ድጕዓ 5:1-22

  • እቶም ህዝቢ ኺምለሱ ዝጸለይዎ ጸሎት

    • “እንታይ ከም ዝወረደና ዘክር” (1)

    • “ሓጢእና ኢና እሞ፡ ወይለና!” (16)

    • ‘ኦ የሆዋ፡ ምለሰና’ (21)

    • ‘ንመዓልትታትና ሓድሰን’ (21)

5  ኦ የሆዋ፡ እንታይ ከም ዝወረደና ዘክር። ውርደትና ጠምትን ርአን።+   ርስትና ናብ ካልኦት፡ ኣባይትና ናብ ጓኖት ተመሓላሊፉ።+   ኣቦ ዘይብልና ዘኽታማት ኴንና፣ ኣዴታትና ኸም መበለታት ኰይነን።+   ማይና ብኽፍሊት ንሰቲ ኣለና፣+ ዕንጨይትና ኸኣ ብዋጋ ይመጸና ኣሎ።   እቶም ሰጐጕትና ኣብ ክሳድና እዮም፣ደኺምና ኣለና፡ ዕረፍቲ ግና ኣይተዋህበናን።+   እኹል ዚብላዕ እንጌራ ኽንረክብሲ፡ ኢድና ናብ ግብጽን+ ኣሶርን+ ዘርጊሕና ኣለና።   እቶም ዝሓጥኡ ኣቦታትና የለዉን፣ ንሕና ግና ስሕተቶም ንጸውር ኣለና።   ገላዉ ይገዝኡና ኣለዉ፣ ካብ ኢዶም ዚምንዝዓና የልቦን።   ብሰንኪ ሰይፊ በረኻ፡ ህይወትና* ኣብ ሓደጋ ኣእቲና እንጌራ ነምጽእ ኣለና።+ 10  ብሰንኪ ብርቱዕ ጥሜት፡ ቈርበትና ኸም እቶን ረሲኑ።+ 11  ኣንስቲ ኣብ ጽዮን፡ ደናግል ኣብ ከተማታት ይሁዳ ተዋሪደን።*+ 12  መሳፍንቲ ብኢዶም ተንጠልጢሎም፣+ ዓበይቲ እውን ኣይተኸብሩን።+ 13  ኣጕባዝ መጥሓን ይስከሙ፡ ቈልዑ ድማ ኣብ ትሕቲ ጾር ዕንጨይቲ ይዕንቀፉ ኣለዉ። 14  ዓበይቲ ኻብ ኣፍ ደገ ኸተማ ኸይዶም፣+ ኣጕባዝ ከኣ ሙዚቃኦም ሓዲጎም።+ 15  ሓጐስ ካብ ልብና ርሒቑ፣ ሳዕስዒትና ናብ ሓዘን ተቐዪሩ።+ 16  ዘውዲ ኻብ ርእስና ወዲቑ። ሓጢእና ኢና እሞ፡ ወይለና! 17  ብሰሪ እዚ ልብና ሓሚሙ፣+ብሰሪ እዚ ኣዒንትና ደኺመን፣+ 18  ብሰሪ እቲ ዝባደመን+ ወኻሩ ሕጂ ዚዞራሉን ከረን ጽዮን፡ ከምኡ ዄንና። 19  ኦ የሆዋ፡ ንስኻስ ኣብ ዝፋን ንዘለኣለም ትቕመጥ። ዝፋንካ ንውሉድ ወለዶ እዩ።+ 20  ስለምንታይ ንዘለኣለም እትርስዓና፧ ስለምንታይከ ንነዊሕ ግዜ እትሓድገና፧+ 21  ኦ የሆዋ፡ ናባኻ ምለሰና፡ ንሕና እውን ብቐሊሉ ናባኻ ኽንምለስ ኢና።+ ንመዓልትታትና ኸምተን ናይ ቀደም ሓድሰን።+ 22  ግናኸ፡ ጠሪስካ ደርቢኻና ኢኻ። ኣዚኻ ተቘጢዕካና ኣለኻ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍስና።”
ወይ፡ “ተዓሚጸን።”