23  “በጃኺ ንገርኒ፡ ጓል መን ኢኺ፧ ኣብ ቤት ኣቦኺኸ እንሓድረሉ ቦታዶ ኣሎ፧” ድማ በላ። 24  ንሳ ኸኣ፡ “ኣነ ጓል ቤቱኤል፡+ ወዲ ሚልካ ንናሆር ዝወለደትሉ፡+ እየ” በለቶ። 25  መሊሳ ኸኣ፡ “ብዙሕ ሓሰርን ድርቋን፡ ንመሕደሪ ዚኸውን ከኣ ቦታ ኣሎና” በለቶ። 26  እቲ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍግም ኢሉ ሰጊዱ፡ 27  “እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩን ተኣማንነቱን ካብ ጐይታይ ዘየቋረጸ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ ይወደስ። የሆዋ ናብ ቤት ኣሕዋት ጐይታይ መሪሑኒ” በለ። 28  እታ ጓል ከኣ እዚ ነገር እዚ ኽትነግር ናብ ቤት ኣዲኣ ጐየየት። 29  ርብቃ ድማ ላባን ዝስሙ ሓው ነበራ።+ ላባን ከኣ ናብቲ ኣብ ግዳም ጥቓ እታ ዓይኒ ማይ ዝነበረ ሰብኣይ ጐየየ። 30  ነቲ ቐለቤት ኣፍንጫን ነቲ ኣምባርን ኣብ ኣእዳው ሓብቱ ምስ ረኣየ፡ ዘረባ ርብቃ ሓብቱ ድማ፡ “እቲ ሰብኣይ ከምዚ ኢሉኒ” ኽትብል ምስ ሰምዐ፡ ነቲ ሰብኣይ ኪረኽቦ መጸ፣ ንሱ እውን ምስተን ኣግማል ኣብ ጥቓ እታ ዓይኒ ማይ ደው ኢሉ ነበረ። 31  ብኡብኡ፡ “ኣታ ብየሆዋ እተባረኽካ፡ ንዓ። ስለምንታይ ኣብ ግዳም ደው እትብል፧ ቤት ኣዳልየልካ ኣለኹ፣ ንኣግማልካ ኸኣ ቦታ ኣሎ” በሎ። 32  ሽዑ፡ እቲ ሰብኣይ ናብ ቤት ኣተወ፣ ንሱ* ድማ ነተን ኣግማል ኣራገፈን፡ ሓሰርን ድርቋን ሃበን፣ ንምሕጻብ ኣእጋሩን ኣእጋር እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ ማይ ሃቦም። 33  ዚብላዕ ኣብ ቅድሚኡ ምስ ተቐረበ ግና፡ “ጕዳየይ ከይነገርኩስ ኣይበልዕን” በለ። ላባን ከኣ፡ “ተዛረብ” በሎ። 34  ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ኣነ ጊልያ ኣብርሃም እየ።+ 35  የሆዋ ኸኣ ንጐይታይ ኣባጊዕን ከብትን ብሩርን ወርቅን ገላዉን ኣግራድን ኣግማልን ኣእዱግን ብምሃብ፡ ኣብዚሑ ባሪኽዎን ኣዝዩ ኣሀብቲምዎን ኣሎ።+ 36  ሳራ ሰበይቲ ጐይታይ እውን ምስ ኣረገት ንጐይታይ ወዲ ወሊዳትሉ ኣላ፣+ ንሱ ኸኣ ንዕኡ ዘለዎ ዅሉ ኺህቦ እዩ።+ 37  ጐይታይ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣምሓለኒ፦ ‘ካብ ኣዋልድ እዞም ኣነ ኣብ ምድሮም ዝቕመጥ ዘለኹ ከነኣናውያን፡ ንወደይ ሰበይቲ ኸይተምጽኣሉ።+ 38  ናብ ቤት ኣቦይን ናብ ዓሌተይን+ ደኣ ኼድካ፡ ንወደይ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።’+ 39  ኣነ ግና ንጐይታይ፡ ‘እታ ሰበይቲ ምሳይ ክትመጽእ እንተ ዘይፈተወትከ፧’ በልክዎ።+ 40  ንሱ ድማ፡ ‘እቲ ኣነ ኣብ ቅድሚኡ ዝመላለስ የሆዋ+ መልኣኹ ምሳኻ ልኢኹ፡+ መገድኻ ብርግጽ ኬቕንዓልካ እዩ፣ ንወደይ ከኣ ካብ ዓሌተይን ካብ ቤት ኣቦይን ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።+ 41  ናብ ዓሌተይ ምስ ከድካ እሞ እንተ ዘይሂቦምኻ፡ ሽዑ ኻብቲ ዝመሓልካለይ ማሕላ ንጹህ ትኸውን። እዚ ድማ ካብቲ ዝመሓልካለይ ማሕላ ንጹህ ኪገብረካ እዩ’ በለኒ።+ 42  “ሎሚ ናብታ ዓይኒ ማይ ምስ በጻሕኩ፡ ‘ኦ የሆዋ፡ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም፡ እዛ ዝኸዳ ዘለኹ መገዲ ተቕንዓለይ እንተ ዄንካስ፡ 43  እንሆ፡ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ደው ኢለ ኣለኹ። ማይ ክትቀድሕ ንእትመጽእ ጓል፡+ “በጃኺ ኻብ ዕትሮኺ ሒደት ማይ ኣስትይኒ” ምስ በልክዋ፡ 44  “ስተ፡ ንኣግማልካ እውን ክቐድሓለን እየ” ምስ እትብለኒ፡ ንሳ እታ የሆዋ ንወዲ ጐይታይ ዝሓረያ ሰበይቲ ትኹን’ በልኩ።+ 45  “ብልበይ ተዛሪበ ኸይወዳእኩ፡ ርብቃ ዕትሮኣ ኣብ መንኵባ ጾይራ መጸት፣ ናብ ዓይኒ ማይ ወሪዳ ድማ ማይ ቀድሐት። ኣነ ኸኣ፡ ‘በጃኺ፡ ኣስትይኒ’ በልክዋ።+ 46  ንሳ ድማ ቀልጢፋ ዕትሮኣ ኻብ መንኵባ ኣውሪዳ፡ ‘ስተ፡+ ንኣግማልካ እውን ከስትየን እየ’ በለትኒ። ኣነ ኸኣ ሰተኹ፡ ነተን ኣግማል እውን ኣስተየተን። 47  ድሕሪኡ፡ ‘ጓል መን ኢኺ፧’ ኢለ ሓተትክዋ። ንሳ ድማ፡ ‘ጓል ቤቱኤል ወዲ ናሆር፡ ሚልካ ዝወለደትሉ፡ እየ’ ኢላ መለሰትለይ። ስለዚ፡ ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኣ፡ ኣምባር ከኣ ኣብ ኣእዳዋ ገበርኩላ።+ 48  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ፍግም ኢለ ድማ ሰገድኩ፡ ጓል ሓው ጐይታይ ንወዱ ኽወስድ ብቕንዕቲ መገዲ ንዝመርሓኒ የሆዋ ኣምላኽ ጐይታይ ኣብርሃም ድማ ወደስክዎ።+ 49  ሕጂ ኸኣ፡ ንጐይታይ ብተኣማንነት እተፍቅርዎን ተኣማንነት እተርእይዎን እንተ ዄንኩም፡ ንገሩኒ፣ እንተ ዘይኰነ ግና፡ ናብ የማን ወይስ ናብ ጸጋም ከብል ንገሩኒ።”+ 50  ሽዑ፡ ላባንን ቤቱኤልን፡ “እዚ ነገር እዚ ኻብ የሆዋ እዩ። ክንፈቅድ ወይ ክንከልእ* ኣይንኽእልን ኢና። 51  እንሃ፡ ርብቃ ኣብ ቅድሜኻ ኣላ። ውሰዳ እሞ ኺድ፣ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ ድማ፡ ሰበይቲ ወዲ ጐይታኻ ትኹን” ኢሎም መለሱሉ። 52  እቲ ጊልያ ኣብርሃም ዘረባኦም ምስ ሰምዐ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ናብ ምድሪ ሰገደ። 53   እቲ ጊልያ ኸኣ ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣውጺኡ ንርብቃ ሃባ፣ ንሓዋን ንኣዲኣን ድማ ክቡር ነገር ሃቦም። 54  ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከኣ በልዑን ሰተዩን፣ ኣብኡ ድማ ሓደሩ። ንግሆ ምስ ተንስአ ኸኣ፡ “ናብ ጐይታይ ኣሰናብቱኒ” በለ። 55  ሓዋን ኣዲኣን ድማ፡ “እዛ ጓል እንተ ወሓደ ዓሰርተ መዓልቲ ምሳና ትቐኒ። ድሕሪኡ፡ ትኺድ” በልዎ። 56  ንሱ ግና፡ “የሆዋ መገደይ ካብ ኣቕንዓለይሲ፡ ኣይተደናጕዩኒ” በሎም። 57   ንሳቶም ከኣ፡ “ነታ ጓል ጸዊዕና ንሕተታ” በሉ። 58  ንርብቃ ጸዊዖም ድማ፡ “ምስ እዚ ሰብኣይ እዚዶ ትኸዲ፧” በልዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ሕራይ፡ እኸይድ” ኢላ መለሰት። 59  ሽዑ፡ ንሓብቶም ርብቃን+ ንመጕዚታን*+ ነቲ ጊልያ ኣብርሃምን ንሰቡን ይኺዱ ሓደግዎም። 60  ንርብቃ ኸኣ፡ “ኣቲ ሓብትና፡ ኣሻሕ ኣእላፋት ኩኒ፣ ዘርእኺ ድማ ኣፍ ደገ* ጸላእቱ ይረስተ” ኢሎም መረቕዋ።+ 61  ድሕሪኡ፡ ርብቃን ኣግራዳን ኣብ ኣግማል ተወጢሐን ነቲ ሰብኣይ ሰዓባኦ። እቲ ጊልያ ኸኣ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ኸደ። 62  ይስሃቅ ከኣ ኣብ ምድሪ ነጌብ ይቕመጥ ነበረ እሞ፡+ ካብ መገዲ ብኤር-ለሓይ-ሮይ+ መጺኡ ነበረ። 63  ይስሃቅ ድማ ኣጋ ምሸት ኣብ መሮር ኰይኑ ኼስተንትን ወጺኡ ነበረ።+ ኣዒንቱ ኣልዒሉ ኸኣ፡ ኣግማል ኪመጻ ረኣየ። 64  ርብቃ ድማ ኣዒንታ ምስ ኣልዓለት፡ ንይስሃቅ ረኣየቶ፡ ቀልጢፋ ኸኣ ካብ ገመል ወረደት። 65  ነቲ ጊልያ ድማ፡ “እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ፡ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧” ኢላ ሓተተቶ፣ እቲ ጊልያ ኸኣ፡ “ጐይታይ እዩ” በላ። ሽዑ፡ መጐልበቢ ወሲዳ ተጐልበበት። 66  እቲ ጊልያ ድማ ኵሉ እቲ ዝገበሮ ነገር ንይስሃቅ ነገሮ። 67  ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ናብ ድንኳን ኣዲኡ ሳራ ኣእተዋ።+ በዚ ኸምዚ፡ ንርብቃ ወሰዳ እሞ ሰበይቱ ዀነት፡ ኣፍቀራ እውን፣+ ይስሃቅ ከኣ ድሕሪ ሞት ኣዲኡ ተጸናንዐ።+

እግረ ጽሑፍ

ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ንላባን ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ክፉእ ወይ ጽቡቕ ክንዛረብ።”
ማለት፡ ኣቐዲማ መጕዚታ ዝነበረት ገረዳ።
ማለት፡ ኣፍ ደገ ኸተማ።