1 ሳሙኤል 1:1-28

  • ኤልቃናን ኣንስቱን (1-8)

  • ሃና፡ ወዲ ኺውሃባ ጸለየት (9-18)

  • ሳሙኤል ተወልደ፡ ንየሆዋ ድማ ተዋህበ (19-28)

1  ካብ ራማታይም-ጾፊም፡*+ ካብ ኣኽራን ኤፍሬም፡+ ኤልቃና+ ዝስሙ ወዲ የሮሓም፡ ወዲ ኤሊሁ፡ ወዲ ቶሑ፡ ወዲ ጹፍ ዝዀነ ኤፍሬማዊ ሰብኣይ ነበረ። 2  ንሱ ኽልተ ኣንስቲ ነበራኦ፣ ስም እታ ሓንቲ ሃና፡ ስም እታ ኻልአይቲ ኸኣ ጵኒና ነበረ። ጵኒና ድማ ውሉዳት ነበርዋ፣ ሃና ግና ውሉዳት ኣይነበርዋን። 3  እቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት ኣብ ሺሎ ኼምልኽን* ኪስውእን ኢሉ ዓመት ዓመት ካብ ከተማኡ ይድይብ ነበረ።+ ኣብኣ ኸኣ ክልቲኦም ደቂ ኤሊ፡ ሆፍኒን ፊንሃስን፡+ ካህናት ኰይኖም ንየሆዋ የገልግልዎ ነበሩ።+ 4  ሓደ መዓልቲ ኤልቃና መስዋእቲ ምስ ሰውአ፡ ንሰበይቱ ጵኒናን ንዅሎም ኣወዳታን ኣዋልዳን ገግዲኦም ሃቦም፣+ 5  ንሃና ግና የፍቅራ ስለ ዝነበረ፡ ንሃና ፍሉይ ግደ ሃባ። ግናኸ፡ የሆዋ ውሉዳት ኣይሃባን* ነበረ። 6  የሆዋ ውሉዳት ስለ ዘይሃባ ኸኣ፡ እታ መቐናቕንታ ሰበይቲ ኸተጕህያ ኢላ መመሊሳ ተባጭወላ ነበረት። 7  ዓመት ዓመት ከምኡ ትገብር ነበረት፣ በታ ሃና ናብ ቤት የሆዋ እትድይበላ ግዜ፡+ መቐናቕንታ ኣዝያ ተባጭወላ ብምንባራ፡ ትበኪ ነበረት፡ ኣይትበልዕን እውን ነበረት። 8  ሰብኣያ ኤልቃና ግና፡ “ሃና፡ ስለምንታይ ኢኺ እትበኽዪ፧ ስለምንታይ ኢኺ ዘይትበልዒ፧ ስለምንታይከ ኢኺ ኣመና እትጕህዪ፧* ካብ ዓሰርተ ኣወዳት፡ ኣነዶ ኣይሕሸክን፧” በላ። 9  ኣብ ሺሎ ምስ በልዑን ምስ ሰተዩን ድማ፡ ሃና ተንስአት። ሽዑ፡ ካህን ኤሊ ኣብ ጥቓ ልዳት መቕደስ*+ የሆዋ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። 10  ሃና ኸኣ ኣመና ተመሪራ፡* ናብ የሆዋ ትጽልን+ ብዙሕ ትበክን ነበረት። 11  “ኦ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ ጸበባ ገረድካ እንተ ርኢኻን እንተ ዘኪርካንን፡ ንገረድካ እውን እንተ ዘይረሲዕካያን ንገረድካ ተባዕታይ ውሉድ እንተ ሂብካያን፡+ ኣነ ኸኣ ብዅለን መዓልትታት ህይወቱ፡ ንየሆዋ ኽህቦ እየ፣ መላጸ እውን ንርእሱ ኣይኪትንክዮን እዩ” ኢላ ድማ ተመባጽዐት።+ 12  ኣብ ቅድሚ የሆዋ ነዊሕ ኽትጽሊ ኸላ፡ ኤሊ ኣፋ ይጥምት ነበረ። 13  ሃና ኸኣ ብልባ ትዛረብ ነበረት፣ ከናፍራ ጥራይ ይወሳወስ ነበረ እምበር፡ ድምጻ ኣይስማዕን ነበረ። ኤሊ ድማ ዝሰኸረት መሰሎ። 14  ኤሊ ኸኣ፡ “ክሳዕ መዓስ ኢኺ ኽትሰኽሪ፧ ወይኒ ምስታይ ይእኸልኪ” በላ። 15  ሃና ድማ፡ “ኣይፋልን ጐይታይ! ኣነስ ብርቱዕ ጸቕጢ ዘሎኒ* ሰበይቲ እየ፣ ወይኒ ወይ ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰተኹን፣ ነፍሰይ* ደኣ እየ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘፍስስ ዘለኹ።+ 16  ክሳዕ ሕጂ ዘዛረበንስ፡ ብዝሒ ጓህን ጭንቅን እዩ እሞ፡ ንገረድካ ኸም ዘይትጠቅም ሰበይቲ ጌርካ ኣይትርኣያ” ኢላ መለሰትሉ። 17  ኤሊ ኸኣ፡ “ብሰላም ኪዲ፡ ኣምላኽ እስራኤል ድማ እቲ ዝለመንክዮ ልማኖኺ ይሃብኪ” ኢሉ መለሰላ።+ 18  ንሳ ኸኣ፡ “ገረድካ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ትርከብ” በለት። እታ ሰበይቲ ድማ መገዳ ኸደት፡ በልዐት ከኣ፡ ደጊም እውን ጓሂ ኣብ ገጻ ኣይተራእየን። 19  ኣንጊሆም ተንሲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰገዱ፣ ድሕሪኡ፡ ናብታ ኣብ ራማ ዘላ ቤቶም ተመልሱ።+ ኤልቃና ኸኣ ምስ ሰበይቱ ሃና ጾታዊ ርክብ ገበረ፡ የሆዋ ድማ ቈላሕታ ገበረላ።*+ 20  ኣብ ውሽጢ ዓመት* ከኣ፡ ሃና ጠነሰት፡ ወዲ እውን ወለደት፣ “ካብ የሆዋ እየ ለሚነዮ” ኢላ ድማ፡ ሳሙኤል* ኢላ ሰመየቶ።+ 21  ኤልቃና ኸኣ ምስ ኵሉ ቤተ ሰቡ ንየሆዋ ዓመታዊ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ መብጽዓን ኪስውእ ደየበ።+ 22  ሃና ግና ንሰብኣያ፡ “እዚ ሕጻን ጡብ ምስ ሓደገ፡ ከምጽኦ እየ፣ ሽዑ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺርአ፡ ንሓዋሩ ድማ ኣብኡ ኺነብር እዩ”+ በለቶ እምበር፡ ኣይደየበትን።+ 23  ኤልቃና ሰብኣያ ድማ፡ “ጽቡቕ ዝመሰለኪ* ግበሪ። ጡብ ክሳዕ እተሕድግዮ ጽንሒ። የሆዋ ደኣ እቲ ዝበልክዮ ይፈጽም” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ ተረፈት፣ ጡብ ክሳዕ እተሕድጎ ድማ ተጥብዎ ነበረት። 24  ጡብ ምስ ኣሕደገቶ፡ ሰለስተ ዓመት ዝገበረ ዝራብዕን ሓደ ኤፋ* ሓርጭን ሓደ ገንኢ ወይንን ተማሊኣ+ ናብ ሺሎ ኣደየበቶ፣ ነቲ ወዳ ምስኣ ወሲዳ ኸኣ ናብታ ኣብ ሺሎ ዘላ ቤት የሆዋ መጸት።+ 25  ነቲ ዝራብዕ ሓሪዶም ድማ፡ ነቲ ቘልዓ ናብ ኤሊ ኣምጽእዎ። 26  ንሳ ኸኣ፡ “ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ጐይታይ፡ ከምቲ ህያው ዝዀንካ፡* ጐይታይ፡ ኣነ እታ ኣብዛ ቦታ እዚኣ ናብ የሆዋ ኽትጽሊ ምሳኻ ደው ኢላ ዝነበረት ሰበይቲ እየ።+ 27  ብዛዕባ እዚ ቘልዓ እዚ እየ ጸልየ፣ የሆዋ ድማ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።+ 28  ኣነ ድማ ንየሆዋ እውፍዮ ኣለኹ። ምሉእ ዕድሚኡ ንየሆዋ ተወፍዩ እዩ” በለት። ንሱ* ኸኣ ኣብኡ ንየሆዋ ሰገደ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ራማ ዝዀነ ጹፋዊ።”
ወይ፡ “ኺሰግድን።”
ቃ.ቃ.፡ “ማሕጸና ዓጽዩ።”
ወይ፡ “ስለምንታይከ ኢኺ ልብኺ ሕማቕ ዚስምዖ፧”
ማለት፡ እቲ ማሕደር።
ወይ፡ “ነፍሳ ተመሪራ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መንፈሰይ እተጸቕጠ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘከራ።”
ወይ፡ “ብግዜኡ” ኪኸውን ይኽእል።
ትርጉሙ፡ “ስም ኣምላኽ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኣዒንትኺ ጽቡቕ ዝዀነ።”
ኣስታት 22 ሊ.። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ብህይወት ነፍስኻ።”
ንኤልቃና ዜመልክት ኪኸውን ኣለዎ።