ዘፍጥረት 26:1-35

  • ይስሃቅን ርብቃን ኣብ ጌራር (1-11)

    • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንይስሃቅ ጸንዓሉ (3-5)

  • ብዒላታት እተላዕለ ባእሲ (12-25)

  • ይስሃቅ ምስ ኣቢሜሌክ ኪዳን ተኣታተወ (26-33)

  • ክልተ ሔታውያን ኣንስቲ ኤሳው (34, 35)

26  ብዘይካ እቲ ብዘመን ኣብርሃም ዝዀነ ቐዳማይ ጥሜት፡+ ኣብታ ምድሪ ኻልእ ጥሜት ኰነ፣ ይስሃቅ ድማ ናብ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን፡ ናብ ጌራር ከደ። 2  የሆዋ ኸኣ ተራእዮ፡ ከምዚ እውን በሎ፦ “ናብ ግብጺ ኣይትውረድ። ኣብታ ኣነ ዝብለካ ምድሪ ደኣ ተቐመጥ። 3  ኵላ እዛ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓና ዄንካ ተቐመጥ፣+ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን ከኣ እየ። እቲ ንኣቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍጽሞ እየ።+ 4  ‘ንዘርእኻ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ሰማያት ከብዝሖ፡+ ኵላ እዛ ምድሪ ድማ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ ኵሎም ኣህዛብ ምድሪ ኸኣ በረኸት ኪረኽቡ* እዮም።’+ 5  ከመይሲ፡ ኣብርሃም ቃለይ ሰሚዑ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ ዘለዎ ግዴታታትን ትእዛዛተይን ስርዓታተይን ሕግታተይን ድማ ሓልዩ እዩ።”+ 6  ይስሃቅ ከኣ ኣብ ጌራር ተቐመጠ።+ 7  ሰብ እታ ቦታ ብዛዕባ ሰበይቱ ኺሓትትዎ ኸለዉ ድማ፡ “ሓብተይ እያ” ይብል ነበረ።+ ትርኢታ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡+ “ሰብ እዛ ቦታ እዚኣ ብሰሪ ርብቃ ኪቐትሉኒ እዮም” ኢሉ ነበረ እሞ፡ “ሰበይተይ እያ” ምባል ፈርሀ። 8  እተወሰነ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣቢሜሌክ ንጉስ ፍልስጥኤማውያን ብመስኰት ኪጥምት ከሎ፡ ይስሃቅ ንሰበይቱ ርብቃ ፍቕሩ ኺገልጸላ* ኸሎ ረኣዮ።+ 9  ኣቢሜሌክ ከኣ ንይስሃቅ ጸዊዑ፡ “ብርግጽ ሰበይትኻ እያ! ስለምንታይ ደኣ፡ ‘ሓብተይ እያ’ ዝበልካ፧” በሎ። ይስሃቅ ድማ፡ “ብሰራ ኸይመውት ኢለ እየ” በሎ።+ 10  ኣቢሜሌክ ድማ፡ “እንታይ እዩ እዚ ዝገበርካና፧+ ሓደ ኻብዚ ህዝቢ ብቐሊሉ ምስ ሰበይትኻ ምደቀሰ ነይሩ፣ በደልቲ ኸኣ ምገበርካና ኔርካ” በለ።+ 11  ሽዑ፡ ኣቢሜሌክ ንዅሉ እቲ ህዝቢ፡ “ነዚ ሰብኣይ እዝን ንሰበይቱን ዝተንከየ፡ ብርግጽ ኪመውት እዩ” ኢሉ ኣዘዞ። 12  ይስሃቅ ድማ ኣብታ ምድሪ እቲኣ ዘርኢ ዘርአ፣ በታ ዓመት እቲኣ ኸኣ፡ የሆዋ ስለ ዝባረኾ፡ 100 ዕጽፊ እቲ ዝዘርኦ ሓፈሰ።+ 13  እቲ ሰብኣይ ድማ ሃብተመ፡ ኣዝዩ ኽሳዕ ዚህብትም ከኣ በልጸገ። 14  መጓሰ ኣባጊዕን መጓሰ ከብትን ብዙሓት ገላዉን ድማ ነበርዎ፣+ ስለዚ ኸኣ፡ ፍልስጥኤማውያን ቀንኡሉ። 15  ሽዑ፡ ፍልስጥኤማውያን ንዅሉ እቲ ገላዉ ኣቦኡ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ ዒላታት ብሓመድ ደበይዎ።+ 16  ኣቢሜሌክ ድማ ንይስሃቅ፡ “ካባና ብዝያዳ ሓይልካ ኢኻ እሞ፡ ካብዚ ኸባቢና ኺድ” በሎ። 17  ይስሃቅ ከኣ ካብኡ ግዒዙ፡ ኣብ ስንጭሮ* ጌራር ሰፈረ፡+ ኣብኡ ድማ ተቐመጠ። 18  ይስሃቅ ድማ ነቲ ብዘመን ኣቦኡ ኣብርሃም ዝዀዓትዎ፡ ፍልስጥኤማውያን ግና ድሕሪ ሞት ኣብርሃም ዝደበይዎ ዒላታት፡+ መሊሱ ዀዓቶ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዘውጽኣሉ ስማት እውን ሰመዮ።+ 19  ገላዉ ይስሃቅ ኣብቲ ስንጭሮ* ምስ ኰዓቱ፡ ፈልፋሊ ዒላ ማይ ረኸቡ። 20  ጓሶት ጌራር ድማ ምስ ጓሶት ይስሃቅ፡ “እዚ ማይና እዩ” ኢሎም ተባእሱ። ምስኡ ስለ እተባእሱ ኸኣ፡ ነታ ዒላ ዔሰቅ* ሰመያ። 21  ካልእ ዒላ ድማ ኰዓቱ፣ ብዛዕባኣ እውን ተባእሱ። ንዓኣ ኸኣ ሲጥና* ኢሉ ሰመያ። 22  ካብኡ ድማ ገዓዘ፡ ካልእ ዒላ እውን ኰዓተ፣ ብዛዕባኣ ግና ኣይተባእሱን። ስለዚ፡ “ሕጂ የሆዋ ስለ ዘርሓበልናን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ስለ ዘፋረየናን እዩ” ኢሉ ረሖቦት* ኢሉ ሰመያ።+ 23  ካብኡ ኸኣ ናብ ብኤር-ሸባዕ+ ደየበ። 24  በታ ለይቲ እቲኣ ድማ፡ የሆዋ ተራእዮ እሞ፡ “ኣነ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃም እየ።+ ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፣+ ምእንቲ ጊልያይ ኣብርሃም ኢለ ድማ ክባርኸካን ንዘርእኻ ኸብዝሖን እየ” በሎ።+ 25  ንሱ ኸኣ ኣብኡ መሰውኢ ሰሪሑ፡ ስም የሆዋ ጸውዐ።+ ይስሃቅ ድማ ኣብኡ ድንኳኑ ተኸለ፣+ ገላዉኡ ኸኣ ኣብኡ ዒላ ዀዓቱ። 26  ኣቢሜሌክ ድማ፡ ኣሑዛት ምስ ዚብሃል ኣማኻሪኡን ምስ ፊኮል ሓለቓ ሰራዊቱን፡ ካብ ጌራር ናብኡ መጸ።+ 27  ይስሃቅ ከኣ፡ “ጸሊእኩምኒ፡ ካብ ከባቢኹም ከኣ ሰጒጕኩምኒ ኽነስኹም፡ ስለምንታይ ደኣ ናባይ መጺእኩም፧” በሎም። 28  ንሳቶም ድማ፡ “የሆዋ ምሳኻ ኸም ዘሎ ብንጹር ርኢና ኢና።+ ስለዚ፡ ከምዚ ኢልና፦ ‘ንሕናን ንስኻን በጃኻ ንማሓሓል፡ ምሳኻ ኸኣ ኪዳን ንእቶ፣+ 29  እዚ ድማ፡ ከምቲ ንሕና ዘይተንከናካ፡ ጽቡቕ ጥራይ ከኣ ዝገበርናልካ፡ ብሰላም እውን ዘሰናበትናካ፡ ንስኻ ድማ ንዓና ኽፉእ ከይትገብረና እዩ። ሕጂ ንስኻ ናይ የሆዋ ብሩኽ ኢኻ’” በልዎ። 30  ሽዑ፡ ንሱ ድግስ ደገሰሎም እሞ፡ በልዑን ሰተዩን። 31  ንጽብሒቱ ድማ ኣንጊሆም ተንሲኦም፡ ንሓድሕዶም ተማሓሓሉ።+ ድሕሪኡ፡ ይስሃቅ ኣሰናበቶም፡ ካብኡ እውን ብሰላም ከዱ። 32  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ገላዉ ይስሃቅ መጺኦም፡ ብዛዕባ እታ ዝዀዓትዋ ዒላ፡+ “ማይ ረኺብናላ!” ኢሎም ነገርዎ። 33  ንሱ ድማ ሺብዓ ኢሉ ሰመያ። ስለዚ፡ ስም እታ ኸተማ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብኤር-ሸባዕ+ እዩ። 34  ኤሳው ወዲ 40 ዓመት ምስ ኰነ፡ ንይሁዲት ጓል ብኤሪ እቲ ሔታውን ንባስማት ጓል ኤሎን እቲ ሔታውን ኣንስቱ ኪዀናኦ ወሰደን።+ 35  ንሳተን ከኣ ንይስሃቅን ንርብቃን ምንጪ ዓብዪ ጓሂ* ዀናኦም።+

እግረ ጽሑፍ

ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።
ወይ፡ “ኪሓቝፋ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ወይ፡ “ርባ።”
ትርጉሙ፡ “ባእሲ።”
ትርጉሙ፡ “ክሲ።”
ትርጉሙ፡ “ርሒብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምረት መንፈስ።”