1 ሳሙኤል 24:1-22
24 ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስጓጕ ምስ ተመልሰ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።+
2 ሳኦል ድማ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ወሲዱ፡ ንዳዊትን ንሰቡን ኪደልዮም ናብ ኣጻድፍ ኣኻውሕ ወይጠል ከደ።
3 ሳኦል ናብቲ ጥቓ መገዲ ዘሎ ደምበታት ኣባጊዕ መጸ፣ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ። ንሱ ኸኣ ጾር ኬፋዅስ* ኣተወ፣ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።+
4 ሽዑ፡ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ “እታ የሆዋ፡ ‘እንሆ፡ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ እህበካ ኣለኹ፡+ ጽቡቕ ዝመሰለካ ዘበለ ድማ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ ዝበለካ መዓልቲ፡ እዚኣ እያ” በልዎ። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ኸይዱ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ቈረጸ።
5 ግናኸ፡ ዳዊት ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ድሕሪኡ ልቡ* ወቕዖ።+
6 ነቶም ሰቡ ድማ፡ “ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻሩ ብምልዓል፡ ንጐይታይ ቅቡእ የሆዋ እዚ ኽገብሮስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎም።+
7 ዳዊት ከኣ በዘን ቃላት እዚአን ንሰቡ ዓገቶም፡* ንሳኦል ኬጥቅዕዎ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ ኸደ።
8 ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ካብቲ በዓቲ ወጸ፡ ደድሕሪ ሳኦል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ ጸውዐ።+ ሳኦል ከኣ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ፣ ዳዊት ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።
9 ዳዊት ከኣ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዘረባ እቶም፡ ‘እንሆ፡ ዳዊት ኪጐድኣካ ይደሊ ኣሎ’ ዚብሉኻ ሰባት ስለምንታይ እትሰምዕ፧+
10 በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብቲ በዓቲ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኸም ዝነበረ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ሓደ ድማ ክቐትለካ ምስ ተዛረበኒ፡+ ኣነ ደንጊጸልካስ፡ ‘ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻር ጐይታይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ።+
11 ኣቦየ፡ ርአ፣ እወ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ክቘርጽ ከለኹ ኣይቀተልኩኻን እሞ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ኣብ ኢደይ ርአ። ክጐድኣካ ወይ ክዓሉ ኸም ዘይሓስብ ክትፈልጥን ክትርእን ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ህይወተይ* ከተጥፍእ እናሃደንካኒ ኽነስኻስ፡+ ኣነ ኣይበደልኩኻን።+
12 የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ ሕነ ይፍደየለይ፣+ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ።+
13 ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ዚብሎ፡ ‘ካብ እኩይ እከይ ይወጽእ፡’ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ።
14 ንጉስ እስራኤልከ ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፧ ንመንከ ኢኻ እትሰጕጎ ዘለኻ፧ ንምዉት ከልቢ፧ ንሓደ ቝንጪ፧+
15 የሆዋ ዳኛ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣ ንሱ ንጕዳየይ ይርኣየለይን ይማጐተለይን+ ይፍረደለይን፡ ካብ ኢድካ እውን የናግፈኒ።”
16 ዳዊት ነዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ሳኦል፡ “እዚ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ሳኦል ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ።
17 ንዳዊት ድማ ከምዚ በሎ፦ “ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ክፉእ ፈድየካ እየ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ።+
18 እወ፡ የሆዋ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ ብዘይምቕታልካ፡ ዝገበርካለይ ጽቡቕ ሎሚ ነጊርካኒ ኢኻ።+
19 ንጸላኢኡ ረኺቡ፡ ከይጐድአ ዚሰድዶ ሰብዶ ኣሎ፧ ስለቲ ሎሚ ዝገበርካለይ፡ የሆዋ ጽቡቕ ይፍደኻ።+
20 ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ክትነግስ ምዃንካ፡ መንግስቲ እስራኤል እውን ኣብ ኢድካ ኸም እትጸንዕ እፈልጥ እየ።+
21 ሕጂ ኸኣ፡ ድሕረይ ንዘርአይ ከይትድምስሶን ስመይ ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍእን፡+ ብየሆዋ ምሓለለይ።”+
22 ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ፣ ድሕርዚ፡ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ።+ ዳዊትን ሰቡን ግና፡ ናብ ዕርዲ ኸዱ።+