ጸፎንያስ 3:1-20
3 እታ ዓላዊትን ብክልትን ጨቋኒትን ከተማ ወይለኣ!+
2 ድምጺ ኣይተኣዘዘትን፣+ ተግሳጽ ኣይተቐበለትን።+
ብየሆዋ ኣይተኣመነትን፣*+ ናብ ኣምላኻ ኣይቀረበትን።+
3 መሳፍንታ ኣብ ውሽጣ ዚጓዝሙ ኣናብስ እዮም።+
ፈራዶኣ ብለይቲ ተዃሉ እዮም፣ክሳዕ ንግሆ ኸኣ ዚቝርጠም ዓጽሚ እኳ ኣይሓድጉን።
4 ነብያታ ስድታትን ጠላማትን ሰባት እዮም።+
ካህናታ ንቕዱስ የርክሱ፣+ነቲ ሕጊ ይዕምጽዎ።+
5 የሆዋ ኣብ ማእከላ ጻድቕ እዩ፣+ ንሱ ኣይብድልን እዩ።
ንግሆ ንግሆ፡ ከምቲ ዘይተርፍ ብርሃን፡ፍርድታቱ የፍልጥ።+
ዓማጺ ግና ሕፍረት ኣይፈልጥን።+
6 “ኣነ ንኣህዛብ ኣጥፊአ፣ ግምብታት መኣዝኖም ባዲሙ ተሪፉ።
ሓደ እኳ ኸይሓልፍሲ፡ ጐደናታቶም ኣባዲመ።
ከተማታቶም ሰብ ዘይብለንን ነባሪ ዘይብለንን ዑናታት ኰይነን።+
7 መንበሪኣ ምእንቲ ኸይጠፍእሲ፡+‘ብርግጽ ክትፈርህኒ፡ ተግሳጽ* እውን ክትቅበሊ ኢኺ’ ኢለ፣+—በዚ ዅሉስ ተሓታቲት ክገብራ* እየ።
ንሳቶም ግና ብዝያዳ ኺበላሸዉ ደልዮም።+
8 ‘ስለዚ፡ ንኣህዛብ ክእክቦም፡ ንመንግስትታት ክኣኻኽቦም፡ቍጥዓይን ኵሉ ዚነድድ ኵራይን ክኽዕወሎም+ ፍርደይ እዩ እሞ፡ክሳዕ እታ ኽዘምት* ዝትንስኣላ መዓልቲተጸበዩኒ’* ይብል የሆዋ፣+‘ብሓዊ ቕንኣተይሲ ብዘላ ምድሪ ኽትብላዕ እያ።+
9 ሽዑስ፡ ኵላቶም ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ብሓድነት* ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ፡+ንቛንቋ ህዝብታት ናብ ጽሩይ ቋንቋ ኽልውጦ እየ።’
10 ካብ ዞባ ኣፍላግ ኢትዮጵያ፡እቶም ዚልምኑኒ ፋሕ ዝበሉ ደቀይ፡ መባእ ኬምጽኡለይ እዮም።+
11 ሽዑ፡ ነቶም ዕቡያትን ምኩሓትን ካብ መንጎኺ ኸርሕቖም እየ፡ኣብ ቅዱስ ከረነይ ከኣ ደጊም ከቶ ዕብይቲ ኣይክትኰንን ኢኺ እሞ፡+በታ መዓልቲ እቲኣ፡ በቲ ኻባይ ዝዓሎኽዮ ዅሉ ግብርታትኪኣይክትሓፍርን ኢኺ።+
12 ኣብ ማእከልኪ ኺነብርሲ ትሑትን ምቕሉልን ህዝቢ ኽሓድግ እየ፣+ንሳቶም እውን ኣብ ስም የሆዋ ኺምዕቈቡ እዮም።
13 እቶም ተረፍ እስራኤል+ ኣይኪዕምጹን እዮም፣+ኣይኪሕስዉን እዮም፡ ኣብ ኣፎም እውን መታለሊት ልሳን ኣይክትርከብን እያ፣ኪበልዑን በጥ ኪብሉን እዮም፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”+
14 ኣቲ ጓል ጽዮን፡ እልል በሊ!
ኣታ እስራኤል፡ ብዓወት ጨድር!+
ኣቲ ጓል የሩሳሌም፡ ብዅሉ ልብኺ ተሓጐሲ፡ ባህ እውን ይበልኪ!+
15 የሆዋ ንፍርድታትኪ ኣርሒቕዎ እዩ።+
ንጸላኢኺ መሊስዎ እዩ።+
እቲ ንጉስ እስራኤል፡ የሆዋ፡ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+
ደጊም መዓት ኣይክትፈርህን ኢኺ።+
16 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንየሩሳሌም ከምዚ ኺብሃላ እዩ፦
“ኣቲ ጽዮን፡ ኣይትፍርሂ።+
ኣእዳውኪ ኣይተሓለላ።
17 የሆዋ ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ እዩ።+
ከም ጅግና፡ ኬድሕነኪ እዩ።
ብኣኺ ብዓብዪ ሓጐስ ኪፍሳህ እዩ።+
ብፍቕሩ ስቕ ኪብል* እዩ።
ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ።
18 ነቶም ኣብ በዓላትኪ ስለ ዘይነበሩ ዚጕህዩ ኽእክቦም እየ፣+ጸርፋ ስለ ዝጾሩ እዮም ምሳኺ ዘይነበሩ።+
19 እንሆ፡ በቲ ግዜ እቲ ኣንጻር ኵሎም እቶም ዚጭቍኑኺ ስጕምቲ ኽወስድ እየ፣+ነታ እትሕንክስ ከድሕና፡+ነታ እተበተነት እውን ክእክባ እየ።+
ኣብ ኵሉ ምድሪ ሕፍረቶም፡ንውዳሰን ንስምን ክገብሮም እየ።
20 ንምሩኻትኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ምስ መለስክዎም፡+ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ንስምን ንውዳሰን ክገብረኩም እየ እሞ፡+በቲ ግዜ እቲ፡ ከምጽኣኩም፡በቲ ግዜ እቲ፡ ክእክበኩም እየ” ይብል የሆዋ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ኣይተወከለትን።”
^ ወይ፡ “መአረምታ።”
^ ወይ፡ “ክቐጽዓ።”
^ ወይ፡ “ምስክር ኰይነ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብትዕግስቲ ተጸበዩኒ።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ብሓደ መንኵብ።”
^ ወይ፡ “ኺሃድእ፡ ኪቐስን፡ ኺዓግብ።”