ዘፍጥረት 28:1-22

  • ይስሃቅ ንያእቆብ ናብ ጳዳን-ኣራም ሰደዶ (1-9)

  • ያእቆብ ኣብ ቤት-ኤል ዝሓለሞ ሕልሚ (10-22)

    • ኣምላኽ ዘተስፈዎ ተስፋ ንያእቆብ ጸንዓሉ (13-15)

28  ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ጸዊዑ መረቖ፡ ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞ፦ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኣይተእቱ።+ 2  ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ እንዳ ኣቦሓጎኻ ቤቱኤል ኪድ እሞ፡ ካብኡ ኸኣ ካብ ኣዋልድ ኣኮኻ ላባን+ ሰበይቲ ኣእቱ። 3  እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድማ ኪባርኸካን ኬፍርየካን እዩ፣ ብርግጽ እውን ጭፍራ ህዝብታት ክትከውን ኢኻ።+ 4  ነዛ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ጓና ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያ፡+ ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም+ ኪህበካ እዩ።” 5  ይስሃቅ ከኣ ንያእቆብ ሰደዶ፣ ንሱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም፡ ናብ ላባን ወዲ ቤቱኤል እቲ ኣራማዊ፡+ ሓው ርብቃ+ ኣደ ያእቆብን ኤሳውን፡ ከደ። 6  ኤሳው ከኣ፡ ይስሃቅ ንያእቆብ ከም ዝመረቖ፡ ካብኡ ሰበይቲ ኼእቱ ድማ ናብ ጳዳን-ኣራም ከም ዝሰደዶ፡ ኪምርቖ ኸሎ ኸኣ፡ “ካብ ኣዋልድ ከነኣን ሰበይቲ ኸይተእቱ”+ ኢሉ ኸም ዝኣዘዞ ረኣየ። 7  ያእቆብ ድማ ንኣቦኡን ንኣዲኡን ተኣዚዙ፡ ናብ ጳዳን-ኣራም ነቐለ።+ 8  ሽዑ፡ ኤሳው፡ ኣዋልድ ከነኣን ንኣቦኡ ይስሃቅ ከም ዘጕሃያኦ ረኣየ።+ 9  ስለዚ፡ ኤሳው ናብ እስማኤል ከይዱ ኣብ ልዕሊ እተን ዝነበራኦ ኣንስቲ፡ ንማሓላት ጓል እስማኤል ወዲ ኣብርሃም፡ ሓብቲ ነባዮት፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኣእተዋ።+ 10  ያእቆብ ከኣ ካብ ብኤር-ሸባዕ ነቒሉ፡ ናብ ካራን ኣቢሉ ኸደ።+ 11  ኣብ ሓንቲ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ጸሓይ ስለ ዝዓረበት፡ ኣብኣ ኺሓድር መደበ። ካብቲ ኣብታ ቦታ እቲኣ ዝነበረ ኣእማን ሓንቲ ወሲዱ ድማ፡ ተተርኢስዋ፡ ኣብኣ ደቀሰ።+ 12  ሽዑ፡ ሓለመ፡ እንሆ ኸኣ፡ መደያይቦ* ኣብ ምድሪ ደው ኢሉ፡ ርእሱ ድማ ክሳብ ሰማያት በጺሑ ነበረ። መላእኽቲ ኣምላኽ ድማ ይድይቡሉን ይወርዱሉን ነበሩ።+ 13  እንሆ ኸኣ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሊኡ ዀይኑ ኸምዚ በሎ፦ “ኣነ የሆዋ፡ ኣምላኽ ኣቦኻ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን እየ።+ እዛ ደቂስካላ ዘለኻ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበኩም እየ።+ 14  ዘርእኻ ድማ ብርግጽ ከም ሓመድ ምድሪ ኪኸውን እዩ፣+ ናብ ምዕራብን ናብ ምብራቕን ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ከኣ ከተስፋሕፍሕ ኢኻ፣ ኵሎም ዓሌታት ምድሪ ድማ ብኣኻን ብዘርእኻን ብርግጽ ኪባረኹ* እዮም።+ 15  ኣነ ኸኣ ምሳኻ እየ፣ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ኽሕልወካ፡ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ድማ ክመልሰካ እየ።+ እቲ ቓል ዝኣቶኹልካ ኽሳዕ ዝገብሮ፡ ኣይክሓድገካን እየ።”+ 16  ያእቆብ ከኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ እሞ፡ “ኣነ ደኣ እየ ዘይፈለጥኩ ነይረ እምበር፡ ብሓቂ የሆዋ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኣሎ” በለ። 17  ፈሪሁ ድማ፡ “እዛ ቦታ እዚኣ ኽንደይ ተፍርህ እያ! እዚኣ ቤት ኣምላኽ እያ እምበር፡+ ካልእ ኣይኰነትን፣ እዚኣ ኸኣ ኣፍ ደገ ሰማያት እያ” በለ።+ 18  ያእቆብ ድማ ኣንጊሁ ተንሲኡ፡ ነታ ተተርኢስዋ ዝነበረ እምኒ ወሲዱ፡ ሓወልቲ ኽትከውን ኣቘማ፡ ኣብ ልዕሊኣ እውን ዘይቲ ኣፍሰሰላ።+ 19  ነታ ቦታ እቲኣ ድማ ቤት-ኤል* ኢሉ ሰመያ፣ ቅድሚኡ ግና ስም እታ ኸተማ ሉዝ ነበረ።+ 20  ያእቆብ ድማ ከምዚ ኢሉ መብጽዓ ተመባጽዐ፦ “ኣምላኽ ምሳይ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ ጕዕዞይ ከኣ እንተ ሓልዩኒ፡ ዝበልዖ እንጌራን ዝኽደኖ ኽዳንን ድማ እንተ ሂቡኒ፡ 21  ናብ ቤት ኣቦይ እውን ብደሓን እንተ ተመሊሰ፡ ሽዑ የሆዋ ብርግጽ ኣምላኸይ ኪኸውን እዩ። 22  እዛ ሓወልቲ ገይረ ኣቚመያ ዘለኹ እምኒ ኸኣ፡ ቤት ኣምላኽ ክትከውን እያ፣+ ኣነ ድማ ካብ እትህበኒ ዘበለ ዅሉ ብርግጽ ዕሽር ክህበካ እየ።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “መሳልል።”
ወይ፡ “በረኸት ኪረኽቡ፡” ማለት፡ ጽዒሮም ኪረኽቡ።
ትርጉሙ፡ “ቤት ኣምላኽ።”