ጸፎንያስ 2:1-15

  • መዓልቲ ቝጥዓኡ ኸይመጸት፡ ንየሆዋ ድለይዎ (1-3)

    • ጽድቂ ድለዩ፡ ዓቕሊ ድለዩ (3)

    • ‘ምናልባት ትሕብኡ ትዀኑ’ (3)

  • ኣብቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ኣህዛብ እተፈርደ ፍርዲ (4-15)

2  ኣቱም ዘይትሓፍሩ ህዝቢ፡+ተኣከቡ፡ እወ፡ ተኣከቡ።+   እቲ ትእዛዝ ከይተፈጸመ፡እታ መዓልቲ ኸም ብቝቡቝ ከይሓለፈት፡እቲ ዚነድድ ቍጥዓ የሆዋ ኸይወረደኩም፡+እታ መዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ኸይወረደትኩም፡   ኣቱም ነቲ ቕኑዕ ትእዛዛቱ* እትሕልዉዓቃላት* ምድሪ ዅላትኩም፡ ንየሆዋ ድለይዎ።+ ጽድቂ ድለዩ፡ ዓቕሊ* ድለዩ። ምናልባት ብመዓልቲ ቝጥዓ የሆዋ ትሕብኡ ትዀኑ።+   ከመይሲ፡ ጋዛ እተሓድገት ከተማ ኽትከውን፡ኣሽቀሎን ከኣ ክትባድም፡+ኣሽዶድ ድማ ቀትሪ ምድሪ ኽትስጐጕ፡ዔቅሮን እውን ክትምሖ እያ።+   “እቶም ኣብ ገምገም ባሕሪ ዚነብሩ ህዝቢ ክረታውያን ወይለኦም!+ ቃል የሆዋ ኣንጻርኩም እዩ። ኣቲ ከነኣን፡ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን፡ ከጥፍኣኪ እየ፣ስለዚ፡ ሓደ ነባሪ እኳ ኣይኪተርፈክን እዩ።   እቲ ገምገም ባሕሪ ኸኣ፡ዒላታት ጓሶትን ደምበ ኣባጊዕን ዘለዎ መጓሰዪ ኪኸውን እዩ።   ንተረፍ ቤት ይሁዳ ድማ ኪኸውን እዩ፣+ኣብኡ እውን ኪበልዑ እዮም። ምሸት ኣብ ኣባይቲ ኣሽቀሎን በጥ ኪብሉ እዮም። የሆዋ ኣምላኾምሲ ቘላሕታኡ ኺገብረሎም፡*ንምሩኻቶም ከኣ ኪእክቦም እዩ።”+   “እቲ ንህዝበይ ዘባጨውዎን ኣብ ልዕሊ ሃገሮም እተመክሕዎን+ጸርፊ ሞኣብን+ ጸርፊ ዓሞናውያንን+ ሰሚዐ ኣለኹ።   ስለዚ፡ ከምቲ ኣነ ህያው ዝዀንኩ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ እስራኤል፡“ሞኣብ ከም ሶዶም ክትከውን እያ፣+ዓሞናውያን ድማ ከም ጎሞራ ኪዀኑ እዮም፣+ቦታ ኣምዐን ጕድጓድ ጨውን ናይ ሓዋሩ ባድምን ክትከውን እያ።+ ካብ ህዝበይ እቶም ዝተረፉ፡ ኪዘምትዎም እዮም፣ተረፍ ህዝበይ እውን ኬልቅቖም እዩ። 10  ንህዝቢ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዘባጨዉሉን ስለ እተዓበዩሉን፡ኣብ ክንዲ ትምክሕቶም ከምኡ ኪዀኑ እዮም።+ 11  የሆዋ ንዅሎም ኣማልኽቲ ምድሪ ኼጥፍኦም* እዩ እሞ፡ንዓታቶም ዜፍርህ ኪኸውን እዩ፣ኵሎም ደሴታት ኣህዛብ ድማ፡ነፍሲ ወከፍ ከካብ ቦታኦም ኪሰግዱሉ* እዮም።+ 12  ኣቱም ኢትዮጵያውያን እውን ብሰይፈይ ክትቅተሉ ኢኹም።+ 13  ኢዱ ናብ ሰሜን ኣቢሉ ኺዝርግሕ፡ ንኣሶር እውን ኬጥፍኣ እዩ፣ንነነዌ ድማ ኬባድማ፡+ ከም ምድረ በዳ እውን ደረቕ ኪገብራ እዩ። 14  ኣብ ውሽጣ መጓሰታት፡ ኵለን ዓይነት እንስሳ ዘገዳም፡* በጥ ኪብላ እየን። ሓሓትን ቅንፍዝን ኣብ መንጎ ኣራእስ ኣዕኑዳ ኺሓድራ እየን። ኣብ መስኰት ድምጺ ኺዝምር እዩ። ነቲ እተረብበ ቄድሮስ ኪቐልዖ እዩ እሞ፡ኣብ ድርኵዂት ምብዳም ኪኸውን እዩ። 15  እዚኣ እታ ብደሓን እትቕመጥ ዝነበረት፡ብልባ፡ ‘ኣነ እየ፡ ብዘይካይ ሓደ እኳ የልቦን’ እትብል ዝነበረት ምክሕቲ ኸተማ እያ። ከመይ ኰን እያ መሰክሒ፡መደቀሲ እንስሳ ዘገዳም ዝዀነት! ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ኺፋጽን ኢዱ ኺንቕንቕን እዩ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ፍርዱ።”
ወይ፡ “ትሑታት።”
ወይ፡ “ትሕትና።”
ወይ፡ “ኺከናኸኖም።”
ወይ፡ “ኬማስኖም።”
ወይ፡ “ኬምልኽዎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኵለን እንስሳ ህዝቢ።”