ዳንኤል 3:1-30

  • ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ (1-7)

    • ነቲ ምስሊ ኺሰግዱሉ ኣዘዘ (4-6)

  • ሰለስተ እብራውያን ብዘይምእዛዞም ተኸስሱ (8-18)

    • ‘ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ፍለጥ’ (18)

  • ናብ እቶን ሓዊ ተደርበዩ (19-23)

  • ካብቲ ሓዊ ብተኣምር ደሓኑ (24-27)

  • ንጉስ ንኣምላኽ እቶም እብራውያን ወደሰ (28-30)

3  ንጉስ ነቡካድነጻር ድማ 60 እመት* ዝቝመቱ፡ 6 እመት* ድማ ዝግፍሑ ምስሊ ወርቂ ገበረ። ኣብ ጐልጐል ዱራ ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ከኣ ኣቘሞ።  ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ንራእስታትን ንምስለኔታትን ንሹማምንትን ንኣማኸርትን ንተሓዝቲ መዝገብን ንደያኑን ንፈራዶን ንዅሎም ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን፡ ንመመረቕታ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ምእንቲ ኺመጹ፡ ኪእከቡ ለኣኸሎም።  ስለዚ፡ እቶም ራእስታትን ምስለኔታትን ሹማምንትን ኣማኸርትን ተሓዝቲ መዝገብን ደያኑን ፈራዶን ኵሎም ኣመሓደርቲ ኣውራጃታትን ንመመረቕታ እቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ተኣከቡ። ኣብ ቅድሚ እቲ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ድማ ደው በሉ።  እቲ ነጋሪ ኣዋጅ ከኣ ከምዚ ኢሉ ብዓውታ ኣወጀ፦ “ኣቱም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን፡  ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ፍግም ኢልኩም ክትሰግዱሉ ተኣዚዝኩም ኣለኹም።  ፍግም ኢሉ ዘይሰገደ ኸኣ ብኡብኡ ናብ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርበ እዩ።”+  ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝብታት ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰምዑ፡ ኵሎም ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ነቲ ንጉስ ነቡካድነጻር ዘቘሞ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሎም ሰገዱሉ።  በቲ ግዜ እቲ፡ ገሊኦም ከለዳውያን ቀሪቦም ነቶም ኣይሁድ ከሰስዎም።*  ንሳቶም ከኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር፡ “ኦ ንጉስ፡ ንዘለኣለም ህያው ኩን። 10  ኦ ንጉስ፡ ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ዚሰምዕ ዘበለ ሰብ፡ ነቲ ምስሊ ወርቂ ፍግም ኢሉ ኺሰግደሉ፡ ንስኻ ትእዛዝ ሂብካ ኢኻ፣ 11  ፍግም ኢሉ ዘይሰግድ ድማ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርበ ኣዚዝካ ኢኻ።+ 12  ግናኸ፡ ንኣውራጃ ባቢሎን ኬመሓድሩ ዝሸምካዮም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ዚብሃሉ ገለ ኣይሁድ ኣለዉ።+ ኦ ንጉስ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ንዓኻ ግዲ የብሎምን። ንኣማልኽትኻ ኣየገልግልዎምን እዮም፣ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ እውን ምስጋድ ኣብዮም እዮም” በልዎ። 13  ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ኣዝዩ ነዲሩ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኬምጽእዎም ኣዘዘ። ስለዚ፡ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ቅድሚ ንጉስ ኣምጽእዎም። 14  ነቡካድነጻር ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ ንኣማልኽተይ ዘይተገልግሉ ምዃንኩምን+ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ምእባይኩምንሲ ሓቂ ድዩ፧ 15  ሕጂ ድማ ነቲ ደሃይ መለኸትን እምብልታን ክራርን መሰንቆን በገናን ሻምብቆን* ኵሉ ኻልእ ናውቲ ሙዚቃን ምስ ሰማዕኩም፡ ነቲ ዘቘምክዎ ምስሊ ፍግም ኢልኩም ክትሰግዱ እንተ ተዳሊኹም፡ ጽቡቕ። ምስጋድ እንተ ኣቢኹም ግና፡ ብኡብኡ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኽትድርበዩ ኢኹም። ካብ ኣእዳወይ ኬናግፈኩም ዚኽእል ኣምላኽከ መን እዩ፧”+ 16  ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ ንንጉስ ከምዚ ኢሎም መለሱሉ፦ “ኦ ነቡካድነጻር፡ በዚ ነገር እዚ ምላሽ ክንህበካ ኣየድልየናን እዩ። 17  ኦ ንጉስ፡ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እቲ እነገልግሎ ኣምላኽና ኻብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኼናግፈና፡ ካብ ኢድካ እውን ኬናግፈና ይኽእል እዩ።+ 18  ኦ ንጉስ፡ ዋላ እኳ ኸምኡ እንተ ዘይገይሩ ግና፡ ንኣማልኽትኻ ኸም ዘይነገልግሎም ወይ ነቲ ዘቘምካዮ ምስሊ ወርቂ ኸም ዘይንሰግደሉ ኣባኻ ይፈለጥ።”+ 19  ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ብሲድራቅን ብሚሳቅን ብዓብድ-ኔጎን ኣመና ነደረ፣ ትርኢት ገጹ እውን ለወጠሎም፣* ነቲ እቶን ድማ ካብቲ ልሙድ ሸውዓተ ዕጽፊ ዝረሰነ ገይሮም ኬጕህርዎ ኣዘዞም። 20  ካብቶም ሰራዊቱ ንገሊኦም ሓያላት ሰባት ከኣ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኪኣስርዎምን ኣብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ኺድርብይዎምን ኣዘዞም። 21  ስለዚ፡ እዞም ሰባት እዚኦም ባርኖሳቶምን ቀመውሾምን ቆብዓቶምን ኵሉ ኻልእ ክዳውንቶምን ተኸዲኖም ከለዉ ተኣስሩ፣ ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ድማ ተደርበዩ። 22  እቲ ትእዛዝ ንጉስ እምብዛ ስለ ዝበርትዐ፡ እቲ እቶን እውን ኣዝዩ ስለ ዝረሰነ፡ እቶም ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ናብኡ ዘእተውዎም ሰባት በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ተቐትሉ። 23  እዞም ሰለስተ ሰባት እዚኦም፡ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ግና፡ ብእሱራቶም ናብቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ወደቑ። 24  ሽዑ፡ ንጉስ ነቡካድነጻር ፈርሀ፣ ቀልጢፉ ተንሲኡ እውን ንላዕለዎት ሰበ ስልጣኑ፡ “እቶም ኣሲርና ናብቲ ሓዊ ዝደርበናዮምሲ ሰለስተ ሰባት ደይነበሩን፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉስ፡ “እወ፡ ኦ ንጉስ” ኢሎም መለሱሉ። 25  ንሱ ድማ፡ “እንሆ፡ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ከይተጐድኡ ኣብ ማእከል እቲ ሓዊ ኺመላለሱ እርኢ ኣለኹ፣ እቲ ራብዓዮም ከኣ ወዲ ኣማልኽቲ ይመስል” በሎም። 26  ነቡካድነጻር ድማ ናብ ኣፍ ደገ እቲ ዚነድድ እቶን ሓዊ ቐሪቡ፡ “ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን፡ ኣቱም ገላዉ እቲ ልዑል ኣምላኽ፡+ ውጹ፡ ናብዚ ንዑ!” በሎም። ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ከኣ ካብ ማእከል እቲ ሓዊ ወጹ። 27  እቶም ኣብኡ ተኣኪቦም ዝነበሩ ራእስታትን ምስለኔታትን ሹማምንትን ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንጉስን ድማ፡+ እቲ ሓዊ ኣብ ሰብነት እዞም ሰባት እዚኦም ጽልዋ* ኸም ዘይነበሮ ረኣዩ፣+ ጸጕሪ ርእሶም እኳ ኣይቃረየን፣ ባርኖሳቶም እውን ኣይተለወጠን፣ አረ ጨና ሓዊ እውን ኣይነበሮምን። 28  ሽዑ፡ ነቡካድነጻር ከምዚ በለ፦ “እቲ መልኣኹ ልኢኹ ንገላዉኡ ዘናገፎም ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ይወደስ።+ ንሳቶም ብእኡ ተኣሚኖም ትእዛዝ ንጉስ ጥሒሶም፣ ብዘይካ ንኣምላኾም፡ ንዝዀነ ኣምላኽ ካብ ምግልጋል ወይ ካብ ምስጋድሲ፡ ኪሞቱ* ፍቓደኛታት ነይሮም።+ 29  ከምዚ ገይሩ ኼናግፍ ዚኽእል ካልእ ኣምላኽ የልቦን እሞ፡ ስለዚ፡ ካብ ዝዀነ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ኣንጻር ኣምላኽ ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ገለ ዚብል፡ ንሱ ኺቈራረጽ፡ ቤቱ እውን ህዝባዊ ዓይኒ ምድሪ* ክትከውን፡ ኣነ ትእዛዝ አውጽእ ኣለኹ።”+ 30  ድሕርዚ፡ ንጉስ ንሲድራቅን ንሚሳቅን ንዓብድ-ኔጎን ኣብ ኣውራጃ ባቢሎን ክብ ኣበሎም።*+

እግረ ጽሑፍ

ኣስታት 27 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ኣስታት 2.7 ሜ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ከረጺት ዘለዎ ሻምብቆን።”
ወይ፡ “ሓመይዎም።”
ወይ፡ “ከረጺት ዘለዎ ሻምብቆን።”
ወይ፡ “ከረጺት ዘለዎ ሻምብቆን።”
ወይ፡ “ንዓታቶም ዝነበሮ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ተቐየረ።”
ወይ፡ “ሓይሊ።”
ወይ፡ “ስጋኦም ኪውፍዩ።”
ወይ፡ “መደርበይ ጐሓፍ፣ ኵምራ ዒባ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ከም ዚሰልጦም ገበረ።”