ዮሃንስ 13:1-38
13 የሱስ፡ ቅድሚ በዓል ፋስጋ፡ ካብዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣቦኡ ዚኸደላ+ ሰዓቱ ኸም ዝኣኸለት ስለ ዝፈለጠ፡+ ነቶም ዘፍቀሮም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ናቱ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኣፍቀሮም።+
2 ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን፡ ኣሕሊፉ ኺህቦ+ ድሮ ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።+
3 የሱስ ከኣ ኣቦ ንዅሉ ኣብ ኢዱ ኸም ዝሃቦን ካብ ኣምላኽ ከም ዝመጸን ናብ ኣምላኽ ከም ዚኸይድን ፈሊጡ፡+
4 ካብ ድራር ተንሲኡ ኽዳውንቱ ኣንበረ። ዓለባ ኣልዒሉ እውን ተዓጥቀ።+
5 ድሕሪኡ፡ ማይ ኣብ ገበራ ኣዕሪቑ፡ ኣእጋር እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኺሓጽብን በቲ እተዓጥቆ ዓለባ ገይሩ ኼንቅጽን ጀመረ።
6 ናብ ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ መጸ። ንሱ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ንስኻዶ ኣእጋረይ ክትሓጽበኒ ኢኻ፧” በሎ።
7 የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ፡ ሕጂ ኣይትርድኦን ኢኻ፣ ድሕርዚ ግና ክትርድኦ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።
8 ጴጥሮስ ድማ፡ “ከቶ ኣእጋረይ ኣይክትሓጽበንን ኢኻ” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እንተ ዘይሓጺበካስ፡+ ምሳይ ግደ የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።
9 ስምኦን ጴጥሮስ ድማ፡ “ጐይታይ፡ ኣእዳወይን ርእሰይን እውን ሕጸበኒ እምበር፡ ኣእጋረይ ጥራይ ኣይኰነን” በሎ።
10 የሱስ ከኣ፡ “እቲ እተሓጽበ፡ ኵለንትናኡ ንጹህ እዩ እምበር፡ ብዘይካ ኣእጋሩ፡ ኪሕጸብ ኣየድልዮን እዩ። ንስኻትኩም ንጹሃት ኢኹም፣ ግናኸ፡ ኵላትኩም ኣይኰንኩምን” በለ።
11 ከመይሲ፡ ነቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይፈልጦ ነበረ።+ ስለዚ ኸኣ እዩ፡ “ኵላትኩም ንጹሃት ኣይኰንኩምን” ዝበለ።
12 ኣእጋሮም ምስ ሓጸበን ክዳውንቱ ምስ ተኸድነን፡ ከም ብሓድሽ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸምዚ በሎም፦ “እንታይ ከም ዝገበርኩልኩምሲ ተረዲእኩምዶ፧
13 ንስኻትኩም፡ ‘መምህር’ን ‘ጐይታ’ን ትብሉኒ ኣለኹም፣ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ቅኑዕ ትዛረቡ ኣለኹም።+
14 እምበኣር፡ ኣነ ጐይታን መምህርን ክነሰይ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩ፡+ ንስኻትኩም እውን ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሓጽቡ ይግብኣኩም።*+
15 ከምቲ ኣነ ዝገበርኩልኩምሲ፡ ንስኻትኩም እውን ክትገብሩ፡ ኣርኣያ ሂበኩም ኣለኹ።+
16 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን፡ ልኡኽ እውን ካብ ለኣኺኡ ኣይዓብን እዩ።
17 ነዚ እትፈልጥዎ እንተ ዄንኩም፡ እንተ ጌርኩምዎ፡ ሕጉሳት ኢኹም።+
18 ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘለኹ፣ ነቶም ዝሓረኽዎም እፈልጦም እየ። ግናኸ፡ እቲ፡ ‘እቲ እንጌራይ ዚበልዕ ዝነበረ፡ ሸዀናኡ ኣባይ ኣልዒሉ’*+ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ እዚ ዝዀነ።+
19 ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑስ፡ ከይኰነ ኻብ ሕጂ እነግረኩም ኣለኹ።+
20 ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ እቲ ንዝለኣኽክዎ ዚቕበል፡ ንዓይ እውን ይቕበለኒ።+ እቲ ንዓይ ዚቕበለኒ ኸኣ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ እውን ይቕበሎ።”+
21 የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ተረቢሹ፡ “ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” ኢሉ መስከረ።+
22 እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጠማመቱ።+
23 ሓደ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡+ ኣብ ጥቓ* የሱስ ተቐሚጡ ነበረ።
24 ስለዚ፡ ስምኦን ጴጥሮስ ንዕኡ፡ ብርእሱ እናኣመልከተ፡ “ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ ንገረና” በሎ።
25 ንሱ ኸኣ ናብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ፡ “ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧” በሎ።+
26 የሱስ ከኣ፡ “እቲ ኣነ ቝራስ ኣጥሊቐ ዝህቦ እዩ” ኢሉ መለሰ።+ ሽዑ፡ ቍራስ ኣጥሊቑ ንይሁዳ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ ሃቦ።
27 ይሁዳ እታ ቝራስ ምስ ወሰደ፡ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ።+ ሽዑ፡ የሱስ፡ “እቲ እትገብሮ ዘለኻ፡ ቀልጢፍካ ግበሮ” በሎ።
28 ካብቶም ኣብቲ መኣዲ ተቐሚጦም ዝነበሩ ግና፡ ስለምንታይ እዚ ኸም ዝበሎ፡ ሓደ እኳ ኣይፈለጠን።
29 ገሊኣቶም፡ ሳጹን ገንዘብ ምስ ይሁዳ ስለ ዝነበረ፡+ የሱስ፡ “ንበዓል ዜድልየና ዓድግ” ዝበሎ ወይ ንድኻታት ገለ ኺህብ ዝነገሮ መሲልዎም ነበረ።
30 ንሱ ኸኣ ነታ ቝራስ ምስ ተቐበለ፡ ብኡብኡ ወጸ። ለይቲ እውን ነበረ።+
31 ንሱ ምስ ወጸ፡ የሱስ ከምዚ በለ፦ “ሕጂ ወዲ ሰብ ከቢሩ እዩ፣+ ኣምላኽ እውን ብእኡ ኸቢሩ እዩ።
32 ኣምላኽ ባዕሉ ኸኣ ኬኽብሮ እዩ፣+ ብኡብኡ እውን ኬኽብሮ እዩ።
33 ደቀየ፡ ቍሩብ ግዜ ምሳኻትኩም ኣለኹ። ክትደልዩኒ ኢኹም፣ ከምቲ ንኣይሁድ፡ ‘ናብቲ ዝኸዶ ኽትመጹ ኣይትኽእሉን ኢኹም’ ዝበልክዎም ድማ፡+ ንዓኻትኩም እውን እብለኩም ኣለኹ።
34 ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡+ ንስኻትኩም እውን ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ሓድሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ።+
35 ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።”+
36 ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ናበይ ክትከይድ ኢኻ፧” በሎ። የሱስ ድማ፡ “ናብቲ ኣነ ዝኸዶ፡ ሕጂ ኽትስዕበኒ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ደሓር ግና ክትስዕበኒ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+
37 ጴጥሮስ ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ስለምንታይ እየ ሕጂ ኽስዕበካ ዘይክእል፧ ህይወተይ* ምእንታኻ ኣሕሊፈ ኽህብ እየ” በለ።+
38 የሱስ ድማ፡ “ንህይወትካዶ* ምእንታይ ኣሕሊፍካ ኽትህብ ኢኻ፧ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፡ ሰለስተ ሳዕ ክሳዕ እትኽሕደንስ፡ ደርሆ ኸቶ ኣይኪንቁን እዩ” ኢሉ መለሰሉ።+