1 ሳሙኤል 12:1-25

  • ሳሙኤል እተዛረቦ ናይ ስንብታ ዘረባ (1-25)

    • ‘ንኸንቱታት ኣይትስዓብዎም’ (21)

    • የሆዋ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ (22)

12  ሳሙኤል ድማ ንዅሎም እስራኤል ከምዚ በሎም፦ “እንሆ፡ ኵሉ እቲ ዝሓተትኩምኒ ገይረልኩም እየ፣* ኣብ ልዕሌኹም ከኣ ንጉስ ኣንጊሰልኩም እየ።+  ሕጂ ድማ፡ እቲ ዚመርሓኩም* ንጉስ እንሆ!+ ኣነ ኸኣ ኣሪገን ሸዪበን እየ፡ ደቀይ ድማ እነዉ ምሳኻትኩም ኣለዉ፣+ ኣነ ኸኣ ካብ ንእስነተይ ኣትሒዘ ኽሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ መሪሐኩም እየ።+  እነኹ፣ ኣብ ቅድሚ የሆዋን ኣብ ቅድሚ ቕቡኡን ብዛዕባይ መስክሩ፦+ ብዕራይ መን ወይ ኣድጊ መን ወሲደ፧+ ወይስ ንመን ዓሚጸ ወይ ጨፍሊቐ፧ ከም ዘይረኣኹ ክኸውንከ ኻብ ኢድ መን ጉቦ ተቐቢለ፧+ ከምኡ እንተ ገይረ፡ ክመልሰልኩም እየ።”+  ንሳቶም ከኣ፡ “ኣይዓመጽካናን፡ ወይ ኣይጨፍለቕካናን፡ ወይ ካብ ኢድ ዝዀነ ሰብ ገለ እኳ ኣይተቐበልካን” በልዎ።  ንሱ ድማ፡ “ዋላ ሓደ መኽሰሲ ኸም ዘይረኸብኩምለይ፡* በዛ መዓልቲ እዚኣ የሆዋ ምስክር እዩ፡ እቲ ቕቡኡ እውን ምስክር እዩ” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ምስክር እዩ” በሉ።  ሳሙኤል ድማ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “እቲ ብሙሴን ብኣሮንን ገይሩ ንኣቦታትና ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየቦም የሆዋ+ ምስክር እዩ።  ሕጂ ድማ፡ ብዛዕባ ዅሉ እቲ የሆዋ ንዓኻትኩምን ንኣቦታትኩምን ዝገበሮ ግብርታት ጽድቂ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፋረደኩምሲ፡ ደው በሉ።  “ያእቆብ ናብ ግብጺ ምስ ኣተወ፡+ ኣቦታትኩም ድማ ናብ የሆዋ ምስ ተማህለሉ፡+ የሆዋ፡ ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኼውጽእዎምን ኣብዛ ቦታ እዚኣ ኬቐምጥዎምን ኢሉ፡ ንሙሴን ንኣሮንን ሰደደሎም።+  ንሳቶም ግና ንየሆዋ ኣምላኾም ረስዕዎ፣ ንሱ ኸኣ ኣብ ኢድ ሲሰራ+ ሓለቓ ሰራዊት ሓጾርን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያንን+ ኣብ ኢድ ንጉስ ሞኣብን+ ሸጦም፡+ ንሳቶም እውን ተዋግእዎም። 10  ሽዑ፡ ንሳቶም፡ ‘ንየሆዋ ሓዲግናስ ንበዓላትን+ ንምስልታት ኣሽቶረትን ኣገልጊልና ኢና እሞ፡+ በዲልና ኢና፣+ ሕጂ ድማ ምእንቲ ኸነገልግለካ፡ ካብ ኢድ ጸላእትና ኣናግፈና’ ኢሎም ናብ የሆዋ ተማህለሉ።+ 11  የሆዋ ኸኣ ብደሓን ምእንቲ ኽትቅመጡ፡+ ንየሩብበዓልን+ ንበዳንን ንይፍታሕን+ ንሳሙኤልን+ ሰዲዱ፡ ካብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያኹም ዚነብሩ ጸላእትኹም ኣናገፈኩም። 12  ናሓሽ+ ንጉስ ዓሞናውያን ከም ዝመጸኩም ምስ ረኣኹም ድማ፡ የሆዋ ኣምላኽኩም ንጉስኩም ክነሱስ፡+ ‘ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና’ በልኩምኒ።+ 13  ሕጂ ኸኣ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ፡ እቲ ዝለመንኩምሉ እንሆ። እንሆ፡ የሆዋ ኣብ ልዕሌኹም ንጉስ ኣንጊሱ ኣሎ።+ 14  ንየሆዋ እንተ ፈሪህኩምዎን+ እንተ ኣገልጊልኩምዎን+ ድምጹ እንተ ተኣዚዝኩምን፡+ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዘይዓሊኹም፡ ንስኻትኩምን እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስን ድማ ንየሆዋ ኣምላኽኩም እንተ ስዒብኩም፡ ጽቡቕ። 15  ግናኸ፡ ድምጺ የሆዋ እንተ ዘይተኣዚዝኩም፡ ካብ ትእዛዝ የሆዋ ኸኣ እንተ ዓሊኹም፡ ኢድ የሆዋ ኣንጻርኩምን ኣንጻር ኣቦታትኩምን ክትከውን እያ።+ 16  ሕጂ ድማ፡ ደው በሉ እሞ፡ ነቲ የሆዋ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኹም ዚገብሮ ዓብዪ ነገር ርኣዩ። 17  ሎምስ ግዜ ዓጺድ ስርናይ ደይኰነን፧ ነጕድን ዝናምን ኪኸውን ናብ የሆዋ ኽምህለል እየ፣ ሽዑ፡ ንጉስ ብምልማንኩም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸመይ ዝበለ ኽፍኣት ከም ዝገበርኩም ክትፈልጡን ክትርእዩን ኢኹም።”+ 18  ሽዑ፡ ሳሙኤል ናብ የሆዋ ተማህለለ፣ የሆዋ ኸኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ነጕድን ዝናምን ገበረ፣ ስለዚ፡ ኵሎም እቶም ህዝቢ ንየሆዋን ንሳሙኤልን ኣዝዮም ፈርህዎም። 19  ኵሎም እቶም ህዝቢ ድማ ንሳሙኤል፡ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ሓጢኣትና፡ ንጉስ ብምልማንና ኻልእ ክፍኣት ወሲኽና ኢና እሞ፡ ምእንቲ ኸይንመውትሲ፡ ምእንቲ ገላዉኻ ናብ የሆዋ ኣምላኽካ ጸልየልና” በልዎ።+ 20  ሳሙኤል ከኣ ነቶም ህዝቢ ኸምዚ በሎም፦ “ኣይትፍርሁ። እዚ ዅሉ ኽፉእ እዝስ ጌርኩም ኢኹም። ንየሆዋ ኻብ ምስዓብ ጥራይ ኣይተላግሱ፣+ ንየሆዋ ድማ ብዅሉ ልብኹም ኣገልግልዎ።+ 21  እቶም ዘይጠቕሙን+ ዘየናግፉን ከንቱታት፡ ከንቱ ስለ ዝዀኑ፡+ ንዓታቶም ንምስዓብ ኣይተላግሱ። 22  የሆዋ ፈትዩ ህዝቡ ገይሩኩም እዩ እሞ፡+ የሆዋ ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ ኢሉ+ ንህዝቡ ኣይሓድጎን እዩ።+ 23  ኣነ ምእንታኹም ምጽላይ ብምሕዳግ ንየሆዋ ኽብድልሲ ኣባይ ዘይሕሰብ እዩ፣ እታ ጽብቕትን ቅንዕትን መገዲ ኸኣ ክምህረኩም እየ። 24  ንየሆዋ ጥራይ ፍርህዎ፡+ ብዅሉ ልብኹም ከኣ ብተኣማንነት* ኣገልግልዎ፣ እቲ ንዓኻትኩም ዝገበሮ ዓብዪ ነገር እሞ ርኣዩ።+ 25  ብንቕጽና ኽፉእ እንተ ጌርኩም ግና፡ ንስኻትኩምን ንጉስኩምን ክትኵስተሩ ኢኹም።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ እቲ ዝበልኩምኒ ቓልኩም ሰሚዐ።”
ቃ.ቃ.፡ “ቀቅድሜኹም ዚኸይድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ኢደይ ገለ እኳ ኸም ዘይረኸብኩም።”
ወይ፡ “ብሓቂ።”