1 ሳሙኤል 22:1-23

  • ዳዊት ኣብ ዓዱላምን ኣብ ሚጽጰን (1-5)

  • ሳኦል ንኻህናት ኖብ ኣቕተሎም (6-19)

  • ኣብያታር ኣምለጠ (20-23)

22  ዳዊት ድማ ካብኡ ኸይዱ+ ናብ በዓቲ ዓዱላም ኣምለጠ።+ ኣሕዋቱን ብዘለዉ ቤት ኣቦኡን እዚ ምስ ሰምዑ፡ ናብኡ ወረዱ።  ኵሎም እቶም ጭንቅን ዕዳን መረረትን* ዘለዎም ከኣ ናብኡ ተኣከቡ፣ ንሱ ድማ ሓለቓኦም ኰነ። ምስኡ ኸኣ ኣስታት 400 ሰብኡት ነበሩ።  ዳዊት ድማ ካብኡ ናብ ሚጽጰ ናይ ሞኣብ ከደ እሞ፡ ንንጉስ ሞኣብ፡+ “ኣምላኽ ዚገብረኒ ኽሳዕ ዝፈልጥሲ፡ በጃኻ ኣቦይን ኣደይን ምሳኻትኩም ይጽንሑ” በሎ።  ምስ ንጉስ ሞኣብ ከኣ ሓደጎም፣ ኣብ ኵሉ እቲ ዳዊት ኣብ ዕርዲ ዝነበረሉ እዋን ድማ፡ ንሳቶም ምስኡ ጸንሑ።+  ነብዪ ጋድ+ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብዚ ዕርዲ ኣይትቀመጥ። ካብኡ ናብ ምድሪ ይሁዳ ኺድ” በሎ።+ ስለዚ፡ ዳዊት ከይዱ ናብ ዱር ሓረት መጸ።  ሳኦል ድማ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰባትን ከም እተረኽቡ ሰምዐ። ሳኦል ከኣ ኣብ ጊብዓ+ ኣብ ትሕቲ ሓደ ኣብ በሪኽ ቦታ ዘሎ ኦም ዕቦል፡ ኲናቱ ሒዙ ተቐሚጡ ነበረ፣ ኵሎም ገላዉኡ ድማ ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ነበሩ።  ሽዑ፡ ሳኦል ነቶም ኣብ ዙርያኡ ደው ኢሎም ዘለዉ ገላዉኡ ኸምዚ በሎም፦ “ኣቱም ብንያማውያን፡ በጃኹም እስከ ስምዑ። ወዲ እሴይ+ እውንዶ ንዅላትኩም ግራውትን ኣታኽልቲ ወይንን ኪህበኩም እዩ፧ ንዅላትኩምዶኸ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ገይሩ ኺሸመኩም እዩ፧+  ኵላትኩም ውዲት ኣሊምኩምለይ ኣለኹም! ወደይ ምስ ወዲ እሴይ ኪዳን ከም እተኣታተወ፡ ሓደ እኳ ኣይነገረንን!+ ወደይ ንጊልያይ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ንምድባይ ኬለዓዕሎ ኸሎ፡ ካባኻትኩም ሓደ እኳ ዝደንገጸለይን ዝነገረንን የልቦን።”  ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ገላዉ ሳኦል ደው ኢሉ ዝነበረ ዶኤግ+ እቲ ኤዶማዊ፡+ “ወዲ እሴይ ናብ ኖብ ናብ ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብ መጺኡ ርእየዮ።+ 10  ንሱ ድማ ንየሆዋ ሓቲቱሉ፡ ስንቂ ኸኣ ሂብዎ። ሰይፊ ጐልያድ እቲ ፍልስጥኤማዊ እውን ሂብዎ”+ ኢሉ መለሰ። 11  ሽዑ፡ እቲ ንጉስ ንኻህን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣሒጡብን ንዅሎም እቶም ኣብ ኖብ ዝነበሩ ኻህናት ቤት ኣቦኡን ልኢኹ ጸውዖም። ኵላቶም ከኣ ናብ ንጉስ መጹ። 12  ሳኦል ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣሒጡብ፡ በጃኻ እስከ ስምዓኒ” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “እነኹ ጐይታይ” ኢሉ መለሰ። 13  ሳኦል ድማ፡ “ንዕኡ እንጌራን ሰይፍን ብምሃብካ፡ ንኣምላኽ እውን ብምሕታትካ፡ ንስኻን ወዲ እሴይን ስለምንታይ ኢኹም ውዲት ዝኣለምኩምለይ፧ ንሱ ይጻረረኒ ኣሎ፡ ከምዚ ሕጂ ገይርዎ ዘሎ ኸኣ ኣድብዩለይ ኣሎ” በሎ። 14  ኣሒሜሌክ ድማ ንንጉስ፡ “ካብ ኵሎም ገላዉኻኸ ኸም ዳዊት ገይሩ እሙን ዝዀነ መን ኣሎ፧+ ንሱ ሰብኣይ ጓል ንጉስን+ ሓለቓ ዘብዐኛታትካን ኣብ ቤትካ ኽቡርን እዩ።+ 15  ሎሚ ድየ ንፈለማ ግዜ ንኣምላኽ ሓቲተሉ፧+ እዚ እትብሎ ዘለኻ፡ ብኣይ ዘይሕሰብ እዩ! ጊልያኻ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገር እዚ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እዩ እሞ፡ ንጉስ ንጊልያኡን ንብዘላ ቤት ኣቦይን ዋላ ሓንቲ ኣይሓዘሎም” ኢሉ መለሰሉ።+ 16  ንጉስ ግና፡ “ኣሒሜሌክ፡ ንስኻን ብዘላ ቤት ኣቦኻን ብርግጽ ክትሞቱ ኢኹም” በለ።+ 17  ንጉስ ከኣ ነቶም ኣብ ዙርያኦም ደው ኢሎም ዝነበሩ ሓለውቲ፡* “ምስ ዳዊት ስለ ዝወገኑ፡ ዜርኩም ንኻህናት የሆዋ ቕተልዎም! ከም ዝሃደመ ፈሊጦም ክነሶም ኣይነገሩንን” በሎም። እቶም ገላዉ ንጉስ ግና ንኻህናት የሆዋ ኪወቕዑ ኢሎም ኢዶም ኬልዕሉ ኣይደለዩን። 18  ንጉስ ድማ ንዶኤግ፡+ “ንስኻ ዜርካ ነዞም ካህናት ውቕዓዮም!” በሎ። ብኡብኡ፡ ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ+ ኸይዱ፡ ነቶም ካህናት ወቕዖም። በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ፡ በፍታ ኤፎድ እተኸድኑ 85 ሰብኡት ቀተለ።+ 19  ንኖብ+ ከተማ ኻህናት እውን ብሰይፊ ወቕዓ፣ ሰብኡትን ኣንስትን፡ ቈልዑን ሕጻናትን፡ ብዕራይን ኣድግን በጊዕን ብሰይፊ ወቕዐ። 20  ኣብያታር+ ዝስሙ ወዲ ኣሒሜሌክ፡ ወዲ ኣሒጡብ ግና ኣምለጠ፡ ንዳዊት ኪስዕብ ከኣ ሃደመ። 21  ኣብያታር ከኣ ንዳዊት፡ “ሳኦል ንኻህናት የሆዋ ቐቲልዎም” ኢሉ ነገሮ። 22  ዳዊት ድማ ንኣብያታር፡ “ዶኤግ እቲ ኤዶማዊ ኣብኡ ኸሎ፡ ንሳኦል ብርግጽ ከም ዚነግሮ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ፈሊጠ ነይረ።+ ብሞት ኵሎም* ቤት ኣቦኻ ኣነ ተሓታቲ እየ። 23  ምሳይ ኩን። እቲ ንህይወትካ* ዚደልያስ፡ ንህይወተይ* ይደልያ እዩ እሞ፡ ኣብ ትሕቲ ዕቝባይ ኢኻ፡ ኣይትፍራህ” በሎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ነፍሶም እተመረረትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ጐየይቲ።”
ወይ፡ “ብነፍሳት ኵለን።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”