ዳንኤል 12:1-13
12 “በቲ ግዜ እቲ፡ ሚካኤል፡*+ እቲ ምእንቲ ህዝብኻ* ዚቐውም ዓብዪ መስፍን+ ኪቐውም* እዩ። ህዝቢ ኻብ ዝሃለወሉ ግዜ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ ግዜ እቲ ዘይኰነ ግዜ ጭንቂ ኪኸውን እዩ። በቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ህዝብኻ፡ ኵሉ እቲ ኣብታ መጽሓፍ ተጻሒፉ እተረኽበ ዘበለ፡+ ኬምልጥ እዩ።+
2 ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሓመድ ምድሪ ዝደቀሱ፡ ገሊኦም ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ ገሊኦም እውን ናብ ጸርፍን ናብ ናይ ዘለኣለም ንዕቀትን ኪበራበሩ እዮም።
3 “እቶም ልቦና ዘለዎም ድማ ከም ጠፈር ሰማይ፡ እቶም ንብዙሓት ናብ ጽድቂ ዜምጽኡ ኸኣ ከም ከዋኽብቲ ንዘለኣለመ ኣለም ደሚቖም ኪበርሁ እዮም።
4 “ንስኻ ድማ ኣታ ዳንኤል፡ ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ነዚ ቓላት እዚ ምስጢር ጌርካ ሓዞ፣ ነታ መጽሓፍ እውን ሕተማ።+ ብዙሓት ኪዞሩ እዮም፣* ናይ ሓቂ ፍልጠት ከኣ ኪበዝሕ እዩ።”+
5 ሽዑ፡ ኣነ ዳንኤል ጠመትኩ፡ ክልተ ኻልኦት ድማ እቲ ሓደ በዚ ገምገም ውሒዝ፡ እቲ ሓደ በቲ ገምገም ውሒዝ ደው ኢሎም ረኣኹ።+
6 ሽዑ፡ ሓደ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ፡+ “ክሳዕ መወዳእታ እዚ መስተንክር ነገራት እዝስ ክንደይ ዚኣክል ኪኸውን እዩ፧” በሎ።
7 እቲ ኣብ ልዕሊ ማያት እቲ ውሒዝ ዝነበረ በፍታ እተኸድነ ሰብኣይ ከኣ፡ የማነይቲ ኢዱን ጸጋመይቲ ኢዱን ናብ ሰማያት ኣልዒሉ በቲ ንዘለኣለም ህያው ዝዀነ እናመሓለ፡+ “ንምዱብ ግዜን ምዱብ ግዜያትን ፍርቂ ግዜን* እዩ። ሓይሊ እቲ ቕዱስ ህዝቢ ተሓምሺሹ ምስ ተወድአ፡+ ኵሉ እዚ ነገር እዚ ኺፍጸም እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።
8 ኣነ ድማ ሰማዕኩ፣ ክርዳእ ግና ኣይከኣልኩን።+ ስለዚ፡ “ኦ ጐይታይ፡ መወዳእታ እዚ ነገር እዚ እንታይ እዩ፧” በልክዎ።
9 ንሱ ኸኣ ከምዚ በለኒ፦ “ዳንኤል፡ እዚ ቓላት ክሳዕ ግዜ መወዳእታ ምስጢር ጌርካ ኺትሓዝን ኪሕተምን ስለ ዝዀነ፡ ኪድ ደኣ።+
10 ብዙሓት ኪጸርዩን ኪጽዕድዉን ኪዅልዑን እዮም።+ እኩያት ከኣ እከይ ኪገብሩ እዮም፣ ካብቶም እኩያትሲ ሓደ እኳ ኣይኪርዳእን እዩ፣ እቶም ልቦና ዘለዎም ግና ኪርድኡ እዮም።+
11 “ካብቲ እቲ ወትሩ ዚቐርብ*+ እተወገደሉን እቲ ዜጥፍእ ጽያፍ ዝቘመሉን+ ድማ፡ 1,290 መዓልቲ ኪኸውን እዩ።
12 “እቲ ዚጽበን* ኣብተን 1,335 መዓልቲ ዚበጽሕን ሕጉስ እዩ!
13 “ንስኻ ግና ናብ መወዳእታ ኺድ። ክትዓርፍ ኢኻ፣ ኣብ መወዳእታ መዓልትታት ግና ንዕጫኻ* ኽትትንስእ ኢኻ።”+
እግረ ጽሑፍ
^ ትርጉሙ፡ “መን ከም ኣምላኽ፧”
^ ቃ.ቃ.፡ “ደቂ ህዝብኻ።”
^ ወይ፡ “ኪልዓል።”
^ ወይ፡ “[ነታ መጽሓፍ] ኣጸቢቖም ኪምርምርዋ እዮም።”
^ ማለት፡ ሰለስተ ግዜን ፈረቓን።
^ ወይ፡ “ብቐጻሊ ዚቐርብ መስዋእቲ።”
^ ወይ፡ “ብሃንቀውታ ዚጽበን።”
^ ወይ፡ “ናብ ግደኻ።”