ዮኤል 1:1-20

  • ሓሸራታት ዜምጽእዎ ኸቢድ መዓት (1-14)

  • “መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ኣላ” (15-20)

    • እቲ ነብዪ ናብ የሆዋ ኣእወየ (19, 20)

1  ንዮኤል* ወዲ ጴቱኤል ዝመጾ ቓል የሆዋ፦   “ኣቱም ዓበይቲ፡ እዚ ስምዑ፣ኵልኹም ነበርቲ እዛ ምድሪ፡* ጽን በሉ። ብዘመንኩም ወይ ብዘመን ኣቦታትኩምሲከምዚ ዝበለዶ ዀይኑ እዩ፧+   ብዛዕባኡ ንደቅኹም ኣዘንትዉሎም፣ደቅኹም ከኣ ንደቆም፡ደቆም እውን ንዚቕጽል ወለዶ የዘንትዉሎም።   ካብ ወሓጢ ኣንበጣ ዝተረፈ፡ ዕስለ ኣንበጣ በሊዕዎ፣+ካብ ዕስለ ኣንበጣ ዝተረፈ፡ ኩብኩብታ በሊዕዎ፣ካብ ኩብኩብታ ዝተረፈ፡ በላዒ ኣንበጣ በሊዕዎ።+   ኣቱም ሰኽራማት፡+ ንቕሑን ብኸዩን! ጕዕሽ ወይኒ ኻብ ኣፍኩም ተወሲዱ እዩ እሞ፡+ኵልኹም ሰተይቲ ወይኒ፡ ዋይዋይ በሉ!   ሓያልን ቍጽሪ ዘይብሉን ህዝብስ ናብ ምድረይ ደዪቡ ኣሎ።+ ኣስናኑ ኣስናን ኣንበሳ፡+ ምንጋጋኡ ኸኣ ከም ናይ ኣንበሳ እዩ።   ንተኽሊ ወይነይ ኣብሪስዋ፡ ንኦም በለሰይ ከኣ ናብ ጕርማጽ ቀይርዋ፣ጠሪሱ ጥራየን ገይርወንን ደርብይወንን፣ንውልዶታተን ድማ ኣጻዕድይዎ።   ከምቲ ድንግል* ማቕ ተኸዲናንመርዓዊ* ንእስነታ ዋይዋይ እትብለሉ ጌርኪ ዋይዋይ በሊ።   መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን+ ካብ ቤት የሆዋ ኣቋሪጹ ኣሎ፣ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ይሓዝኑ ኣለዉ። 10  እኽሊ በሪሱ፡ ጕዕሽ ወይኒ ነጺፉ፡ ዘይቲ እውን የልቦን እሞ፡+ግራት ባዲሙ ኣሎ፡ ምድሪ ኸኣ ትሓዝን ኣላ።+ 11  እቶት ግራት ጠፊኡ እዩ እሞ፡ብሰንኪ ስእነት ስርናይን ስገምንሓረስቶት ተዳሂሎም፡ ሓለውቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ዋይዋይ ይብሉ ኣለዉ። 12  ተኽሊ ወይኑ ነቒጹ፡ኦም በለስ ጸምልዩ ኣሎ። ሮማንን ስየን ቱፋሕንኵሉ ኣእዋም መሮርን ነቒጹ ኣሎ፣+ኣብ መንጎ ሰባትሲ ሓጐስ ናብ ሕፍረት ተቐዪሩ። 13  ኣቱም ካህናት፡ ማቕ ተዓጢቕኩም ብኸዩ፣*ኣቱም ኣገልገልቲ መሰውኢ፡ ዋይዋይ በሉ።+ መስዋእቲ እኽልን+ መስዋእቲ መስተን+ ካብ ቤት ኣምላኽኩም ተኸልኪሉ እዩ እሞ፡ኣቱም ኣገልገልቲ ኣምላኸይ፡ ንዑ፡ ማቕ ተኸዲንኩም ሕደሩ። 14  ጾም ኣውጁ፣* ፍሉይ ኣኼባ ጸውዑ።+ ንዓበይቲ ምስ ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪናብ ቤት የሆዋ ኣምላኽኩም ኣኪብኩም፡+ ናብ የሆዋ ኣእውዩ። 15  መዓልቲ የሆዋ ቐሪባ ኣላ፡+ከም ጥፍኣት ኰይና ድማ ካብቲ ዅሉ ዚኽእል ክትመጽእ እያ እሞ፡ኣየ እታ መዓልቲ እቲኣ! 16  ምግቢ ኻብ ቅድሚ ኣዒንትና፡ታሕጓስን ደስታን ካብ ቤት ኣምላኽናዶ ኣይተወስደን፧ 17  ዘርኢ* ኣብ ትሕቲ መጽሓሪታት ቀምሪሩ። ማዕከናት ባዲሙ። እኽሊ ሃጒጉ እዩ እሞ፡ ቆፋፉ ፈሪሱ። 18  ማል እኳ ዓዕ ይብላ ኣለዋ! መጓሰ ኸብቲ መጓሰዪ ስለ ዝሰኣና፡ ኰለል ይብላ ኣለዋ! መጓሰ ኣባጊዕ ድማ መቕጻዕቲ ተሰኪመን ኣለዋ። 19  ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ሓዊ በሊዕዎ፡ንዅሉ ኣእዋም መሮር ከኣ ሃልሃልታ ሞዅ ኣቢልዎ እዩ እሞ፡ኦ የሆዋ፡ ናባኻ አእዊ ኣለኹ።+ 20  ወሓይዝ ማይ ነጺፉ፡ነቲ ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪታት ከኣ ሓዊ በሊዕዎ እዩ እሞ፡እንስሳታት መሮር እኳ ንዓኻ ይናፍቓ ኣለዋ።”

እግረ ጽሑፍ

ትርጉሙ፡ “የሆዋ ኣምላኽ እዩ።”
ወይ፡ “ኵሉኹም ነበርቲ ምድሪ።”
ወይ፡ “ጓል።”
ወይ፡ “ንሰብኣይ።”
ወይ፡ “ደረትኩም ውቕዑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
ወይ፡ “ዝነቐጸ በለስ” ኪኸውን ይኽእል።