1 ሳሙኤል 20:1-42

  • ዮናታን ንዳዊት ዝነበሮ ተኣማንነት (1-42)

20  ዳዊት ድማ ካብ ናዮት ናይ ራማ ሃደመ። ግናኸ፡ ናብ ዮናታን መጺኡ፡ “ኣቦኻ ንህይወተይ* ዚደልያ ዘሎስ፡ እንታይ እየ ገይረ፧+ ኣበሳይ እንታይ እዩ፧ እንታይከ እየ በዲለዮ፧” በለ።  ዮናታን ከኣ፡ “እዝስ ዘይሕሰብ እዩ!+ ኣይክትመውትን ኢኻ። እንሆ፡ ኣቦይ ንዓይ ከይነገረ ዓብዪ ዀነ ንእሽቶ ነገር ኣይገብርን እዩ። ስለምንታይ እዩ እሞ ነዚ ነገር እዚ ዚሓብኣለይ፧ እዝስ ዘይከውን እዩ” በሎ።  ዳዊት ግና መሊሱ፡ “ኣቦኻ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ ከም ዝረኸብኩ ብርግጽ ይፈልጥ እዩ፣+ ስለዚ ድማ፡ ‘ዮናታን ከይጕህስ፡ ነዚ ኣይፍለጦ’ ይብል እዩ። ግናኸ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ከምቲ ንስኻ* እውን ህያው ዝዀንካ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎ ሞትን ስጕምቲ ጥራይ እያ ተሪፋ ዘላ” በሎ።+  ሽዑ፡ ዮናታን ንዳዊት፡ “ዝበልካዮ* ዘበለ ኽገብረልካ እየ” በሎ።  ዳዊት ከኣ ንዮናታን፡ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እዩ፣+ ኣነ ድማ ክበልዕ ምስ ንጉስ ኮፍ ክብል ብርግጽ ትጽቢት ይግበረለይ እዩ፣ ስደደኒ እሞ፡ ክሳዕ ምሸት እታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኣብ መሮር ክሕባእ እየ።  ኣቦኻ እንተ ስኢኑኒ፡ ‘ንዅሎም ዓሌቱ ኣብኡ ዓመታዊ መስዋእቲ ኣለዎም እሞ፡ ዳዊት ናብ ከተማኡ ቤት-ልሄም+ ቀልጢፉ ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ’ በሎ።+  ‘ደሓን’ እንተ ኢሉ፡ ንጊልያኻ ሰላም ማለት እዩ። እንተ ተቘጢዑ ግና፡ ኪጐድኣኒ ኸም ዝቘረጸ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።  ንጊልያኻ ምሳኻ ኺዳን የሆዋ ኣእቲኻዮ ኢኻ እሞ፡+ ንጊልያኻ ብተኣማንነት ኣፍቅሮ።+ ኣበሳ እንተ ተረኺቡኒ ግና፡ ባዕልኻ ቕተለኒ።+ ስለምንታይከ ናብ ኣቦኻ እተሕልፈኒ፧” በሎ።  ዮናታን ከኣ፡ “ብዛዕባኻ ኸምዚ ዚብልዎ ሓሳብሲ ዘይሕሰብ እዩ! ኣቦይ ኪጐድኣካ ኸም ዝቘረጸ እንተ ፈሊጠስ፡ ኣይነግረካንዶ፧” በሎ።+ 10  ዳዊት ድማ ንዮናታን፡ “ኣቦኻ ተሪር ነገር እንተ መሊሱልካ ደኣ፡ መን ኪነግረኒ እዩ፧” በሎ። 11  ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “ንዓ ናብ መሮር ንውጻእ” በሎ። ክልቲኦም ድማ ናብ መሮር ወጹ። 12  ዮናታን ከኣ ንዳዊት ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ወይ ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸምዛ ግዜ እዚኣ ንኣቦይ ከም ዝምርምሮ፡ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ምስክር እዩ። ንዳዊት ጽቡቕ ሓሳብ እንተ ኣልይዎስ፡ ልኢኸዶ ኣይነግረካን እየ፧ 13  ግናኸ፡ ኣቦይ ኪጐድኣካ እንተ ሓሲቡ እሞ፡ ንዓኻ ነጊረ ብሰላም እንተ ዘይሰዲደካ፡ የሆዋ ንዮናታን ከምዚ ይግበሮ፡ ከምዚ እውን ይወስኮ። የሆዋ ድማ ከምቲ ምስ ኣቦይ ዝነበረ፡+ ምሳኻ ይኹን።+ 14  ብህይወት ከለኹ፡ ዋላ እውን ምስ ሞትኩስ፡ ከም የሆዋ ብተኣማንነት ከተፍቅረኒ ደይኰንካን፧+ 15  የሆዋ ንዅሎም ጸላእቲ ዳዊት ካብ ገጽ ምድሪ ምስ ደምሰሰ እኳ፡ ብተኣማንነት እተርእየኒ ፍቕሪ ኸቶ ኻብ ቤተይ ኣየቋርጽ።”+ 16  ዮናታን ድማ፡ “የሆዋ ይድለዮ፡ ንጸላእቲ ዳዊት ከኣ ተሓተትቲ ይግበሮም” ኢሉ ምስ ቤት ዳዊት ኪዳን ኣተወ። 17  ንሱ ኸም ርእሱ* ገይሩ ይፈትዎ ነበረ እሞ፡ ዮናታን ንዳዊት ከም ብሓድሽ በቲ ንዕኡ ዘለዎ ፍቕሪ ኣምሓሎ።+ 18  ዮናታን ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ጽባሕ ሰርቂ ወርሒ እያ፣+ መንበርካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ። 19  ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ብዝያዳ ኽትሰኣን ኢኻ፣ ናብታ ሓደ መዓልቲ* እተሓባእካላ ቦታ ኺድ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እዚ እምኒ ጽናሕ። 20  ኣነ ድማ ናብ ዕላማ ኸም ዝውርውር ኣምሲለ፡ ናብቲ ሓደ ጐድኑ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። 21  ጊልያ ምስ ሰደድኩ፡ ‘ኪድ፡ ነቲ ፍላጻታት ርኸቦ’ ኽብሎ እየ። ነቲ ጊልያ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ’ እንተ ኢለዮ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንዓኻ ሰላም ማለት እዩ፡ ዜስግእ እውን የልቦን እሞ፡ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። 22  ነቲ መንእሰይ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ’ እንተ ኢለዮ ግና፡ ሽዑ የሆዋ ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ። 23  ብዛዕባ እቲ ኣነን ንስኻን ዝኣቶናዮ ቓል፡+ የሆዋ ንዘለኣለም ኣብ መንጎና ይኹን።”+ 24  ዳዊት ድማ ኣብ መሮር ተሓብአ። ሰርቂ ወርሒ ምስ ኰነ፡ ንጉስ ኪበልዕ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ።+ 25  ንጉስ ከኣ ከም ልማዱ ኣብታ ኣብ መንደቕ እተጸግዐት መንበሩ ተቐመጠ። ዮናታን ድማ ፊት ንፊቱ ነበረ፣ ኣብኔር+ ከኣ ኣብ ጐድኒ ሳኦል ተቐሚጡ ነበረ፣ ቦታ ዳዊት ግና ጥራያ ነበረት። 26  ሳኦል ድማ፡ ‘ገለ ዀይኑስ ኣይነጽሀን።+ እወ፡ ኣይነጽሀን ኪኸውን ኣለዎ’ ኢሉ ሓሲቡ ነበረ እሞ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ገለ እኳ ኣይበለን። 27  ጽባሕ እታ ሰርቂ ወርሒ፡ ማለት ኣብታ ኻልአይቲ መዓልቲ እውን፡ ቦታ ዳዊት ጥራያ ነበረት። ሳኦል ከኣ ንወዱ ዮናታን፡ “ወዲ እሴይሲ+ ትማሊ ዀነ ሎሚ ናብ መኣዲ ዘይመጸ ስለምንታይ እዩ፧” በሎ። 28  ዮናታን ድማ ንሳኦል፡ “ዳዊት ናብ ቤት-ልሄም ኪኸይድ ፍቓድ ክህቦ ለሚኑኒ።+ 29  ‘ኣብታ ኸተማ ናይ ዓሌት መስዋእቲ ኣሎና፡ ሓወይ እውን ጸዊዑኒ እዩ እሞ፡ በጃኻ ክኸይድ ፍቐደለይ። ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ በጃኻ ምሉቝ ኢለ ኣሕዋተይ ክርኢ’ ኢሉኒ። ስለዚ እዩ ናብ መኣዲ ንጉስ ዘይመጸ” ኢሉ መለሰሉ። 30  ሳኦል ከኣ ብዮናታን ተቘጢዑ፡ “ኣታ ወዲ እታ ዓላዊት ገረድ፡ ንሕፍረትካን ንሕፍረት ኣዴኻን* ዚኸውን ንወዲ እሴይ ከም ዝሓረኻስ ዘይፈልጥ ድዩ መሲሉካ፧ 31  ወዲ እሴይ ብህይወቱ ኣብ ምድሪ ኽሳዕ ዘሎ፡ ንስኻን ንግስናኻን ኣይክትጸንዑን ኢኹም።+ ሕጂ ድማ፡ ንሱ ኺመውት እዩ እሞ፡* ልኢኽካ ኣምጽኣለይ” በሎ።+ 32  ዮናታን ግና ንኣቦኡ ሳኦል፡ “ስለምንታይ እዩ ዚመውት፧+ እንታይከ ገይሩ፧” በሎ። 33  ሳኦል ድማ ኪወቕዖ ኢሉ ዂናት ወርወረሉ፣+ ሽዑ፡ ዮናታን፡ ኣቦኡ ንዳዊት ኪቐትሎ ኸም ዝቘረጸ ፈለጠ።+ 34  ዮናታን ከኣ ብቝጥዓ ነዲዱ ኻብቲ መኣዲ ተንስአ፣ ኣቦኡ ንዳዊት ስለ ዘዋረዶ ምእንታኡ ጕህዩ ነበረ እሞ፡+ ኣብታ ድሕሪ ሰርቂ ወርሒ ዘላ ኻልአይቲ መዓልቲ እንጌራ ኣይበልዐን። 35  ንግሆ ድማ፡ ዮናታን ናብቲ ምስ ዳዊት ዝገበሮ ቘጸራ፡ ናብ መሮር ወጸ፣ መንእሰይ ጊልያ እውን ምስኡ ነበረ።+ 36  ነቲ ጊልያኡ ኸኣ፡ “በጃኻ እስከ ጐዪኻ ነቲ ዝውርውሮ ፍላጻታት ርኸቦ” በሎ። እቲ ጊልያ ድማ ጐየየ፣ ዮናታን ከኣ ፍላጻ ኽንዮኡ ወርወረ። 37  እቲ ጊልያ ናብታ ዮናታን ዝወርወራ ፍላጻ ዘላትላ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ዮናታን ነቲ ጊልያ ጸዊዑ፡ “እቲ ፍላጻስ ክንየውካ ደይኰነን፧” በሎ። 38  ዮናታን ድማ ነቲ ጊልያ ተዳህዩ፡ “ተሎ! ቀልጥፍ! ኣይትደንጒ!” በሎ። እቲ ጊልያ ዮናታን ከኣ ነቲ ፍላጻታት ኣርዩ ናብ ጐይታኡ ተመልሰ። 39  ነቲ ነገር፡ ዮናታንን ዳዊትን ጥራይ ይፈልጥዎ ነበሩ እምበር፡ እቲ ጊልያ ገለ እኳ ኣይፈለጠን። 40  ዮናታን ድማ ኣጽዋሩ ንጊልያኡ ሂቡ፡ “ኪድ፡ ናብ ከተማ ውሰዶ” በሎ። 41  እቲ ጊልያ ምስ ከደ፡ ዳዊት ካብ ጥቓኡ፡ ካብ ሸነኽ ደቡብ ተንስአ። ብገጹ ድማ ናብ ምድሪ ተደፊኡ፡ ሰለስተ ሳዕ ሰገደ፣ ንሓድሕዶም ከኣ ተሳዓዓሙ፡ ብሓደ ድማ በኸዩ፣ ምናዳ ዳዊት ኣዝዩ በኸየ። 42  ዮናታን ከኣ ንዳዊት፡ “‘የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ዘርአይን ኣብ መንጎ ዘርእኻን ንዘለኣለም ይኹን’+ ኢልና ኽልቴና ብስም የሆዋ ስለ እተማሓሓልና፡+ ብሰላም ኪድ” በሎ። ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኸደ፡ ዮናታን ድማ ናብ ከተማ ተመልሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ ዝበለቶ።”
ወይ፡ “ነፍሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ናይ ስራሕ መዓልቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሕፍረት ዕርቃን ኣዴኻን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱ ወዲ ሞት እዩ እሞ።”