ድጕዓ 3:1-66

  • ኤርምያስ ስምዒቱን ተስፋኡን ይገልጽ

    • “ስለዚ እየ ዝጽበ” (21)

    • ምሕረት ኣምላኽ ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ (22, 23)

    • ኣምላኽ ነቶም ብእኡ ተስፋ ዚገብሩ ሰናይ እዩ (25)

    • መንእሰይ ኣርዑት ኪጸውር ሰናይ እዩ (27)

    • ኣምላኽ፡ ናብኡ ኸይንቐርብ ብደበና ተጋረደ (43, 44)

א [ኣሌፍ] 3  ኣነ ብሻቦጥ ነድሩ ጸበባ ዝረኣኹ ሰብኣይ እየ።  2  ንሱ ሰጒጉኒ፡ ብብርሃን ዘይኰነስ፡ ብጸልማት ኣኺዱኒ።+  3  ብሓቂ፡ ምሉእ መዓልቲ ብተደጋጋሚ ኢዱ ኣንጻረይ የምጽኣ ኣሎ።+ ב [ቤት]  4  ንስጋይን ንቘርበተይን ኣብልይዎ፣ንኣዕጽምተይ ሰይርዎ።  5  ከቢቡኒ፣ ብመሪር መርዝን+ ሽግርን ከቢቡኒ።  6  ቀደም ከም ዝሞቱ ሰባት፡ ኣብ ጸልማት ክቕመጥ ገዲዱኒ። ג [ጊሜል]  7  ከየምልጥሲ ብመንደቕ ዓጽዩኒ፣ብኸበድቲ መቓውሕ ነሓሲ ኣሲሩኒ።+  8  ኣምሪረ ምስ ኣእወኹ፡ ንጸሎተይ ነጺግዎ።*+  9  ንጐደናታተይ ብውቑር ኣእማን ዓጽይዎ፣ንመገድታተይ ጠዋውይዎ።+ ד [ዳሌጥ] 10  ከም ድቢ፡ ከም እተሓብአ ኣንበሳ የድብየለይ ኣሎ።+ 11  ካብ መገድታተይ ኣውጺኡንን ሰላሊዑንን* ኣሎ፣ኣብሪሱኒ ኣሎ።+ 12  ቀስቱ ገቲሩ፡* ዕላማ ፍላጻ ገይሩኒ ኣሎ። ה [] 13  ብፍላጻታት* ጕልድባኡ ዀላሊተይ ወጊኡኒ። 14  ንዅሎም ህዝብታት መስሓቒ ዀይነ፡ ምሉእ መዓልቲ መድረፊኦም ኰይነ። 15  ብመሪር ኣጽጊቡኒ፡ ብዕረ ኣርውዩኒ።+ ו [ዋው] 16  ኣስናነይ ብጸጸር ሰይሩ፣ኣብ ሓምዅሽቲ ኸም ዚዅርመ ገይሩኒ።+ 17  ሰላም ከሊእካኒ፣* ጽቡቕ ዘበለ ድማ ረሲዐዮ። 18  ስለዚ፡ “ግርማይን ኣብ የሆዋ ዘሎኒ ትጽቢተይን ጠፊኡ” እብል ኣለኹ። ז [ዛይን] 19  ጸበባይን ቤት ኣልቦነተይን፡+ እቲ ዕረን መሪር መርዝን ዘክር።+ 20  ብርግጽ ክትዝክሮን ናባይ ክትደንንን ኢኻ።*+ 21  እዚ ኣብ ልበይ ትዝ ይብለኒ እዩ፣ ስለዚ እየ ዝጽበ።+ ח [ሔት] 22  ሳላ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ኢና ዘይተወዳእና፣+ምሕረቱስ ከቶ ኣይውዳእን እዩ።+ 23  ንግሆ ንግሆ ሓድሽ እዩ፣+ ተኣማንነትካ ብዙሕ እዩ።+ 24  “የሆዋ ግደይ እዩ፣+ ስለዚ እየ ንዕኡ ዝጽበዮ”+ እብል ኣለኹ።* ט [ጤት] 25  የሆዋ ብእኡ ተስፋ ንዚገብር፡+ ንዚደልዮ ሰብ* ሰናይ* እዩ።+ 26  ንድሕነት የሆዋ+ ስቕ ኢልካ* ምጽባይ ሰናይ እዩ።+ 27  ሰብኣይ ብንእስነቱ ኣርዑት ኪጸውር ሰናይ እዩ።+ י [ዮድ] 28  ንሱ ኣሰኪምዎ እዩ እሞ፡ ስቕ ኢሉ በይኑ ይቀመጥ።+ 29  ኣፉ ኣብ ሓመድ ይግበር፣+ ተስፋ ኺህሉ ይኽእል እዩ።+ 30  ምዕጕርቱ ንወቓዒ ይሃብ፣ ጸርፊ እውን ይጽገብ። כ [ካፍ] 31  የሆዋስ ንዘለኣለም ኣይድርብየናን እዩ።+ 32  ዋላ እኳ እንተ ኣጕሃየ፡ ከም ብዝሒ እቲ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ እውን ይምሕር እዩ።+ 33  ንደቂ ሰብ ኪገፍዕ ወይ ኬጕህስ ኣብ ልቡ ኣይኰነን።+ ל [ላሜድ] 34  ንዅሎም እሱራት ምድሪ ኣብ ትሕቲ እግሪ ምጭፍላቕ፡+ 35  ንሰብ ኣብ ቅድሚ እቲ ልዑል ፍትሒ ምኽላእ፡+ 36  ንሰብ ኣብ ጕዳዩ ምዕማጽ፡—የሆዋ ንኸምዚ ዝበለ ነገራት ኣይጻወሮን እዩ። מ [ሜም] 37  የሆዋ እንተ ዘይኣዚዙ፡ መን ተዛሪቡስ ኬኽውን ይኽእል፧ 38  ክፉእን ጽቡቕንካብ ኣፍ እቲ ልዑል ብሓደ ኣይወጽእን እዩ። 39  ስለምንታይ ደኣ እዩ ህያው ሰብ ብዛዕባ ሳዕቤናት ሓጢኣቱ ዜማርር፧+ נ [ኑን] 40  መገድታትና ንዳህስስን ንመርምርን፣+ ናብ የሆዋ ድማ ንመለስ።+ 41  ልብና ምስ ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ናብ ሰማያት ነልዕል።+ 42  “ኣቢስናን ዓሊናን ኢና፣+ ንስኻ እውን ይቕረ ኣይበልካን።+ ס [ሳሜኽ] 43  ከይንቐርብ ብቝጥዓ ጋሪድካና፣+ስዒብካ ብዘይ ምሕረት ቀቲልካና።+ 44  ጸሎትና ኸይሓልፍሲ፡ ብደበና ተጋሪድካ።+ 45  ኣብ መንጎ ህዝብታት ጐዱፍን ጐሓፍን ጌርካና።” פ [] 46  ኵሎም ጸላእትና ኣፎም ይኸፍቱልና ኣለዉ።+ 47  ራዕድን ጕድጓድን፡+ ብርሰትን መስበርትን ዕጫና ዀይኑ።+ 48  ብመስበርቲ ጓል ህዝበይ፡ ወሓይዝ ማይ ካብ ኣዒንተይ ይውሕዝ ኣሎ።+ ע [ዓይን] 49  ኣዒንተይ ከየቋረጻን ከየዕረፋን ይነብዓ ኣለዋ።+ 50  የሆዋ ኻብ ሰማይ ኣንቈልቊሉ ኽሳዕ ዚጥምትን ዚርእን ይነብዓ ኣለዋ።+ 51  ብሰንኪ ዅለን ኣዋልድ ከተማይ፡ ኣዒንተይ ጓሂ ኣምጺአናለይ* ኣለዋ።+ צ [ጻዴ] 52  ጸላእተይ ብዘይ ምኽንያት ከም ዑፍ ይሃድኑኒ ኣለዉ። 53  ንህይወተይ ኣብ ጕድጓድ ኣጥፊኦምዋ፣ ኣእማን ከኣ ይድርብዩለይ ኣለዉ። 54  ማያት ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ውሒዙ፣ ኣነ ድማ “ጠፋእኩ!” ኢለ። ק [ቆፍ] 55  ኦ የሆዋ፡ ካብ መዓሙቝ ጕድጓድ፡ ስምካ ጸዊዐ።+ 56  ድምጸይ ስማዕ፣ ነቲ ራህዋ ደልየ ዘእውዮ ኣውያት እዝንኻ ኣይትዕጾ። 57  በታ ዝጸዋዕኩኻ መዓልቲ ቐሪብካ። “ኣይትፍራህ” ኢልካ። ר [ሬሽ ] 58  ኦ የሆዋ፡ ንጕዳየይ* ተጣቢቕካለይ፡ ንህይወተይ ከኣ ተበጂኻያ ኢኻ።+ 59  ኦ የሆዋ፡ እተበደልክዎ ርኢኻ ኢኻ፣ በጃኻ ፍትሒ ኣውጽኣለይ።+ 60  ኵሉ ሕነኦምን ኵሉ እቲ ዝሓሰቡለይ ተንኰልን ርኢኻ ኢኻ። ש [ሲን] ወይ [ሺን] 61  ኦ የሆዋ፡ ባጫኦምን ኵሉ እቲ ዝሓሰቡለይ ተንኰልን ሰሚዕካ ኢኻ።+ 62  ከናፍር ተጻረርተይን እቲ ምሉእ መዓልቲ ዜሕሸዅሽዅለይን ሰሚዕካ ኢኻ። 63  ጠምቶም፣ ኪቕመጡ ዀነ ኺትንስኡ ኸለዉ፡ ብደርፎም የላግጹለይ ኣለዉ። ת [ታው] 64  ኦ የሆዋ፡ ከም ግብርታቶም ክትፈድዮም ኢኻ። 65  ክትረግሞም ከለኻ፡ ተሪር ዝልቦም ክትገብሮም ኢኻ። 66  ብቝጥዓኻ ኽትሰጕጎም፡ ካብ ትሕቲ ሰማያት የሆዋ ድማ ከተጥፍኦም ኢኻ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዓጊትዎ፣ ዓጽይዎ።”
ወይ፡ “ቃድራ ገይሩንን” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ረጊጹ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብደቂ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ሰላም ከሊእካያ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ብርግጽ ክትዝክሮን ናባይ ክትደንንን እያ።”
ወይ፡ “ትብል ኣላ ነፍሰይ።”
ወይ፡ “ንእትደልዮ ነፍሲ።”
ወይ፡ “ሕያዋይ።”
ወይ፡ “ብትዕግስቲ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ጓሂ ኣምጺአናላ።”
ወይ፡ “ንጕዳይ ነፍሰይ።”