1 ሳሙኤል 19:1-24

  • ሳኦል ንዳዊት ዝነበሮ ቐጻሊ ጽልኢ (1-13)

  • ዳዊት ካብ ሳኦል ኣምለጠ (14-24)

19  ሳኦል ድማ ንወዱ ዮናታንን ንዅሎም ገላዉኡን፡ ንዳዊት ብዛዕባ ምቕታል ተዛረቦም።+  ዮናታን ወዲ ሳኦል ንዳዊት ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፡+ ዮናታን ንዳዊት ከምዚ ኢሉ ነገሮ፦ “ኣቦይ ሳኦል ኬቕትለካ ይደሊ ኣሎ። በጃኻ፡ ተጠንቀቕ፣ ንግሆ ድማ፡ ናብ ስቱር ቦታ ኼድካ ተሓባእ።  ኣነ ኸኣ ከይደ ኣብታ ንስኻ እትህልዋ ግራት፡ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ደው ክብል እየ። ብዛዕባኻ ድማ ንኣቦይ ክዛረቦ እየ፣ ገለ ነገር እንተ ፈሊጠ ኸኣ፡ ብርግጽ ክነግረካ እየ።”+  ዮናታን ከኣ ንኣቦኡ ሳኦል፡ ብዛዕባ ዳዊት ጽቡቕ ተዛረቦ።+ ከምዚ ድማ በሎ፦ “ዳዊት ኣይበደለካን፡ ዝገበረልካ ነገር ድማ ጠቒሙካ እዩ እሞ፡ ንጉስ ብጊልያኡ ዳዊት ኣይሕጣእ።  ህይወቱ ቐቢጹ* እዩ ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲልዎ፣+ በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ የሆዋ ንዅሉ እስራኤል ዓብዪ ዓወት* ኣምጺኡ እዩ። ንስኻ እውን ነዚ ርኢኻስ ተሓጒስካ ኢኻ። ስለምንታይከ ንዳዊት ብዘይ ምኽንያት ብምቕታል ብንጹህ ደም እትሓጥእ፧”+  ሳኦል ከኣ ንዮናታን ሰምዖ፣ ሳኦል ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንሱ ኣይኪቕተልን እዩ” ኢሉ መሓለ።  ድሕርዚ፡ ዮናታን ንዳዊት ጸውዖ እሞ እዚ ዅሉ ነገሮ። ዮናታን ድማ ንዳዊት ናብ ሳኦል ኣምጽኦ፣ ንሱ ኸኣ ከም ቀደሙ የገልግሎ ነበረ።+  ከም ብሓድሽ ድማ ውግእ ኰነ፣ ዳዊት ከኣ ወጺኡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፡ ወቒዑ ድማ ብዙሓት ቀተለ፡ ካብ ቅድሚኡ እውን ሃደሙ።  ሳኦል ኲናቱ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ቤቱ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ኽፉእ መንፈስ ኣብ ልዕሊኡ መጸ፣+ ዳዊት ድማ መሰንቆ* ይወቅዕ ነበረ።+ 10  ሳኦል ከኣ በቲ ዂናት ምስቲ መንደቕ ኬላግቦ ፈተነ፣ ንሱ ግና ንሳኦል ኣስሓቶ እሞ፡ እቲ ዂናት ኣብቲ መንደቕ ተሸኽለ። ዳዊት ድማ ሃዲሙ በታ ለይቲ እቲኣ ኣምለጠ። 11  ሳኦል ከኣ ሕልው ሓዲሮም ንግሆ ምእንቲ ኪቐትልዎ፡ ናብ ቤት ዳዊት ልኡኻት ሰደደ፣+ ሚካል ሰበይቲ ዳዊት ግና፡ “ሎሚ ለይቲ እንተ ዘየምሊጥካ፡* ጽባሕ ክትመውት ኢኻ” ኢላ ነገረቶ። 12  ብኡብኡ፡ ሚካል ንዳዊት፡ ሃዲሙ ምእንቲ ኼምልጥ፡ ብመስኰት ኣውረደቶ። 13  ሚካል ከኣ ተራፊም* ወሲዳ ኣብ ዓራት ኣንበረቶ፣ ኣብ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ገበረትሉ፡ ብኽዳን እውን ከደነቶ። 14  ሳኦል ድማ ንዳዊት ኬምጽእዎ ልኡኻት ሰደደ፣ ንሳ ግና፡ “ሓሚሙ ኣሎ” በለት። 15  ሽዑ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪርእይዎ ልኡኻት ሰደደ፡ “ምእንቲ ክቐትሎስ፡ ብዓራቱ ጌርኩም ኣምጽኡለይ” ከኣ በሎም።+ 16  እቶም ልኡኻት ምስ ኣተዉ፡ ኣብቲ ዓራት ተራፊም* ነበረ፣ ኣብቲ ትርኣሱ ኸኣ መርበብ ጸጕሪ ጤል ነበረ። 17  ሽዑ፡ ሳኦል ንሚካል፡ “ስለምንታይ ከምዚ ጌርኪ ብምትላል ጸላእየይ ኬምልጥ ሰዲድክዮ፧” በላ።+ ሚካል ድማ ንሳኦል፡ “‘ክኸይድ ሕደግኒ፡ እንተ ዘይኰነስ ክቐትለኪ እየ’ ኢሉኒ” ኢላ መለሰትሉ። 18  ዳዊት ከኣ ሃዲሙ ኣምለጠ፡ ናብ ሳሙኤል ናብ ራማ ድማ መጸ።+ ኵሉ እቲ ሳኦል ዝገበሮ ኸኣ ነገሮ። ንሱን ሳሙኤልን ድማ ናብ ናዮት ከይዶም ኣብኡ ጸንሑ።+ 19  ንሳኦል ከኣ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ ናዮት ናይ ራማ ኣሎ” ተባሂሉ ተነግሮ። 20  ብኡብኡ፡ ሳኦል ንዳዊት ኪሕዙ ልኡኻት ሰደደ። ንሳቶም ድማ ዓበይቲ እቶም ነብያት ኪንበዩ፡ ሳሙኤል ከኣ ደው ኢሉ ኺመርሖም ምስ ረኣዩ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ልኡኻት ሳኦል መጸ እሞ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። 21  እዚ ንሳኦል ምስ ነገርዎ፡ ብኡብኡ ኻልኦት ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። ሳኦል ከኣ መሊሱ ሳልሳይ ጕጅለ ልኡኻት ሰደደ፡ ንሳቶም እውን ከም ነብያት ኰኑ። 22  ሽዑ፡ ንሱ እውን ናብ ራማ ኸደ። ናብቲ ኣብ ሴኩ ዘሎ ዓብዪ መዕቘር ማይ ምስ መጸ ድማ፡ “ሳሙኤልን ዳዊትን ኣበይ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተተ። ንሳቶም ከኣ፡ “ኣብቲ፡ ኣብ ናዮት ናይ ራማ” ኢሎም መለሱሉ።+ 23  ሳኦል ካብኡ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኪኸይድ ከሎ፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኡ እውን መጸ፣ ናብ ናዮት ናይ ራማ ኽሳዕ ዚመጽእ ድማ ኪኸይድ ከሎ ከም ነብዪ ዀይኑ ነበረ። 24  ክዳውንቱ ቐንጢጡ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ሳሙኤል ከም ነብዪ ዀነ፡ ምልእቲ እታ መዓልቲ እቲኣን ምልእቲ እታ ለይቲ እቲኣን ኣብኡ ጥራዩ* በጥ በለ። ስለዚ እዮም፡ “ሳኦል እውንዶ ምስ ነብያት እዩ፧” ዚብሉ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሱ ኣብ ኢዱ ኣንቢሩ።”
ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ክራር።”
ወይ፡ “ነፍስኻ እንተ ዘየድሒንካ።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፣ ጣኦት።”
ወይ፡ “ናይ ቤተ ሰብ ኣምላኽ፣ ጣኦት።”
ወይ፡ “ጥራይ ዝባኑ።”