1 ሳሙኤል 18:1-30

  • ዕርክነት ዳዊትን ዮናታንን (1-4)

  • ዓወታት ዳዊት ንሳኦል ኣቕንኦ (5-9)

  • ሳኦል ንዳዊት ኪቐትሎ ፈተነ (10-19)

  • ዳዊት ንሚካል ጓል ሳኦል ተመርዓዋ (20-30)

18  ዳዊት ምስ ሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ዮናታንን+ ዳዊትን ኣዝዮም ዚፋተዉ ኣዕሩኽ ኰኑ፣* ዮናታን ከኣ ከም ርእሱ* ገይሩ ፈተዎ።+ 2  ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ምስኡ ገበሮ፣ ናብ ቤት ኣቦኡ ኺምለስ እውን ኣይፈቐደሉን።+ 3  ዮናታን ንዳዊት ከም ርእሱ* ገይሩ ስለ ዝፈተዎ ድማ፡+ ኪዳን ተኣታተዉ።+ 4  ዮናታን ከኣ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ኣውጺኡ ንዳዊት ሃቦ፣ ክዳውንቱን ሰይፉን ቀስቱን ዕጣቑን እውን ሃቦ። 5  ዳዊት ከኣ ይወጽእ ነበረ፣ ሳኦል ኣብ ዝሰደዶ ዘበለ ድማ ይሰልጦ* ነበረ።+ ሳኦል ከኣ ኣብ ልዕሊ እቶም ተዋጋእቲ ሓለቓ ገበሮ፣+ እዚ ኸኣ ንዅሉ ህዝብን ንገላዉ ሳኦልን ባህ ኣበሎም። 6  ዳዊትን ካልኦትን ንፍልስጥኤማውያን ቀቲሎም ኪምለሱ ኸለዉ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላኦ ብደርፍን+ ብሳዕስዒትን ብኸበሮን+ ብታሕጓስን ብዑድን* ይወጻ ነበራ። 7  እተን ዚጻወታ ኣንስቲ ድማ ከምዚ ኢለን ይደርፋ ነበራ፦ “ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ።”+ 8  ሳኦል ከኣ ኣዝዩ ተቘጥዐ፣+ እዚ ደርፊ እዚ ድማ ኣጕሃዮ እሞ፡ “ንዳዊት ኣእላፋት ሂበናኦ፡ ንዓይ ግና ኣሽሓት ሂበናኒ። ነዚ ደኣ ንግስና ጥራይ እያ ተሪፋቶ” በለ።+ 9  ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር፡ ሳኦል ንዳዊት ወትሩ ብጥርጣረ ይርእዮ ነበረ። 10  ንጽብሒቱ፡ ካብ ኣምላኽ ክፉእ መንፈስ ናብ ሳኦል መጸ+ እሞ ኣብ ውሽጢ ቤቱ ዘይልሙድ ጠባይ ኣርኣየ፣* ዳዊት ከኣ ከም ካልእ ኣጋጣሚታት ብመሰንቆ* ሙዚቃ ይጻወት ነበረ።+ ሳኦል ድማ ኣብ ኢዱ ዂናት ነበሮ፣+ 11  ‘ንዳዊት ምስ መንደቕ ከላግቦ እየ’ ኢሉ ኸኣ ነቲ ዂናት ወርወሮ።+ ዳዊት ግና ክልተ ሳዕ ካብኡ ኣምለጠ። 12  የሆዋ ኻብ ሳኦል ኣልጊሱ+ ምስ ዳዊት ስለ ዝነበረ ድማ፡ ሳኦል ንዕኡ ፈርሆ።+ 13  ስለዚ፡ ሳኦል ካብኡ ኣርሒቑ ሓለቓ ሽሕ ገበሮ፣ ዳዊት ከኣ ነቲ ሰራዊት ናብ ውግእ ይመርሖ ነበረ።*+ 14  ዳዊት ድማ ኣብ ኵሉ ዚገብሮ ይሰልጦ* ነበረ፡+ የሆዋ እውን ምስኡ ነበረ።+ 15  ሳኦል ከኣ ብዙሕ ይሰልጦ ኸም ዘሎ ምስ ረኣየ፡ ፈርሆ። 16  ኵሎም እስራኤልን ይሁዳን ግና፡ ኣብ ወፈራታቶም ይመርሖም ስለ ዝነበረ፡ ንዳዊት ፈተውዎ። 17  ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “እታ ዓባይ ጓለይ ሜራብ እንሃ።+ ሰበይቲ ኽትኰነካ ኽህበካ እየ።+ ሓንትስ፡ ተባዕ ደኣ ዅነለይ፡ ውግእ የሆዋ ድማ ተዋጋእ” በሎ።+ ከመይሲ፡ ሳኦል፡ ‘ኢደይ ኣንጻሩ ኣይትኹን። ኢድ ፍልስጥኤማውያን ደኣ ትውቅዓዮ’ ኢሉ ነበረ።+ 18  ዳዊት ከኣ ንሳኦል፡ “ሰብኣይ ጓል ንጉስ ዝኸውንሲ ኣነ መን እየ፧ ቤተ ሰበይን ዓሌት ኣቦይንከ ኣብ እስራኤል መን እዮም፧” በሎ።+ 19  በታ ሜራብ ጓል ሳኦል ንዳዊት እትውሃበላ ግዜ ግና፡ ንዓድርኤል+ እቲ መሖላታዊ ሰበይቲ ኽትኰኖ ተዋሂባ ነበረት። 20  ሚካል+ ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ኣፍቀረቶ፣ እዚ ድማ ንሳኦል ተነግሮ፡ እቲ ነገር ከኣ ባህ ኣበሎ። 21  ሳኦል ድማ፡ “ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኣብ ልዕሊኡ ምእንቲ ኽትከውንሲ፡ መፈንጠራ ኽትኰኖ ንዓኣ ኽህቦ እየ” በለ።+ ስለዚ፡ ሳኦል ንዳዊት ካልኣይ ሳዕ፡ “ሎሚ ምሳይ ክትዋሰብ ኢኻ”* በሎ። 22  ሳኦል ከኣ ንገላዉኡ፡ “ንዳዊት፡ ‘እንሆ፡ ንጉስ ብኣኻ ባህ ኢልዎ ኣሎ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ይፈትዉኻ እዮም። ሕጂ ኸኣ ምስ ንጉስ ተዋሰብ’ ኢልኩም ብምስጢር ንገርዎ” ኢሉ ኣዘዞም። 23  እቶም ገላዉ ሳኦል እዚ ነገር እዚ ንዳዊት ምስ ነገርዎ፡ ዳዊት፡ “ኣነ ድኻን ሕሱርን ሰብኣይ ክነሰይ፡ ምስ ንጉስ ምውሳብሲ ቐሊል ነገር ድዩ ዚመስለኩም፧” በለ።+ 24  እቶም ገላዉ ሳኦል ከኣ፡ “ዳዊት እተዛረቦ ዘረባ እዚ እዩ” ኢሎም ነገርዎ። 25  ሳኦል ድማ፡ “ንዳዊት ከምዚ በልዎ፦ ‘ኣብቶም ጸላእቲ ንጉስ ሕነ ምእንቲ ኺፈድስ፡ ንጉስ ብዘይካ 100 ዕልቦ+ ፍልስጥኤማውያን፡ ካልእ ገዝሚ ኣይደልን እዩ’”+ በለ። ሳኦልሲ፡ ዳዊት ብኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪወድቕ ሓሲቡ ነበረ። 26  እቶም ገላዉኡ ድማ፡ እዚ ዘረባ እዚ ንዳዊት ነገርዎ፣ ዳዊት ምስ ንጉስ ኪዋሰብ፡ ንዕኡ ባህ ኣበሎ።+ ቅድሚ እቲ እተመደበ ግዜ ኸኣ፡ 27  ዳዊት ምስ ሰቡ ኸይዱ፡ 200 ፍልስጥኤማውያን ሰብኡት ቀተለ፣ ዳዊት ድማ ምስ ንጉስ ምእንቲ ኺዋሰብ፡ ምሉእ ቍጽሪ ዕልቦኦም ናብ ንጉስ ኣምጽአ። ስለዚ፡ ሳኦል ንሚካል ጓሉ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ።+ 28  ሳኦል ከኣ፡ የሆዋ ምስ ዳዊት ከም ዘሎ፡+ ሚካል ጓሉ እውን ከም ዘፍቀረቶ ተገንዘበ።+ 29  ብሰንኪ እዚ ድማ ሳኦል ንዳዊት ብዝያዳ ፈርሆ፣ ሳኦል ከኣ ብምሉኡ ዝተረፈ ህይወቱ ጸላእ ዳዊት ኰነ።+ 30  መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ድማ ናብ ውግእ ይወጹ ነበሩ፣ በብዝወጹሉ ግዜ ግና፡ ዳዊት ካብ ኵሎም ገላዉ ሳኦል ብዝያዳ ይሰልጦ* ነበረ፣+ ስሙ ኸኣ ኣዝዩ ኸበረ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከም ነፍሱ።”
ወይ፡ “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተኣስረት።”
ወይ፡ “ከም ነፍሱ።”
ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”
ዑድ ከም ጊታር እትመስል ናይ ኣውታር መሳርያ ሙዚቃ እያ።
ወይ፡ “ከም ነብዪ ዀነ።”
ወይ፡ “ብኽራር።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ይወጽእን ይኣቱን ነበረ።”
ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”
ወይ፡ “ሰብኣይ ጓለይ ኩነኒ።”
ወይ፡ “ብጥበብ ይመላለስ።”