ዘፍጥረት 47:1-31
47 ዮሴፍ ድማ ናብ ፈርኦን ከይዱ፡ “ኣቦይን ኣሕዋተይን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ዘለዎም ኵሉን ካብ ምድሪ ከነኣን መጺኦም ኣለዉ፣ ኣብ ምድሪ ጎሼን ከኣ ኣለዉ”+ ኢሉ ነገሮ።+
2 ካብቶም ኣሕዋቱ ድማ ሓሙሽተ ወሲዱ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦም።+
3 ፈርኦን ከኣ ንኣሕዋቱ፡ “ስራሕኩም እንታይ እዩ፧” በሎም። ንሳቶም ድማ ንፈርኦን፡ “ገላዉኻ፡ ንሕናን ኣቦታትናን ጓሶት ኣባጊዕ ኢና” ኢሎም መለሱሉ።+
4 ሽዑ፡ “ኣብ ምድሪ ከነኣን ጥሜት በርቲዑ እዩ እሞ፡+ መጓሰ ገላዉኻ ዚጓሰያሉ ስለ ዘየልቦ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓኖት ኴንና ኽንነብር መጺእና ኣለና።+ ሕጂ ኸኣ በጃኻ ገላዉኻ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ” በልዎ።+
5 ፈርኦን ድማ ንዮሴፍ፡ “ኣቦኻን ኣሕዋትካን መጺኦምኻ ኣለዉ።
6 ምድሪ ግብጺ ኣብ ቅድሜኻ እያ። ንኣቦኻን ንኣሕዋትካን ኣብ ዝበለጸ ኽፋል እዛ ምድሪ ኣቐምጦም።+ ኣብ ምድሪ ጎሼን ይቀመጡ፣ ካባታቶም ክኢላታት ሰብኡት እትፈልጦም እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ልዕሊ ማለይ ሓላፍነት ሃቦም” በሎ።
7 ሽዑ፡ ዮሴፍ ንኣቦኡ ያእቆብ ኣምጺኡ፡ ኣብ ቅድሚ ፈርኦን ኣቕረቦ፣ ያእቆብ ከኣ ንፈርኦን መረቖ።
8 ፈርኦን ከኣ ንያእቆብ፡ “ዕድሜኻ ኽንደይ እዩ፧” በሎ።
9 ያእቆብ ድማ ንፈርኦን፡ “ከርተት ዝበልኩለን ዓመታት* 130 እየን። ዓመታት ህይወተይ ሒደትን ጭንቅን እየን፣+ ክንዲ እቲ ዓመታት ህይወት ኣቦታተይ ብእዋን ከርተቶም* ኣይኣኽላን እየን” በሎ።+
10 ድሕርዚ፡ ያእቆብ ንፈርኦን መሪቑ ኻብ ቅድሚኡ ወጸ።
11 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ኣስፈሮም፣ ከምቲ ፈርኦን ዝኣዘዞ ኸኣ ኣብ ምድሪ ግብጺ፡ ኣብ ዝበለጸት ክፋል ምድሪ ራዕምሴስ ርስቲ ሃቦም።+
12 ዮሴፍ ድማ ንኣቦኡን ንኣሕዋቱን ንብዘለዉ ቤተ ሰብ ኣቦኡን ከከም ብዝሒ ቘልዑኦም እንጌራ ይምግቦም ነበረ።
13 እቲ ጥሜት ኣዝዩ ስለ ዝበርትዐ ድማ፡ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ እንጌራ ኣይነበረን፣ ምድሪ ግብጽን ምድሪ ከነኣንን ከኣ ብጥሜት ተወድኣ።+
14 ዮሴፍ ድማ ነቲ እኽሊ ኺሽምቱ ኸለዉ ዝሃብዎ፡+ ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን እተረኽበ ዅሉ ገንዘብ ኣከበ፣ ዮሴፍ ከኣ ነቲ ገንዘብ ናብ ቤት ፈርኦን የእትዎ ነበረ።
15 ኣብ ምድሪ ግብጽን ኣብ ምድሪ ከነኣንን ዝነበረ ገንዘብ ድማ ተወድአ። ኵሎም ግብጻውያን ከኣ ናብ ዮሴፍ እናመጹ፡ “እንጌራ ሃበና! ገንዘብና ስለ እተወድአ፡ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧” ይብልዎ ነበሩ።
16 ዮሴፍ ከኣ፡ “ገንዘብኩም እንተ ተወዲኡ፡ ማልኩም ኣምጽኡ፡ ኣብ ክንዲ ማልኩም ከኣ እንጌራ ኽህበኩም እየ” በሎም።
17 ማሎም ከኣ ናብ ዮሴፍ ኣምጽኡ፣ ዮሴፍ ድማ ኣብ ክንዲ ኣፍራሶምን ጤለ በጊዖምን ከብቶምን ኣእዱጎምን እንጌራ ሃቦም። በታ ዓመት እቲኣ ድማ ኣብ ክንዲ ዅለን ማሎም እንጌራ ሃቦም።
18 እታ ዓመት እቲኣ ምስ ሓለፈት፡ በታ እትቕጽል ዓመት ናብኡ መጺኦም፡ “ገንዘብን ማልን ንጐይታይ ከም ዝሃብናዮ፡ ንጐይታይ ኣይንሓብኣሉን ኢና። ብዘይካ ገዛእ ርእስናን ምድርናን ኣብ ቅድሚ ጐይታይ ገለ እኳ ኣይተረፈን።
19 ንሕናን ምድርናን ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ እንመውት፧ ንዓናን ንምድርናን ብእንጌራ ዓድገና፣ ንሕናን ምድርናን ድማ ባሮት ፈርኦን ንኸውን። ብህይወት ክንነብር እምበር፡ ከይንመውት፡ ምድርና እውን ከይትባድምሲ፡ ዘርኢ ሃበና” በልዎ።
20 እቲ ጥሜት ኣዝዩ በርቲዑ ነበረ እሞ፡ ኵሉ ግብጻዊ ገግራቱ ስለ ዝሸጠ፡ ዮሴፍ ንዅላ ምድሪ ግብጻውያን ንፈርኦን ክትከውን ዓደጋ፣ እታ ምድሪ ድማ ናይ ፈርኦን ኰነት።
21 ሽዑ፡ ነቲ ህዝቢ፡ ካብቲ ሓደ ወሰን ሃገር ግብጺ፡ ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን፡ ናብ ከተማታት ኣግዓዞ።+
22 ግደ እቶም ካህናት ካብ ፈርኦን ነበረ እሞ፡ ፈርኦን ዝሃቦም ግደ ስለ እተመገቡ፡ ምድሪ እቶም ካህናት ጥራይ ኣይዓደጋን።+ ስለዚ፡ ንሳቶም ምድሮም ኣይሸጡን።
23 ዮሴፍ ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ “እንሆ፡ ሎሚ ንዓኻትኩምን ንምድርኹምን ንፈርኦን ዓዲገኩም ኣለኹ። እንሆልኩም ዘርኢ፡ ነታ ምድሪ ዝርእዋ።
24 ምስ ኣፍረየት ከኣ፡ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርኦን ሃቡ፣+ ኣርባዕተ ኢድ ከኣ ንዓኻትኩም፡ ንዘርኢ ግራትን ንቐለብኩምን ንቐለብ እቶም ኣብ ቤትኩም ዘለዉን ንቐለብ ቈልዑኹምን ኪኸውን እዩ” በሎም።
25 ንሳቶም ድማ፡ “ህይወትና ኣድሒንካያ ኢኻ።+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ጐይታይ ደኣ ሞገስ ንርከብ እምበር፡ ንፈርኦን ባሮቱ ኽንከውን ኢና” በሉ።+
26 ሽዑ፡ ዮሴፍ ሓምሻይ ኣፍ ንፈርኦን ኪኸውን፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግብጺ ኽሳዕ ሎሚ ዘሎ ስርዓት ገበረ። ምድሪ ኻህናት ጥራይ ንፈርኦን ኣይኰነትን።+
27 እስራኤል ድማ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ምድሪ ጎሼን ተቐመጠ።+ ኣብኣ ኸኣ ሰፈሩን ፈረዩን ኣዝዮም በዝሑን።+
28 ያእቆብ ኣብ ምድሪ ግብጺ 17 ዓመት ነበረ፣ መዓልትታት ህይወት ያእቆብ ከኣ 147 ዓመት ኰነ።+
29 እስራኤል ድማ ዚሞተላ መዓልቲ ቐረበት።+ ንዮሴፍ ወዱ ጸዊዑ ኸኣ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ኢድካ ኣብ ትሕቲ ሰለፈይ ኣንብር እሞ፡ ብተኣማንነት ኣፍቅረንን ተኣማንነት ኣርእየንን። በጃኻ ኣብ ምድሪ ግብጺ ኣይትቕበረኒ።+
30 ምስ ሞትኩ፡* ካብ ግብጺ ተሰኪምካ ኣብ መቓብር ኣቦታተይ ቅበረኒ” በሎ።+ ንሱ ድማ፡ “ከም ዘረባኻ ኽገብር እየ” በሎ።
31 ንሱ ኸኣ፡ “ምሓለለይ” በሎ። መሓለሉ ድማ።+ ሽዑ፡ እስራኤል ኣብ ትርኣስ ዓራቱ ሰገደ።+