ግብሪ ሃዋርያት 15:1-41
15 ገሊኦም ካብ ይሁዳ ወረዱ እሞ፡ ነቶም ኣሕዋት፡ “ከም ልምዲ ሙሴ እንተ ዘይተገዚርኩም፡+ ክትድሕኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ኢሎም መሃርዎም።
2 ኣብ መንጎኦምን ኣብ መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ፍልልይን ክትዕን ምስ ኰነ፡ ጳውሎስን በርናባስን ገለ ኻባታቶምን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ* እዚ፡ ናብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኪድይቡ ተመደበ።+
3 ሽዑ፡ ንሳቶም ካብታ ጉባኤ ምስ ተፋነዉ፡ ኣህዛብ ከም እተመልሱ እናኣዘንተዉ ብፊንቄን ብሰማርያን ሓለፉ፣ ንዅሎም ኣሕዋት ከኣ ብዙሕ ኣሐጐስዎም።
4 ኣብ የሩሳሌም ምስ በጽሑ፡ እታ ጉባኤን እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ብጽቡቕ ተቐበልዎም፣ ንሳቶም ድማ እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉ ኣዘንተዉሎም።
5 ገለ ኻብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግና፡ ተንሲኦም፡ “ኪግዘሩን ሕጊ ሙሴ ምእንቲ ኺሕልዉ ኺእዘዙን ይግባእ እዩ” በሉ።+
6 እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ከኣ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ኺምርምሩ ተኣከቡ።
7 ድሕሪ ብዙሕ ዘተ* ድማ፡ ጴጥሮስ ተንሲኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብ ቀዳሞት መዓልትታት ኣትሒዙ፡ ኣህዛብ ብኣፈይ ቃል ብስራት ኪሰምዑን ኪኣምኑን፡ ኣምላኽ ካባኻትኩም ከም ዝሓረየኒ፡ ንስኻትኩም ኣጸቢቕኩም ትፈልጡ ኢኹም።+
8 እቲ ልቢ ዚፈልጥ ኣምላኽ+ ከኣ ከምቲ ንዓና ዝሃበና፡ ንዓታቶም እውን መንፈስ ቅዱስ ብምሃብ፡ መስኪሩሎም እዩ።+
9 ልቦም ደኣ እዩ ብእምነት ኣንጺሁ እምበር፡+ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎኦምንሲ ሓንቲ እኳ ኣይፈላለየን።+
10 እምበኣርከስ፡ ሕጂ ነቲ ኣቦታትና ዀኑ ንሕና ኽንጾሮ ዘይከኣልና+ ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቀ መዛሙርቲ ብምጽዓን፡+ ስለምንታይ ንኣምላኽ ትፍትንዎ ኣለኹም፧
11 ንሕናስ ከማታቶም ብጸጋ ጐይታና የሱስ ከም እንድሕን ኢና እንኣምን።”+
12 ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ሰባት ስቕ በሉ፣ በርናባስን ጳውሎስን ነቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ኣብ ኣህዛብ ዝገበሮ ብዙሕ ትእምርትታትን ተኣምራትን ኬዘንትዉሎም ከለዉ፡ ሰምዕዎም።
13 ንሳቶም ተዛሪቦም ምስ ወድኡ ኸኣ፡ ያእቆብ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ስምዑኒ።
14 ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ፡ ንፈለማ ግዜ ኸመይ ገይሩ ቘላሕታ ኸም ዝገበረሎም፡ ስምኦን+ ኣዘንትዩ ኣሎ።+
15 ቃል ነብያት እውን ምስዚ ይሰማማዕ እዩ፣ እዚ ኸኣ ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ እዩ፦
16 ‘ድሕርዚ ተመሊሰ ነታ ዝወደቐት ድንኳን* ዳዊት መሊሰ ኸተንስኣ፡ ነቲ ዑናታታ ዳግም ክሃንጾን ከዐርዮን እየ፣
17 እዚ ድማ እቶም ዝተረፉ ሰባትን ኵሎም እቶም ብስመይ ዚጽውዑ ኣህዛብን ንየሆዋ* ኣጸቢቖም ምእንቲ ኺደልይዎ እዩ፡ ይብል እቲ እዚ ዚገብር ዘሎ የሆዋ፣*+
18 እዚ እውን ካብ ጥንቲ እተፈልጠ እዩ።’+
19 ስለዚ፡ ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ኣምላኽ ዚምለሱ ዘለዉ ኸይነኽብደሎም እዩ ውሳነይ፣*+
20 ግናኸ፡ ብጣኦታት ካብ ዝረኸሰን+ ካብ ምንዝርናን*+ ካብ ሕኑቕን* ካብ ደምን ኪርሕቁ ንጽሓፈሎም።+
21 ካብ ጥንቲ ኣትሒዙስ፡ ሰንበት ሰንበት ንሙሴ ኣብ ምኵራባት ዓው ኢሎም ስለ ዜንብብዎ፡ ኣብ ከከተማኡ ንዕኡ ዚሰብኩ ኣለዉ።”+
22 ሽዑ፡ እቶም ሃዋርያትን እቶም ሽማግለታትን ምስ ብዘላ እታ ጉባኤ ዀይኖም፡ ካብ መንጎኦም እተሓርዩ ሰብኡት፡ ምስ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣንጾክያ ኺልእክዎም ወሰኑ። ነቶም ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዚመርሑ ዝነበሩ በርሰባስ ዚብሃል ይሁዳን ሲላስን+ ከኣ ለኣኽዎም።
23 ነዚ ጽሒፎም ድማ ብኣታቶም ገይሮም ለኣኽዎ፦
“ካብ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣሕዋትኩም፡ ናብቶም ኣብ ኣንጾክያን+ ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ዘለኹም ካብ ኣህዛብ ዝዀንኩም ኣሕዋት፦ ሰላም።
24 ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባና ወጺኦም ብዘረባኦም ከም ዝረበሹኹምን+ ከም ዘዕገርገሩኹምን* ስለ ዝሰማዕና፡
25 ሰባት ሓሪና ምስቶም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን ክንልእከልኩም ብሓደ ወሲንና ኣለና፣
26 ንሳቶምሲ ምእንቲ ስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ህይወቶም* ኣሕሊፎም ዝሃቡ እዮም።+
27 ስለዚ፡ ይሁዳን ሲላስን ነዚ ነገር እዚ ብቓል ምእንቲ ኺነግሩኹም፡ ንዓታቶም እውን ልኢኽናልኩም ኣለና።+
28 መንፈስ ቅዱስን+ ንሕናንሲ ብዘይካ እዚ እተገብአ ነገራት እዚ፡ ካልእ ሓለፋ ጾር ከይንውስኸልኩም ሓሲብና ኣለና፣
29 ንጣኦታት ካብ እተሰውአን+ ካብ ደምን+ ካብ ሕኑቕን*+ ካብ ምንዝርናን* ርሓቑ።+ ርእስኹም ካብዚ እንተ ሓሊኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ።”
30 ንሳቶም ምስ ተፋነዉ፡ ናብ ኣንጾክያ ወረዱ፣ ንዅሎም ኣኪቦም ከኣ፡ ነታ ደብዳበ ሃብዎም።
31 ምስ ኣንበብዋ ድማ፡ በቲ መተባብዒ ተሓጐሱ።
32 ይሁዳን ሲላስን ከኣ፡ ንሳቶም እውን ነብያት ነበሩ እሞ፡ ብብዙሕ መደረታት ኣተባብዕዎምን ኣበራትዕዎምን።+
33 እተወሰነ እዋን ምስ ጸንሑ፡ ካብ ኣሕዋት ብሰላም ተፋንዮም ናብቶም ዝለኣኽዎም ተመልሱ።
34 *——
35 ጳውሎስን በርናባስን ግና እናመሃሩን ምስ ብዙሓት ካልኦት ኰይኖም ቃል የሆዋ* እናኣበሰሩን ኣብ ኣንጾክያ ጸንሑ።
36 ድሕሪ ገለ መዓልትታት ጳውሎስ ንበርናባስ፡ “ሕጂ* ንዓ ንመለስ እሞ እቶም ኣብተን ቃል የሆዋ* ዝሰበኽናለን ዘበላ ኸተማታት ዘለዉ ኣሕዋት ከመይ ከም ዘለዉ ምእንቲ ኽንርኢ፡ ንብጽሓዮም” በሎ።+
37 ሽዑ፡ በርናባስ ነቲ ማርቆስ ዚብሃል ዮሃንስ ኪማልእዎ ቘረጸ።+
38 ጳውሎስ ግና ነዚ ኻባታቶም ኣብ ጰምፊልያ እተፈልየን ምሳታቶም ናብቲ ዕዮ ዘይከደን፡ ኪማልእዎ ግቡእ ኣይመሰሎን።+
39 ሽዑ፡ ንሓድሕዶም ክሳዕ ዚፈላለዩ፡ ኣብ መንጎኦም ቈየቛ ዀነ፣ በርናባስ+ ከኣ ንማርቆስ ተማሊኡ ናብ ቆጵሮስ ብመርከብ ከደ።
40 ጳውሎስ ግና ንሲላስ ሓረየ፣ እቶም ኣሕዋት ንጸጋ የሆዋ* ምስ ኣማዕቈብዎ ድማ ነቐለ።+
41 ነተን ጉባኤታት እናኣበራትዐ እውን፡ ብሶርያን ብቂልቅያን ሓለፈ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ክትዕ።”
^ ወይ፡ “ክትዕ።”
^ ወይ፡ “ዳስ፣ ቤት።”
^ ወይ፡ “ርእይቶይ።”
^ ወይ፡ “ሕሉቕን።”
^ ወይ፡ “ንነፍሳትኩም ከም ዘዕገርገሩን።”
^ ወይ፡ “ነፍሶም።”
^ ወይ፡ “ሕሉቕን።”
^ ወይ፡ “ዝገበርና ጌርና” ኪኸውን ይኽእል።