ዮኤል 2:1-32

  • መዓልቲ የሆዋን እቲ ዓብዪ ሰራዊቱን (1-11)

  • ናብ የሆዋ ኺምለሱ ዝቐረበ ጻውዒት (12-17)

    • “ልብኹም ቅደዱ” (13)

  • የሆዋ ንህዝቡ ዝሃቦም ምላሽ (18-32)

    • ‘መንፈሰይ ከፍስስ እየ’ (28)

    • ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ተኣምራት (30)

    • ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ (32)

2  “መዓልቲ የሆዋ ትመጽእ ኣላ፡+ ቀሪባ ኸኣ እያ እሞ፡ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ!+ ኣብ ቅዱስ ከረነይ ጭድርታ ውግእ ጨድሩ። ኵሎም ነበርቲ እታ ምድሪ* ራዕራዕ ይበሉ።   ንሳስ መዓልቲ ጸልማትን ድነን፡+መዓልቲ ደበናታትን ብርቱዕ ድነን፡+ከምቲ ኣብ ኣኽራን ዚዝርጋሕ ብርሃን ወጋሕታ እያ። ብዙሕን ሓያልን ህዝቢ ኣሎ፣+ቅድሚኡ ኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን፣ድሕሪኡ እውን ክሳዕ ዓመታት ውሉድ ወለዶኸምኡ ዝበለ ኸቶ ኣይኪኸውንን እዩ።   ኣብ ቅድሚኡ ሓዊ ይበልዕ፡ኣብ ድሕሪኡ እውን ሃልሃልታ ሞዅ የብል።+ ኣብ ቅድሚኡ ዘላ ምድሪ ኸም ገነት* ኤደን እያ፣+ኣብ ድሕሪኡ ዘላ ግና ዝባደመት በረኻ እያ፣ካብኡ ዜምልጥ እውን የልቦን።   ትርኢቱ ኸም ትርኢት ኣፍራስ እዩ፣ከም ኣፍራስ ውግእ ድማ ይጐይዩ።+   ደሃዩ ኸምቲ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ናይ ዚዘልሉ ሰረገላታት፡+ከምቲ ዚባራዕ ሓዊ ንሓሰር ኪበልዖ ኸሎ ጣዕጣዕ ዚብል እዩ። ከምቲ ንውግእ እተሰለፈ ሓያል ህዝቢ እዩ።+   ብሰንኮም ህዝብታት ይጭነቑ። ኵሉ ገጽ በርበረ ይመስል።   ከም ጀጋኑ ይጠንኑ፣ከም ተዋጋእቲ ናብ መካበብያ ይሓዅሩ፣ነፍሲ ወከፍ ብመገዱ ይኸይድ፣ካብ መገዶም ከኣ ኣይእለዩን።   ንሓድሕዶም ኣይዳፍኡን፣ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመገዱ ይግስግስ። ንገሊኦም ኣጽዋር* እንተ ኣውዲቕዎም፡እቶም ዝተረፉ ኣይበታተኑን።   ናብ ከተማ ይህንደዱ፡ ኣብ መከበብያ ይጐይዩ። ናብ ኣባይቲ ይሓዅሩ፡ ከም ሰራቒ ብመሳዅቲ ይኣትዉ። 10  ኣብ ቅድሚኦም እታ ምድሪ ራዕራዕ ትብል፡ ሰማያት ከኣ የንቀጥቅጥ። ጸሓይን ወርሕን ይጽልምታ፣+ከዋኽብቲ ድማ ድምቀቶም ይስእኑ። 11  ሰፈሩ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ እሞ፡+ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ሰራዊቱ ድምጹ ኼስምዕ እዩ።+ እቲ ንቓሉ ዚፍጽምሲ ሓያል እዩ፣ከመይሲ፡ መዓልቲ የሆዋ ዓባይን ኣዝያ እተፍርህን እያ።+ መን ኪጻወራ ይኽእል፧”+ 12  “ግናኸ፡ ሕጂ እውን” ይብል የሆዋ፡ “ብዅሉ ልብኹም፡ብጾምን+ ብብኽያትን ብዋይዋይታን ናባይ ተመለሱ።+ 13  ንሱ ርሕሩሕን* መሓርን ንቝጥዓ ደንጓይን+ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን እዩ፡+ነቲ መዓት እውን ዳግም ኪሓስበሉ* እዩ እሞ፡ክዳውንትኹም ዘይኰነስ፡+ ልብኹም ቅደዱ፡+ናብ የሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ተመለሱ። 14  ተመሊሱ ዳግም እንተ ሓሰበ፡*+ብድሕሪኡ ድማ በረኸት፡ንየሆዋ ኣምላኽኩም ዚኸውን መስዋእቲ እኽልን መስዋእቲ መስተን እንተ ሓደገ መን ይፈልጥ፧ 15  ኣብ ጽዮን መለኸት ንፍሑ! ጾም ኣውጁ፣* ፍሉይ ኣኼባ ጸውዑ።+ 16  ህዝቢ ኣክቡ፣ ጉባኤ ቐድሱ።+ ኣረገውቲ* ኣክቡ፣ ቈልዑን ዚጠብዉ ሕጻናትን ኣክቡ።+ መርዓዊ ኻብ ውሽጣዊት ክፍሊ ይውጻእ፣ መርዓት ድማ ካብ ቤት ሕጽኖታ። 17  ካህናት፡ እቶም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ኣብ መንጎ እቲ ገበላን እቲ መሰውእን+ ይብከዩ፡ ከምዚ እውን ይበሉ፦ ‘ኦ የሆዋ፡ ንህዝብኻ ደንግጸሉ፣ኣህዛብ ኪገዝእዎም ብምሕዳግ፡ንርስትኻ መስተናዓቒ ኣይትግበሮ። ስለምንታይከ ህዝብታት፡ “ኣምላኾም ኣበይ ኣሎ፧” ዚብሉ፧’+ 18  ሽዑ፡ የሆዋ ምእንቲ ምድሩ ብቕንኣት ኪለዓዓል፡ንህዝቡ ኸኣ ኪርሕርሓሉ እዩ።+ 19  የሆዋ ንህዝቡ ኸምዚ ኢሉ ኺምልሰሉ እዩ፦ ‘እንሆ፡ እኽልን ጕዕሽ ወይንን ዘይትን እሰድደልኩም ኣለኹ፣ንስኻትኩም እውን ኣጸቢቕኩም ክትጸግቡ ኢኹም።+ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ደጊም መጻረፊ ኣይክገብረኩምን እየ።+ 20  ነቲ ሰሜነታይ ካባኻትኩም ከርሕቖ እየ፣ግምባሩ* ናብ ምብራቓዊ ባሕሪ፡*ደጀኑ ናብ ምዕራባዊ ባሕሪ* ገይረ፡ናብ ንቑጽን ባድምን ምድሪ ኽብትኖ እየ። ንሱ ዓብዪ ነገራት ኪገብር እዩ እሞ፡ብድብዱ ኻብኡ ኺዓርግ፡ሕማቕ ጨናኡ ኸኣ ካብኡ ኺዓርግ እዩ።’+ 21  ኣቲ ምድሪ፡ ኣይትፍርሂ። የሆዋ ዓብዪ ነገራት ኪገብረልኪ እዩ እሞ፡ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ። 22  ኣብ በረኻ ዘሎ መጓሰዪ ኺልምልም፡+ኣእዋም ድማ ፍረ ኺፈሪ እዩ እሞ፡+ኣቱም እንስሳታት መሮር፡ ኣይትፍርሁ፣ኦም በለስን ተኽሊ ወይንን ከኣ ምሉእ ምህርቱ ኺህብ እዩ።+ 23  ንሱ ዝናም ኣዝመራ ብልክዕ ኪህበኩም፡ከም ቀደሙ ድማ ዝናም፡እወ፡ ዝናም ኣዝመራን ዝናም ጽብሓትን ኪሰድደልኩም እዩ እሞ፡+ኣቱም ደቂ ጽዮን፡ ብየሆዋ ኣምላኽኩም ተሓጐሱ፡ ባህ እውን ይበልኩም።+ 24  ኣዕውዲ ኸኣ ጽሩይ እኽሊ ኺመልእ፡መጽመቚታት እውን ብጕዕሽ ወይንን ዘይትን ኪጅርብብ እዩ።+ 25  ኣነ ድማ ነተን እቲ ኣብ መንጎኹም ዝሰደድክዎ ዓብዪ ሰራዊተይ ዝዀነዕስለ ኣንበጣን ኩብኩብታንበላዒ ኣንበጣን ወሓጢ ኣንበጣን ዝበልዑለን ዓመታት ክኽሕሰኩም እየ።+ 26  ክሳዕ እትጸግቡ ብርግጽ ክትበልዑ፡+ንስም እቲ ተኣምራት ዝገበረልኩምየሆዋ ኣምላኽኩም ከኣ ክትውድሱ ኢኹም፣+ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ።+ 27  ኣነ ኣብ ማእከል እስራኤል ከም ዘለኹ፡+ኣነ ኸኣ የሆዋ ኣምላኽኩም ከም ዝዀንኩ፡+ ካልእ እውን ከም ዘየልቦ ኽትፈልጡ ኢኹም! ህዝበይ ድማ ደጊም ከቶ ኣይኪሓፍርን እዩ። 28  ድሕርዚ፡ መንፈሰይ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዓይነት ስጋ ኸፍስስ እየ፣+ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፡ኣረገውትኹም ሕልምታት ኪሓልሙ፡ኣጕባዝኩም እውን ራእያት ኪርእዩ እዮም።+ 29  በተን መዓልትታት እቲአን ድማ መንፈሰይኣብ ተባዕትዮ ባሮተይን ኣንስትዮ ባሮተይን እውን ከፍስስ እየ። 30  ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፡*ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን ክህብ እየ።+ 31  እታ ዓባይን እተፍርህን መዓልቲ የሆዋ ቕድሚ ምምጻኣ፡+ጸሓይ ናብ ጸልማት ክትልወጥ እያ፡ ወርሒ ኸኣ ናብ ደም።+ 32  ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ድማ ኪድሕን እዩ፣+ከመይሲ፡ ከምቲ የሆዋ ዝበሎ፡ ኣብ ከረን ጽዮንን ኣብ የሩሳሌምን እቶም ዘምለጡ፡+እቶም የሆዋ ዚጽውዖም ተረፍ ኪህልዉ እዮም።”

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ኵሎም ነበርቲ ምድሪ።”
ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ወይ፡ “ተወርዋሪ።”
ወይ፡ “ጸጋውን።”
ወይ፡ “ኪጥዓሰሉ።”
ወይ፡ “እንተ ተጣዕሰሉ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀድሱ።”
ወይ፡ “ዓበይቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ገጹ።”
ማለት፡ ምዉት ባሕሪ።
ማለት፡ ባሕሪ መዲተራነያን።
ወይ፡ “ትእምርትታት።”