ዮኤል 2:1-32
2 “መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ፡+ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፡ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ!+
ኣብ ቅዱስ ከረነይ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ።
ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ይበሉ።
2 ንሳስ መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡+መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን፡+ከምቲ ኣብ ኣኽራን ዚዝርጋሕ ብርሃን ወጋሕታ እያ።
ብዙሕን ሓያልን ህዝቢ ኣሎ፣+ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን፣ድሕሪኡ እውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይኪኸውንን እዩ።
3 ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ኣብ ድሕሪኡ እውን ሃልሃልታ ሞዅ የብል።+
ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ምድሪ ኸም ገነት* ኤደን እያ፣+ኣብ ድሕሪኡ ዘላ ግና ዝባደመት በረኻ እያ፣ካብኡ ዜምልጥ እውን የልቦን።
4 ትርኢቱ ኸም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ከም ኣፍራስ ውግእ ድማ ይጐይዩ።+
5 ደሃዩ ኸምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ናይ ዚዘልሉ ሰረገላታት፡+ከምቲ ዚባራዕ ሓዊ ንሓሰር ኪበልዖ ኸሎ ጣዕጣዕ ዚብል እዩ።
ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ እዩ።+
6 ብሰንኮም ህዝብታት ይጭነቑ።
ኵሉ ገጽ በርበረ ይመስል።
7 ከም ጀጋኑ ይጠንኑ፣ከም ተዋጋእቲ ናብ መካበብያ ይሓዅሩ፣ነፍሲ ወከፍ ብመገዱ ይኸይድ፣ካብ መገዶም ከኣ ኣይእለዩን።
8 ንሓድሕዶም ኣይዳፍኡን፣ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመገዱ ይግስግስ።
ንገሊኦም ኣጽዋር* እንተ ኣውዲቕዎም፡እቶም ዝተረፉ ኣይበታተኑን።
9 ናብ ከተማ ይህንደዱ፡ ኣብ መከበብያ ይጐይዩ።
ናብ ኣባይቲ ይሓዅሩ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ።
10 ኣብ ቅድሚኦም እታ ምድሪ ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት ከኣ የንቀጥቅጥ።
ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፣+ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ይስእኑ።
11 ሰፈሩ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ ኼስምዕ እዩ።+
እቲ ንቓሉ ዚፍጽምሲ ሓያል እዩ፣ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ።+
መን ኪጻወራ ይኽእል፧”+
12 “ግናኸ፡ ሕጂ እውን” ይብል የሆዋ፡ “ብዅሉ ልብኹም፡ብጾምን+ ብብኽያትን ብዋይዋይታን ናባይ ተመለሱ።+
13 ንሱ ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ፡+ነቲ መዓት እውን ዳግም ኪሓስበሉ* እዩ እሞ፡ክዳውንትኹም ዘይኰነስ፡+ ልብኹም ቅደዱ፡+ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ተመለሱ።
14 ተመሊሱ ዳግም እንተ ሓሰበ፡*+ብድሕሪኡ ድማ በረኸት፡ንየሆዋ ኣምላኽኩም ዚኸውን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን እንተ ሓደገ መን ይፈልጥ፧
15 ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ!
ጾም ኣውጁ፣* ፍሉይ ኣኼባ ጸውዑ።+
16 ህዝቢ ኣክቡ፣ ጉባኤ ቐድሱ።+
ኣረገውቲ* ኣክቡ፣ ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣክቡ።+
መርዓዊ ኻብ ውሽጣዊት ክፍሊ ይውጻእ፣ መርዓት ድማ ካብ ቤት ሕጽኖታ።
17 ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን+ ይብከዩ፡ ከምዚ እውን ይበሉ፦
‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ደንግጸሉ፣ኣህዛብ ኪገዝእዎም ብምሕዳግ፡ንርስትኻ መስተናዓቒ ኣይትግበሮ።
ስለምንታይከ ህዝብታት፡ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፧” ዚብሉ፧’+
18 ሽዑ፡ የሆዋ ምእንቲ ምድሩ ብቕንኣት ኪለዓዓል፡ንህዝቡ ኸኣ ኪርሕርሓሉ እዩ።+
19 የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ኢሉ ኺምልሰሉ እዩ፦
‘እንሆ፡ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን እሰድደልኩም ኣለኹ፣ንስኻትኩም እውን ኣጸቢቕኩም ክትጸግቡ ኢኹም።+
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም መጻረፊ ኣይክገብረኩምን እየ።+
20 ነቲ ሰሜነታይ ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፣ግምባሩ* ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡*ደጀኑ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ* ገይረ፡ናብ ንቑጽን ባድምን ምድሪ ኽብትኖ እየ።
ንሱ ዓብዪ ነገራት ኪገብር እዩ እሞ፡ብድብዱ ኻብኡ ኺዓርግ፡ሕማቕ ጨናኡ ኸኣ ካብኡ ኺዓርግ እዩ።’+
21 ኣቲ ምድሪ፡ ኣይትፍርሂ።
የሆዋ ዓብዪ ነገራት ኪገብረልኪ እዩ እሞ፡ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ።
22 ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ኺልምልም፡+ኣእዋም ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ እሞ፡+ኣቱም እንስሳታት መሮር፡ ኣይትፍርሁ፣ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ምሉእ ምህርቱ ኺህብ እዩ።+
23 ንሱ ዝናም ኣዝመራ ብልክዕ ኪህበኩም፡ከም ቀደሙ ድማ ዝናም፡እወ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ኪሰድደልኩም እዩ እሞ፡+ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።+
24 ኣዕውዲ ኸኣ ጽሩይ እኽሊ ኺመልእ፡መጽመቚታት እውን ብጕዕሽ ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።+
25 ኣነ ድማ ነተን እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝዀነዕስለ ኣንበጣን ኩብኩብታንበላዒ ኣንበጣን ወሓጢ ኣንበጣን ዝበልዑለን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ።+
26 ክሳዕ እትጸግቡ ብርግጽ ክትበልዑ፡+ንስም እቲ ተኣምራት ዝገበረልኩምየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ክትውድሱ ኢኹም፣+ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ።+
27 ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘለኹ፡+ኣነ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፡+ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም!
ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ።
28 ድሕርዚ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣+ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ኣረገውትኹም ሕልምታት ኪሓልሙ፡ኣጕባዝኩም እውን ራእያት ኪርእዩ እዮም።+
29 በተን መዓልትታት እቲአን ድማ መንፈሰይኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ።
30 ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፡*ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን ክህብ እየ።+
31 እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡+ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም።+
32 ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ፣+ከመይሲ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን እቶም ዘምለጡ፡+እቶም የሆዋ ዚጽውዖም ተረፍ ኪህልዉ እዮም።”
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኵሎም ነበርቲ ምድሪ።”
^ ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
^ ወይ፡ “ተወርዋሪ።”
^ ወይ፡ “ጸጋውን።”
^ ወይ፡ “ኪጥዓሰሉ።”
^ ወይ፡ “እንተ ተጣዕሰሉ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
^ ወይ፡ “ዓበይቲ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ገጹ።”
^ ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
^ ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
^ ወይ፡ “ትእምርትታት።”