1 ሳሙኤል 23:1-29

  • ዳዊት ንኸተማ ቅዒላ ኣድሓና (1-12)

  • ሳኦል ንዳዊት ሰዓቦ (13-15)

  • ዮናታን ንዳዊት ኣበርትዖ (16-18)

  • ዳዊት ካብ ሳኦል ንስክላ ኣምለጠ (19-29)

23  ንዳዊት ድማ፡ “ፍልስጥኤማውያን ምስ ቅዒላ+ ይዋግኡ ኣለዉ፡ ኣዕውዲ እውን ይወርሩ ኣለዉ” ተባሂሉ ተነግሮ።  ዳዊት ከኣ ንየሆዋ፡ “ከይደዶ ነዞም ፍልስጥኤማውያን ክወቕዖም፧” ኢሉ ሓተቶ።+ የሆዋ ድማ ንዳዊት፡ “ኪድ፡ ንፍልስጥኤማውያን ውቕዓዮም፡ ንቅዒላ እውን ኣናግፋ” በሎ።  ግናኸ፡ ንዳዊት፡ እቶም ሰቡ፡ “እንሆ፡ ንሕና ኣብዚ ኣብ ይሁዳ ኸለና እኳ ንፈርህ ኣለና፣+ ናብ ቅዒላ ኣንጻር ሰልፈኛታት ፍልስጥኤማውያን እንተ ኼድና ግዳ ኽንደይ ዘይገድድ!” በልዎ።+  ሽዑ፡ ዳዊት ንየሆዋ መሊሱ ሓተቶ።+ የሆዋ ኸኣ፡ “ኣነ ንፍልስጥኤማውያን ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ እሞ፡ ተንሲእካ ናብ ቅዒላ ውረድ” ኢሉ መለሰሉ።+  ዳዊት ድማ ምስ ሰቡ ናብ ቅዒላ ኸይዱ ምስ ፍልስጥኤማውያን ተዋግአ፣ ማሎም ከኣ ዘመተ፣ ንዓታቶም ወቒዑ እውን ብዙሓት ቀተለ። በዚ ኸምዚ፡ ዳዊት ንነበርቲ ቅዒላ ኣናገፎም።+  ኣብያታር+ ወዲ ኣሒሜሌክ ድማ፡ ናብ ዳዊት ናብ ቅዒላ ሃደመ፣ ኤፎድ ከኣ ምስኡ ነበረ።  ንሳኦል ድማ፡ “ዳዊት ናብ ቅዒላ መጺኡ” ተባሂሉ ተነግሮ። ሳኦል ከኣ፡ “መዓጹን ተገዳማትን ናብ ዘለዋ ኸተማ ኣትዩ ተዓጽዩ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ ኣብ ኢደይ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ኣሎ”*+ በለ።  ሳኦል ድማ ናብ ቅዒላ ወሪዶም ንዳዊትን ንሰቡን ኪኸብብዎም ኢሉ፡ ኵሉ ህዝቢ ንውግእ ኣኽተተ።  ዳዊት ግና ሳኦል ክፉእ ከም ዝኣለመሉ ምስ ፈለጠ፡ ንኻህን ኣብያታር፡ “ኤፎድ ኣምጽእ” በሎ።+ 10  ዳዊት ከኣ፡ “ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ ሳኦል ናብ ቅዒላ መጺኡ ብሰረይ ነዛ ኸተማ ኼጥፍኣ ኸም ዝሓሰበ፡ ጊልያኻ ብርግጽ ሰሚዑ ኣሎ።+ 11  መራሕቲ* ቅዒላ ኣብ ኢዱ ኣሕሊፎምዶ ኺህቡኒ እዮም፧ ሳኦልከ ኸምቲ ጊልያኻ ዝሰምዖ ኺወርድ ድዩ፧ ኦ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ በጃኻ ንጊልያኻ ንገሮ” በለ። የሆዋ ድማ፡ “እወ ኺወርድ እዩ” በለ። 12  ዳዊት ከኣ፡ “መራሕቲ ቅዒላኸ ንዓይን ንሰበይን ኣብ ኢድ ሳኦል ኣሕሊፎምዶ ኺህቡና እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። የሆዋ ድማ፡ “ኣሕሊፎም ኪህቡኻ እዮም” ኢሉ መለሰ። 13  ሽዑ፡ ዳዊትን እቶም ኣስታት 600 ሰቡን ተንሲኦም ካብ ቅዒላ ወጹ፡+ ኪኸድዎ ናብ ዚኽእሉ ዘበለ ድማ ከዱ። ንሳኦል ከኣ ዳዊት ካብ ቅዒላ ኸም ዘምለጠ ምስ ተነግሮ፡ ደድሕሪኡ ኣይወጸን። 14  ዳዊት ድማ ኣብ በረኻ፡ ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታት፡ ኣብ ኣኽራን በረኻ ዚፍ ይቕመጥ ነበረ።+ ሳኦል ከኣ ኵሉ ሳዕ ይደልዮ ነበረ፣+ የሆዋ ግና ኣብ ኢዱ ኣይሃቦን። 15  ዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኣብ ሖሬሽ ከሎ ድማ፡ ሳኦል ንህይወቱ* ኺደልያ ኸም ዝወጸ፡ ዳዊት ፈለጠ።* 16  ዮናታን ወዲ ሳኦል ከኣ ናብ ዳዊት ናብ ሖሬሽ ከደ፣ ብየሆዋ ኺብርትዕ ድማ ሓገዞ።*+ 17  “ኣቦይ ሳኦል ኣይኪረኽበካን እዩ፣ ንስኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክትነግስ ኢኻ፡+ ኣነ እውን ካልኣይካ ክኸውን እየ፣ ነዚ ድማ ኣቦይ ሳኦል ፈሊጥዎ እዩ እሞ፡+ ኣይትፍራህ” ከኣ በሎ። 18  ክልቲኦም ድማ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኺዳን ተኣታተዉ፣+ ዳዊት ከኣ ኣብ ሖሬሽ ጸንሐ፣ ዮናታን ድማ ናብ ቤቱ ኸደ። 19  ሰብ ዚፍ ከኣ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ+ ደዪቦም ከምዚ በሉ፦ “ዳዊት ኣብ ጥቓና+ ኣብ ሖሬሽ+ ኣብቲ ንምብጻሑ ዜጸግም ቦታታት፡ ኣብታ ብደቡብ* የሺሞን*+ ዘላ ዅርባ ሓኪላ+ ተሓቢኡዶ የሎን፧ 20  ኦ ንጉስ፡ ኣብ ባህ ዝበለካ* ግዜ ውረድ፡ ንሕና ድማ ኣብ ኢድ ንጉስ ኣሕሊፍና ኽንህቦ ኢና።”+ 21  ሳኦል ከኣ ከምዚ በለ፦ “ራሕሪሕኩምለይ ኢኹም እሞ፡ ብየሆዋ ተባረኹ። 22  ንሱ ኣዝዩ ጐራሕ ከም ዝዀነ ተነጊሩኒ ኣሎ እሞ፡ በጃኹም ኬድኩም ብልክዕ ኣበይ ከም ዘሎን መን ኣብኡ ኸም ዝረኣዮን ክትፈልጡ ፈትኑ። 23  ኵሉ መሕብኢታቱ ኣበይ ከም ዝዀነ ተጠንቂቕኩም ኣረጋግጹ፣ መርትዖ ሒዝኩም ከኣ ናባይ ተመለሱ። ሽዑ፡ ኣነ ምሳኻትኩም ክኸይድ እየ፣ ኣብታ ምድሪ እንተ ኣልዩ ድማ፡ ኣብ መንጎ ኣሽሓት* ይሁዳ ኽደልዮ እየ።” 24  ንሳቶም ከኣ ተንሲኦም ቀቅድሚ ሳኦል ናብ ዚፍ ከዱ፣+ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ በረኻ ማዖን፡+ ኣብ ዓራባ+ ብደቡብ የሺሞን ነበሩ። 25  ሳኦል ከኣ ምስ ሰቡ ኺደልዮ መጸ።+ ንዳዊት ምስ ተነግሮ ድማ፡ ናብቲ ኸውሒ+ ወሪዱ፡ ኣብ በረኻ ማዖን ጸንሐ። ሳኦል ከኣ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ደድሕሪ ዳዊት ናብ በረኻ ማዖን ሰዓበ። 26  ሳኦል ድማ ናብ ሓደ ሸነኽ እቲ ኸረን መጸ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ በቲ ሓደ ሸነኽ እቲ ኸረን ነበሩ። ዳዊት ከኣ ካብ ሳኦል ኪሃድም ይቀላጠፍ ነበረ፣+ ሳኦልን ሰቡን ግና ንዳዊትን ንሰቡን ኪሕዝዎም ይቐርቡ ነበሩ።+ 27  ሽዑ ግና፡ ልኡኽ ናብ ሳኦል መጺኡ፡ “ፍልስጥኤማውያን ነዛ ምድሪ ወሪሮምዋ ኣለዉ እሞ፡ ቀልጢፍካ ንዓ!” በሎ። 28  ሳኦል ድማ ደድሕሪ ዳዊት ምስዓብ ሓዲጉ፡+ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪገጥም ከደ። ስለዚ እያ እታ ቦታ እቲኣ ኸውሒ ኽፍፍል ተባሂላ እተሰምየት። 29  ዳዊት ከኣ ካብኡ ደዪቡ ንምብጻሑ ኣብ ዜጸግም ቦታታት ኣብ ዔን-ገዲ ተቐመጠ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ናብ ኢደይ ሸይጥዎ ኣሎ።”
ወይ፡ “ሰብ መሬት” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ንነፍሱ።”
ወይ፡ “ብምውጻኡ፡ ዳዊት ፈርሀ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ድማ ብየሆዋ ኣበርትዐ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብየማን።”
ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ኣብቲ ንነፍስኻ ባህ ዝበላ።”
ወይ፡ “እንዳታት።”