1 ሳሙኤል 21:1-15

  • ዳዊት ኣብ ኖብ እንጌራ ምርኣይ በልዐ (1-9)

  • ዳዊት ኣብ ጋት ከም ዕቡድ መሰለ (10-15)

21  ዳዊት ድማ ናብ ኖብ+ ናብ ካህን ኣሒሜሌክ መጸ። ኣሒሜሌክ ንዳዊት ራዕራዕ እናበለ ተቐበሎ እሞ፡ “ስለምንታይ ደኣ ኢኻ በይንኻ ሰብ ዘይብልካ፧” በሎ።+  ዳዊት ድማ ንኻህን ኣሒሜሌክ፡ “ንጉስ ሓደ ነገር ክገብር ኣዚዙኒ፣ ግናኸ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ዝልእከካ ተልእኾን ብዛዕባ እቲ ዝሃብኩኻ ትእዛዝን ሓደ ሰብ እኳ ኣይፍለጥ’ ኢሉኒ። ኣነ ኸኣ ምስ ኣጕባዘይ ኣብ ሓንቲ ቦታ ኽንራኸብ ተቛጺረ እየ።  ሕጂ ድማ፡ ሓሙሽተ እንጌራ ምሳኻ እንተ ኣልዩ፡ ወይ ክትረኽቦ እትኽእል ዘበለ ሃበኒ” በሎ።  እቲ ኻህን ግና ንዳዊት፡ “ተራ እንጌራ የልቦን፣ እቶም ኣጕባዝ ናብ ኣንስቲ ዘይቀረቡ* እንተ ዀይኖም ግና፡+ ቅዱስ እንጌራ ኣሎ”+ ኢሉ መለሰሉ።  ዳዊት ከኣ ነቲ ኻህን፡ “ከምቲ ኣብ ዝቐደመ ኣጋጣሚታት ንወፈራ ኽወጽእ ከለኹ ዝነበረስ፡ ኣንስቲ ብርግጽ ናባና ኣይቀረባን።+ ተልእኾ ተራ ኪኸውን ከሎ እኳ ሰብነት እቶም ኣጕባዝ ቅዱስ ካብ ኰነ፡ ሎሚ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ቕዱስ ዘይከውን!” ኢሉ መለሰሉ።  እቲ ኻህን ድማ፡ ብዘይካ እቲ በታ እተወስደላ መዓልቲ ብሓድሽ እንጌራ ኺትካእ ተባሂሉ ኻብ ቅድሚ የሆዋ እተኣልየ እንጌራ ምርኣይ፡ እንጌራ ኣብኡ ስለ ዘይነበረ፡ ነቲ ቕዱስ እንጌራ ሃቦ።+  በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ ሓደ ኻብ ገላዉ ሳኦል ኣብኡ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐይዱ ነበረ። ንሱ ዶኤግ+ ዝስሙ ኤዶማዊ+ ኪኸውን ከሎ፡ ሓለቓ ጓሶት ሳኦል ነበረ።  ዳዊት ድማ ንኣሒሜሌክ፡ “ኲናት ወይ ሰይፊዶ ምሳኻ ኣሎ፧ ተልእኾ ንጉስ ህጹጽ ስለ ዝነበረ፡ ሰይፈይ ወይ ኣጽዋረይ ኣይተማላእኩን” በሎ።  እቲ ኻህን ከኣ፡ “ሰይፊ እቲ ንስኻ ኣብ ስንጭሮ* ኤላህ ዝቐተልካዮ+ ጐልያድ+ ኣብዚ ብዓለባ ተጠቕሊሉ ብድሕሪ እቲ ኤፎድ ኣሎ።+ ኣብዚ ንሱ ጥራይ እዩ ዘሎ እሞ፡ ክትወስዶ እንተ ደሊኻ፡ ውሰዶ” በሎ። ዳዊት ድማ፡ “ከምኡ ዝበለ የልቦን። ሃበኒ” በለ። 10  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ዳዊት ተንሲኡ ኻብ ሳኦል ሃደመ፣+ ናብ ኣኪሽ ንጉስ ጋት+ ከኣ መጸ። 11  ንኣኪሽ ድማ እቶም ገላዉኡ፡ “እዝስ ዳዊት፡ ንጉስ እታ ምድሪ ደይኰነን፧ እቲ እናሳዕስዓ፡‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’ኢለን ዝደረፋሉ ደይኰነን፧”+ 12  ዳዊት ከኣ ነዚ ዘረባ እዚ ኣብ ልቡ ኣንበሮ፣ ንኣኪሽ ንጉስ ጋት ድማ ኣዝዩ ፈርሆ።+ 13  ኣብ ቅድሚኦም ከኣ ኣእምሮ ዘይብሉ ብምምሳል፡+ ኣብ መንጎኦም* ከም ዕቡድ ኰነ። ንመዓጹ እቲ ኣፍ ደገ ኸኣ ሓናጠጦ፡ ልዛዩ እውን ብጭሕሙ ጀበብ ይብል ነበረ። 14  ኣኪሽ ድማ ንገላዉኡ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ዕቡድ ምዃኑ ትርእይዎ ኣለኹም። ስለምንታይ ናባይ ኣምጺእኩምዎ፧ 15  እዚ ኣብ ቅድመይ ኪዓብድ ዘምጻእኩምለይሲ፡ ዕቡዳትዶ ስኢነ እየ፧ እዚዶ ናብ ቤተይ ይኣቱ፧” በሎም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ካብ ጾታዊ ርክብ ተሓሪሞም።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዶም።”