ድጕዓ 4:1-22

  • ከበባ የሩሳሌም ዘስዓቦ ዜስካሕክሕ ሳዕቤናት

    • ስእነት ምግቢ (4, 5, 9)

    • ኣንስቲ ንደቀን ኣብሰላ (10)

    • የሆዋ ቝጥዓኡ ኣፍሰሰ (11)

א [ኣሌፍ] 4  እቲ ዜንጸባርቕ ወርቂ፡ እቲ ጽሩይ ወርቅስ ከመይ ኰን እዩ ደቢኑ!+ እቲ ቕዱስ ኣእማንሲ+ ኸመይ ኰን እዩ ኣብ ኵሉ ዅርናዕ ጐደና* ፋሕ ኢሉ!+ ב [ቤት]   እቶም ምስ ጽሩይ ወርቂ ዚምዘኑ* ዝነበሩ ኽቡራት ደቂ ጽዮን፡ከመይ ኰን እዮም ከምቲ ኣቕሓ መሬት ዝዀነ ኣጋንእ፡ከምቲ ስርሓት ኣእዳው ሰራሕ ካይላ እተቘጽሩ! ג [ጊሜል]   ወኻሩ* እኳ ንዀራዅረን ጡብ ይህባ፣ጓል ህዝበይ ግና ከም ሰገናት በረኻ+ ጨኪና።+ ד [ዳሌጥ]   ልሳን እቲ ዚጠቡ ሕጻን ብሰንኪ ጽምኢ ኣብ ትንሓጉ ተጣቢቓ። ቈልዑ እንጌራ ይልምኑ፡+ ዚህቦም ግና የልቦን።+ ה []   እቶም ጥዑም ብልዒ ዚበልዑ ዝነበሩ፡ ብጥሙያቶም ኣብ ጐደናታት ተዘርጊሖም ኣለዉ።+ እቶም ድሙቕ ቀይሕ ተኸዲኖም ዝዓበዩ፡+ ኵምራ ሓምዅሽቲ ሓቚፎም ኣለዉ። ו [ዋው]   መቕጻዕቲ* ጓል ህዝበይ ካብቲ ንሓጢኣት እታ ብቕጽበት እተገልበጠት፡ዚድግፋ ኢድ እውን ዘይነበራ ሶዶም እተዋህበ መቕጻዕቲ ይዓቢ።+ ז [ዛይን]   ናዝራውያና+ ኻብ ውርጪ ዚነጽሁ፡ ካብ ጸባ ዚጽዕድዉ እዮም ነይሮም። ካብ ኣዕናቝ* ዚቐይሑ፡ ከም እተወልወለ ሰፊሮስ እዮም ነይሮም። ח [ሔት]   ትርኢቶም ካብ ጸለሎ* ጸሊሙ፣ኣብ ጐደናታት ኣይልለዩን። ቈርበቶም ኣብ ኣዕጽምቶም ተጣቢቑ፣+ ከም ዕንጨይቲ ንቑጽ ኰይኑ። ט [ጤት]   እቶም ብሰይፊ እተቐትሉ፡ ካብቶም ብጥሜት እተቐትሉ፡+ካብቶም ብስእነት ፍረ ምድሪ ተወጊኦም ዝማህመኑ ይሕሹ። י [ዮድ] 10  ኣእዳው ርሕሩሓት ኣንስቲ ንደቀን ኣብሲለን።+ ብግዜ መስበርቲ ጓል ህዝበይ፡ እንጌራ ሓዘን ኰይኖም።+ כ [ካፍ] 11  የሆዋ ነድሩ ገሊጹ፣ነቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኣፍሲስዎ።+ ኣብ ጽዮን ንመሰረታታ ዚበልዕ ሓዊ ኣባሪዑ።+ ל [ላሜድ] 12  ነገስታት ምድርን ኵሎም ነበርቲ እታ ፍርያም ምድርን፡ተጻራርን ጸላእን ብኣፍ ደገታት የሩሳሌም ከም ዚኣቱ ኣይኣመኑን።+ מ [ሜም] 13  ብሰንኪ ሓጢኣት ነብያታን ብሰንኪ ስሕተት ካህናታን ከምኡ ዀይና፣+ንሳቶምሲ ደም ጻድቃን ኣብ ማእከላ ኣፍሲሶም እዮም።+ נ [ኑን] 14  ዓዊሮም ኣብ ጐደናታት ኰለል ይብሉ ኣለዉ።+ ሓደ እኳ ንኽዳውንቶም ኪትንክዮ ኽሳዕ ዘይክእል፡ብደም ተበኪሎም ኣለዉ።+ ס [ሳሜኽ] 15  “ርሓቑ! ርኹሳት! ርሓቑ! ርሓቑ! ኣይትተንክዩና!” ይብልዎም ኣለዉ። ንሳቶምሲ ቤት ኣልቦን ኰብለልትን ኰይኖም ኣለዉ። ካብ ኣህዛብ ከኣ ከምዚ ኢሎም፦ “ምሳና ኣይቅመጡን እዮም።*+ פ [] 16  ገጽ የሆዋ ፋሕ ኣቢልዎም እዩ፣+ደጊም ብጽቡቕ ኣይጥምቶምን እዩ። ሰባት ንኻህናት ኣየኽብርዎምን፡+ ንዓበይቲ እውን ሞገስ ኣየርእይዎምን እዮም።”+ ע [ዓይን] 17  ሕጂ እኳ ኣዒንትና ንኸንቱ ረድኤት ብምጥማት ደኺመን።+ ኬድሕነና ኻብ ዘይክእል ህዝቢ ረድኤት ተጸቢና።+ צ [ጻዴ] 18  ኣብ ኣደባባያትና ኸይንኸይድሲ፡ ኣብ እንስጕሞ ዘበለ ሃዲኖምና።+ መወዳእታና ቐሪቡ፣ መወዳእታና መጺኡ እዩ እሞ፡ መዓልትታትና ተወዲአን። ק [ቆፍ] 19  ሰጐጕትና ኻብ ንስሪ ሰማይ ይፈጥኑ።+ ኣብ ኣኽራን ኣጓይዮምና፣ ኣብ በረኻ ድማ ኣድብዮምልና። ר [ሬሽ ] 20  እቲ ትንፋስ ኣፍንጫና፡ እቲ ቕቡእ የሆዋ፡+እቲ፡ “ኣብ ጽላሉ ኽንነብር ኢና” ዝበልናዮ፡ ኣብ ዓብዪ ጕድጓዶም ተታሒዙ ኣሎ።+ ש [ሲን] 21  ኣቲ ኣብ ምድሪ ዑጽ እትነብሪ ጓል ኤዶም፡ ተፈስህን ተሓጐስን።+ ግናኸ፡ እቲ ጽዋእ ናባኺ ኺሓልፍ፡+ ንስኺ እውን ክትሰኽርን ዕርቃንኪ ኪቕላዕን እዩ።+ ת [ታው] 22  ኣቲ ጓል ጽዮን፡ መቕጻዕቲ ስሕተትኪ ተወዲኡ እዩ። መሊሱ ናብ ምርኮ ኣይኪወስደክን እዩ።+ ኣቲ ጓል ኤዶም ግና፡ ናብ ስሕተትኪ ቘላሕታኡ ኺገብር እዩ። ንሓጢኣትኪ ኪቐልዖ እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ርእሲ ዅሉ ጐደናታት።”
ወይ፡ “እቶም ከም ጽሩይ ወርቂ ኽቡራት።”
ወይ፡ “ጋውሕታታት።”
ቃ.ቃ.፡ “ስሕተት።”
ቃ.ቃ.፡ “መርጀን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ጽልሚ።”
ወይ፡ “ስደተኛታት ኰይኖም ኣብዚ ኣይቅመጡን እዮም።”