ድጕዓ 2:1-22

  • የሆዋ ኣብ ልዕሊ የሩሳሌም እተቘጥዖ ቝጥዓ

    • ኣይራሕርሓላን (2)

    • የሆዋ ኸም ጸላኢኣ ዀነ (5)

    • ንጽዮን ተነብዓላ (11-13)

    • ሓለፍቲ መገዲ ነታ ጽብቕቲ ዝነበረት ከተማ የላግጹላ (15)

    • ጸላእቲ ብውድቀት ጽዮን ይሕጐሱ (17)

א [ኣሌፍ] 2  የሆዋስ ንጓል ጽዮን ከመይ ኰን እዩ ብደበና ቝጥዓኡ ዘጐልበባ! ንጽባቐ እስራኤል ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ።+ ብመዓልቲ ቝጥዓኡ ንድኳ እግሩ ኣይዘከረን።+ ב [ቤት]   የሆዋ ንዅሉ መንበሪታት ያእቆብ ብዘይ ርሕራሐ ውሒጥዎ። ብነድሩ ንዕርድታት ጓል ይሁዳ ኣፍሪስዎ።+ ነታ መንግስትን ንመሳፍንታን ናብ ምድሪ ኣውሪድዎምን ኣርኪስዎምን።+ ג [ጊሜል]   ብዚነድድ ቍጥዓ ንዅሉ ብርታዐ* እስራኤል ቈሪጹ። ጸላኢ ምስ ቀረበ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ስሒብዋ፣+ከምቲ ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ዅሉ ዚበልዕ ሓዊ ዀይኑ ኸኣ ኣብ ያእቆብ ነዲዱ።+ ד [ዳሌጥ]   ከም ጸላኢ ቐስቱ ገቲሩ፣* የማነይቲ ኢዱ ኸም ተጻራሪ ተዳልያ፣+ንዅሎም እቶም ንኣዒንቱ ተብሃግቲ ዘበሉ ቐቲልዎም።+ ንነድሩ ድማ ከም ሓዊ ናብ ልዕሊ ድንኳን ጓል ጽዮን ክዕይዎ።+ ה []   የሆዋ ኸም ጸላኢ ዀይኑ፣+ንእስራኤል ውሒጥዋ። ንዅሉ ግምብታታ ውሒጥዎ፣ንዅሉ ዕርድታታ ኣፍሪስዎ። ኣብ ጓል ይሁዳ ኸኣ ሓዘንን ልቕሶን ኣብዚሑ። ו [ዋው]   ንዳሱ ድማ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ኸም ዘላ ጎጆ ሃስይዋ።+ ንበዓሉ መወዳእታ ገይሩሉ።*+ የሆዋ ኣብ ጽዮን በዓልን ሰንበትን ኣረሲዑ፣ብብርቱዕ ቍጥዓኡ ኸኣ ንንጉስን ንኻህንን ኣየኽበረን።+ ז [ዛይን]   የሆዋ ንመሰውኢኡ ደርብይዎ፣ንመቕደሱ ንዒቕዎ።+ ንመካበብያ እቲ እተዓርደ ግምብታታ ኣብ ኢድ ጸላኢ ኣሕሊፍዎ።+ ከም ብመዓልቲ በዓል፡ ኣብ ቤት የሆዋ ድምጾም ዓው የብሉ ኣለዉ።+ ח [ሔት]   የሆዋ ንመካበብያ ጓል ጽዮን ኬፍርስ ወሲኑ።+ ገመድ መለክዒ ዘርጊሑ።+ ንኢዱ ኻብ ጥፍኣት* ኣይመለሳን። ዕርድን መካበብያን ድማ ኣሕዚኑ። ብሓደ እውን ደኺሞም። ט [ጤት]   ኣፍ ደገታታ ናብ ምድሪ ጥሒሉ።+ ንተገዳማታ ኣጥፊእዎን ሰይርዎን። ንጉሳን መሳፍንታን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣለዉ።+ ሕጊ* የልቦን፣ ነብያታ እኳ ኻብ የሆዋ ራእይ ኣይረኸቡን።+ י [ዮድ] 10  ዓበይቲ ጓል ጽዮን ስቕ ኢሎም ኣብ ምድሪ ይቕመጡ ኣለዉ።+ ሓመድ ናብ ርእሶም በቲኖምን ማቕ ተኸዲኖምን ኣለዉ።+ ደናግል የሩሳሌም ርእሰን ናብ ምድሪ ኣድኒነን ኣለዋ። כ [ካፍ] 11  ኣዒንተይ ብምፍሳስ ንብዓት ደኺመን።+ ውሽጠይ* ተሓቚኑ። ብሰሪ ውድቀት ጓል* ህዝበይ፡+ብሰሪ እቶም ኣብ ኣደባባያት ከተማ ውኖኦም ዜጥፍኡ ዘለዉ ቘልዑን ሕጻናትን፡ ጸላም ከብደይ ኣብ ምድሪ ፈሲሳ።+ ל [ላሜድ] 12  ንኣዴታቶም፡ “እኽልን ወይንን ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ይሓትቱ ኣለዉ፣+ከም ቍሱል ከኣ ኣብ ኣደባባያት ከተማ ውኖኦም የጥፍኡ ኣለዉ፣ኣብ ሕቝፊ ኣዴታቶም ከለዉ፡ ህይወቶም* ትቕህም ኣላ። מ [ሜም] 13  ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ እንታይ እሞ ኸም ምስክር ክጥቀም እየ፧ ምስ ምንታይከ ኸመሳስለኪ እየ፧ ኣቲ ድንግል ጓል ጽዮን፡ ከጸናንዓክስ ምስ ምንታይ ከመዓራርየኪ እየ፧ መስበርትኽስ ከም ባሕሪ ዓብዪ እዩ።+ መን ኬሕውየኪ ይኽእል፧+ נ [ኑን] 14  እቲ ነብያትኪ ዝረኣዩልኪ ራእያት፡ ሓሶትን ባዶን እዩ ነይሩ፣+ካብ ምርኮ ምእንቲ ኽትድሕንስ፡ ስሕተትኪ ኣየቃልዑን፣+የግዳስ፡ ናይ ሓሶትን ዜስሕትን ከቢድ መልእኽትታት ርእዮምልኪ።+ ס [ሳሜኽ] 15  ኵሎም ሓለፍቲ መገዲ ብንዕቀት ኣእዳዎም የጣቕዑልኪ ኣለዉ።+ “‘ፍጹም ዝጽባቐኣን ሓጐስ ኵሉ ምድርን እያ’ ዚብልዋ ኸተማ እዚኣ ድያ፧”+ እናበሉ ንጓል የሩሳሌም ብምግራም የፋጽዩላን+ ርእሶም ይንቕንቑላን ኣለዉ። פ [] 16  ኵሎም ጸላእትኺ ኣፎም ናባኺ ኸፊቶም ኣለዉ። “ውሒጥናያ።+ ነዛ መዓልቲ እዚኣ ኢና እንጽበያ ኔርና!+ መጺኣ፡ ርኢናያ ኸኣ!”+ እናበሉ የፋጽዩልክን ኣስናኖም ይሕርቅሙልክን ኣለዉ። ע [ዓይን] 17  የሆዋ ኸምቲ ዝሓለኖ ገይሩ፣+ ከምቲ ዝበሎ፡+ከምቲ ኻብ ቀደም ዝኣዘዞ ፈጺሙ።+ ብዘይ ርሕራሐ ኣፍሪሱ።+ ንጸላኢ ብኣኺ ኸም ዚሕጐስ ገይርዎ፣ ብርታዐ* ተጻረርትኺ ድማ ልዕል ኣቢሉ። צ [ጻዴ] 18  ኣቲ መካበብያ ጓል ጽዮን፡ ልቦም ናብ የሆዋ የእዊ ኣሎ። ንብዓት ከም ውሒዝ መዓልትን ለይትን ይውሓዝ። ንርእስኺ ዕረፍቲ ኣይትሃቢ፡ ዓይንኺ* እውን ኣይተዕርፊ። ק [ቆፍ] 19  ተንስኢ! ብለይቲ፡ ኣብ መጀመርታ ሓለዋታት ኣእውዪ። ኣብ ቅድሚ ገጽ የሆዋ ልብኺ ኸም ማይ ኣፍስሲ። ስለ ህይወት* እቶም ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ብጥሜት ውኖኦም ዜጥፍኡ ደቅኺ፡+ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ። ר [ሬሽ] 20  ኦ የሆዋ፡ ርአ፡ ነቲ ኣዚኻ ዝቐጻዕካዮ እውን ጠምቶ። ኣንስቲዶ ፍረ ኸርሰንን ጥዑያት ደቀንን ይበልዓ፧+ ካህናትን ነብያትንዶኸ ኣብ መቕደስ የሆዋ ይቕተሉ፧+ ש [ሺን] 21  ቈልዑን ኣረገውትን ሞይቶም ኣብ ምድሪ ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።+ ደናግለይን* ኣጕባዘይን ብሰይፊ ወዲቖም እዮም።+ ብመዓልቲ ቝጥዓኻ ቐቲልካ፡ ብዘይ ርሕራሐ ኸኣ ሓሪድካ ኢኻ።+ ת [ታው] 22  ከም ንመዓልቲ በዓል፡+ ካብ ኵሉ ኣንፈት ሽበራ ጸዊዕካ። ብመዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ፡ ሓደ እኳ ኣየምለጠን ወይ ኣይተረፈን፣+ነቶም ዝወለድክዎምን* ዘዕበኽዎምንሲ፡ ጸላእየይ ኣጽኒትዎም።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቐርኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ረጊጹ።”
ወይ፡ “ኣጥፊእዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ምውሓጥ።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣምዑተይ።”
ከም ሰብ ጌርካ ንምግላጽ ዜገልግል ብሂል ኰይኑ፡ ምናልባት ድንጋጸ ወይ ርሕራሐ ንምግላጽ ይዕየየሉ።
ወይ፡ “ነፍሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀርኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ጓል ዓይንኺ።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሲ ዅሉ ጐደናታት።”
ወይ፡ “ኣዋልደይን።”
ወይ፡ “ብጥዕናኦም ዝወለድክዎም።”