ዘፍጥረት 38:1-30
-
ይሁዳን ታማርን (1-30)
38 ኣብቲ ግዜ እቲ ኣቢሉ፡ ይሁዳ ኻብ ኣሕዋቱ ተፈልዩ፡ ኣብ ጥቓ ሓደ ሒራ ዝስሙ ዓዱላማዊ ሰብኣይ ድንኳኑ ተኸለ።
2 ኣብኡ ኸኣ ይሁዳ፡ ሓንቲ ጓል ሓደ ሹዓ ዝስሙ ከነኣናዊ ሰብኣይ ረኣየ።+ ንዓኣ ወሲዱ ኸኣ ናብኣ ኣተወ፣
3 ንሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ዔር ኢላ እውን ሰመየቶ።+
4 መሊሳ ድማ ጠነሰት፡ ወዲ ኸኣ ወለደት፡ ኦናን ኢላ እውን ሰመየቶ።
5 ከም ብሓድሽ ድማ ወዲ ወለደት፡ ሸላሕ ኢላ እውን ሰመየቶ። ንዕኡ ኽትወልድ ከላ ኸኣ፡ ንሱ* ኣብ ኣክዚብ+ ነበረ።
6 ይሁዳ ድማ ንዔር እቲ በዅሪ ወዱ፡ ታማር+ ዝስማ ሰበይቲ ኣምጽኣሉ።
7 ዔር እቲ በዅሪ ይሁዳ ግና፡ ንየሆዋ ዜጕሂ ነበረ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ቐተሎ።
8 ሽዑ፡ ይሁዳ ንኦናን፡ “ናብ ሰበይቲ ሓውካ እቶ እሞ ውረሳ፡ ንሓውካ ድማ ዘርኢ ኣተንስኣሉ” በሎ።+
9 ኦናን ግና እቲ ዘርኢ ንዕኡ ኸም ዘይከውን ፈለጠ።+ ስለዚ፡ ናብ ሰበይቲ ሓዉ ኺኣቱ ኸሎ፡ ንሓዉ ዘርኢ ምእንቲ ኸይህብ ኢሉ፡ ዘርኡ ናብ ምድሪ ኸዓዎ።+
10 እቲ ዝገበሮ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ነበረ። ስለዚ፡ ንዕኡ እውን ቀተሎ።+
11 ሽዑ፡ ይሁዳ፡ ንታማር ሰበይቲ ወዱ፡ “ወደይ ሸላሕ ክሳዕ ዚዓቢ፡ ኣብ ቤት ኣቦኺ መበለት ኴንኪ ተቐመጢ” በላ። ከመይሲ፡ ‘ንሱ እውን ከም ኣሕዋቱ ኺመውት ይኽእል እዩ’ ኢሉ ነበረ።+ ታማር ድማ ከይዳ ኣብ ቤት ኣቦኣ ተቐመጠት።
12 ድሕሪ ገለ እዋን ከኣ ጓል ሹዓ ሰበይቲ ይሁዳ+ ሞተት። ይሁዳ ሓዘኑ ድሕሪ ምውዳኡ፡ ምስ ሒራ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ናብቶም ኣብ ቲምና+ ዝነበሩ ቐምቀምቲ ኣባጊዑ ደየበ።
13 ንታማር ድማ፡ “ሓሙኺ ኣባጊዑ ኪቕምቅም ናብ ቲምና ይድይብ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግራ።
14 ንሳ ኸኣ፡ ሸላሕ ዓብዩ ኽነሱ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ኸም ዘይተዋህበት ረኣየት እሞ፡+ ክዳን ምብልውናኣ ቐንጢጣ፡ ብመጐልበቢ ተጐልቢባ ኣብታ ኣብ ጥቓ መገዲ ቲምና ዘላ ኣፍ ደገ ዔናይም ተቐመጠት።
15 ይሁዳ ምስ ረኣያ፡ ገጻ ሸፊና ስለ ዝነበረት፡ ኣመንዝራ መሰለቶ።
16 ሰበይቲ ወዱ ምዃና ኣይፈለጠን እሞ፡+ ናብኣ ናብቲ ጥቓ መገዲ ኣላጊሱ፡ “ናባኺ ኽኣቱ በጃኺ ፍቐድለይ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ናባይ ክትኣቱስ እንታይ እሞ ኽትህበኒ ኢኻ፧” በለቶ።
17 ንሱ ኸኣ፡ “ካብ መጓሰይ ማሕስእ ክሰድደልኪ እየ” በላ። ንሳ ድማ፡ “ክሳዕ እትሰድደለይከ ትሕጃዶ ኽትህበኒ፧” በለቶ።
18 ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ትሕጃ ደኣ እሞ ኽህበኪ፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “ቀለቤት ማሕተምካን+ ማዕተብካን እዛ ኣብ ኢድካ ዘላ በትርኻን” በለቶ። ሽዑ፡ ንሱ ንዓኣ ሃባ፡ ናብኣ ኸኣ ኣተወ፡ ንሳ እውን ካብኡ ጠነሰት።
19 ድሕርዚ፡ ተንሲኣ ኸደት፡ መጐልበቢኣ ቐንጢጣ ድማ ክዳን ምብልውናኣ ተኸድነት።
20 ይሁዳ ኸኣ ነቲ ትሕጃ ኻብ ኢድ እታ ሰበይቲ ኺወስድ ኢሉ፡ ብኢድ እቲ ዓዱላማዊ+ ፈታዊኡ ማሕስእ ሰደደላ፣ ንሱ ግና ኣይረኸባን።
21 ሽዑ፡ ንሰብ እታ ቦታ እቲኣ፡ “እታ ኣብ ዔናይም፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዝነበረት ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣበይ ኣላ፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን” በሉ።
22 ናብ ይሁዳ ተመሊሱ ድማ፡ “ኣይረኸብክዋን፡ ሰብ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣብዚ ቦታ እዚ ኣመንዝራ ቤተ መቕደስ ኣይነበረትን’ ኢሎም” በሎ።
23 ይሁዳ ኸኣ፡ “ከይንነዓቕሲ፡ ንዓኣ ትውሰዶ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ኣነ ነዚ ማሕስእ እዚ ልኢኸ እየ፣ ንስኻ ግና ኣይረኸብካያን” በለ።
24 ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ፡ ንይሁዳ፡ “ታማር ሰበይቲ ወድኻ መንዚራ፡ ብምንዝርናኣ እውን ጠኒሳ ኣላ” ተባሂሉ ተነግሮ። ይሁዳ ድማ፡ “ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ” በለ።+
25 ምስ ኣውጽእዋ ኸኣ፡ ናብ ሓሙኣ፡ “ኣነ ኻብ ብዓል እዚ እየ ጠኒሰ ዘለኹ” ኢላ ሰደደት። “እዛ ቐለቤት ማሕተም እዚኣን እዛ ማዕተብ እዚኣን እዛ በትሪ እዚኣን ናይ መን ከም ዝዀና እስከ በጃኻ መርምር” ድማ በለት።+
26 ይሁዳ ኸኣ መርመሮ፡ “ንወደይ ሸላሕ ስለ ዘይሃብክዋስ፡+ ካባይ ንሳ ትጸድቕ” ድማ በለ። ድሕሪኡ ኸኣ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኣይገበረን።
27 ግዜ ሕርሳ ምስ ኣኸለ፡ ኣብ ማሕጸና ማንታ ነበሩ።
28 ክትወልድ ከላ ኸኣ፡ እቲ ሓደ ኢዱ ኣውጽአ፣ እታ መሕረሲት ድማ፡ “እዚ ቐዳማይ ወጸ” ኢላ ብኡብኡ ቐይሕ ፈትሊ ወሲዳ ኣብ ኢዱ ኣሰረትሉ።
29 ንሱ ኢዱ ምስ መለሰ ግና፡ ሓዉ ወጸ፣ ንሳ ኸኣ፡ “ከመይ ሰንጠቕካ!” በለት። ስለዚ፡ ስሙ ፋሬስ* ተባህለ።+
30 ድሕሪኡ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ኢዱ ቐይሕ ፈትሊ ዝነበሮ ወጸ፣ ስሙ ድማ ዜራሕ ተባህለ።+