ገላትያ 6:1-18

  • ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ (1-10)

    • ሰብ ዘዝዘርኦ ይዓጽድ (7, 8)

  • ግዝረት ረብሓ የብሉን (11-16)

    • ሓድሽ ፍጥረት (15)

  • መደምደምታ (17, 18)

6  ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብዘይ ፍላጥ እንተ ስሒቱ፡ ንስኻትኩም መንፈሳዊ ብቕዓታት ዘማላእኩም፡ ንኸምዚ ዝበለ ሰብ ብልኡም መንፈስ ከተቕንዕዎ ፈትኑ።+ ኰይኑ ግና፡ ንስኻ እውን ምእንቲ ኸይትፍተን፡+ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።+ 2  ከቢድ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ሕጊ ክርስቶስ ክትፍጽሙ ኢኹም።+ 3  ሓደ ሰብ ማንም ክነሱ፡ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ እንተ መሲልዎ፡+ ንርእሱ እዩ ዜታልል ዘሎ። 4  ግናኸ፡ ነፍሲ ወከፍ ገግብሩ ይመርምር እሞ፡+ ምስ ካልእ ከይተነጻጸረ፡ ብርእሱ ጥራይ ዜሐጕሶ ነገር ኪህልዎ እዩ።+ 5  ከመይሲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጸጾሩ* ኺጸውር እዩ።+ 6  ብተወሳኺ፡ ነቲ ቓል ዚምሃር* ዘበለ፡ ነቲ ዚምህሮ፡* ኵሉ ጽቡቕ ዘበለ የማቕሎ።+ 7  ኣይትታለሉ፦ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ሰብ ዘዝዘርኦ እዩ ዚዓጽድ።+ 8  እቲ ንስጋኡ ኢሉ ዚዘርእሲ፡ ካብ ስጋኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ፣ እቲ ንመንፈስ ኢሉ ዚዘርእ ግና፡ ካብቲ መንፈስ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪዓጽድ እዩ።+ 9  እንተ ዘይተሓሊልና፡ ብግዜኡ ኽንዓጽድ ኢና እሞ፡ ሰናይ ንምግባር ኣይንሰልኪ።+ 10  እምበኣር፡ ኣጋጣሚ* ኽሳዕ ዘሎና፡ ንዅሉ፡ ምናዳ ኸኣ ነቶም ብእምነት ቤተ ሰብና ዝዀኑ፡ ሰናይ ንግበር። 11  ብኸመይ ዝበለ ፍሩይ ፊደላት ብኢደይ ከም ዝጸሓፍኩልኩም ርኣዩ። 12  ኵሎም እቶም ብስጋ ኺፍተዉ* ዚደልዩ ዘበሉ እዮም ብሰንኪ ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ምእንቲ ኸይስጐጉ ኢሎም፡ ክትግዘሩ ኼገድዱኹም ዚፍትኑ ዘለዉ። 13  ብስጋኹም ምእንቲ ኺምክሑ ኢሎም እዮም ክትግዘሩ ዚደልዩኹም ዘለዉ እምበር፡ እቶም ዚግዘሩ ዘለዉ እኳ ባዕላቶም ንሕጊ ኣይሕልውዎን እዮም።+ 14  በቲ ዓለም ንዓይ ከም ምዉትቲ ዝዀነትሉ፡ ኣነ እውን ንዓለም ከም ምዉት ዝዀንኩሉ* ጕንዲ ስቅያት* ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ፡+ ብኻልእ ምምካሕ ከቶ ኻባይ ይርሓቕ። 15  ከመይሲ፡ ሓድሽ ፍጥረት+ ደኣ እምበር፡ ግዝረት ኰነ ዘይግዝረት ረብሓ የብሉን።+ 16  ኣብ ኵሎም እቶም በዚ ሕጊ እዚ ብስርዓት ዚመላለሱ፡ እወ፡ ኣብቶም ናይ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሰላምን ምሕረትን ይውረድ።+ 17  ኣነ ባርያ የሱስ ምዃነይ ዚሕብር ዕላመት ኣብ ሰብነተይ እጸውር ስለ ዘለኹ፡ ድሕሪ ሕጂ ሓደ እኳ ኣየሸግረኒ።+ 18  ኣሕዋተየ፡ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓላፍነቱ ዜሰክሞ ጾር።”
ወይ፡ “ብኣፍ ዚምሃር።”
ወይ፡ “ብኣፍ ዚምህሮ።”
ወይ፡ “ግዜ።”
ወይ፡ “ብደጊኦም ጽቡቕ መሲሎም ኪርኣዩ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “በቲ ዓለም ንዓይ እተሰቕለትሉ፡ ኣነ እውን ንዓለም እተሰቐልኩሉ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።