1 ሳሙኤል 24:1-22

  • ዳዊት ንህይወት ሳኦል ነሓፋ (1-22)

    • ዳዊት ንቕቡእ የሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት (6)

24  ሳኦል ንፍልስጥኤማውያን ካብ ምስጓጕ ምስ ተመልሰ፡ “እንሆ፡ ዳዊት ኣብ በረኻ ዔን-ገዲ ኣሎ” ኢሎም ነገርዎ።+  ሳኦል ድማ ካብ ኵሉ እስራኤል እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ወሲዱ፡ ንዳዊትን ንሰቡን ኪደልዮም ናብ ኣጻድፍ ኣኻውሕ ወይጠል ከደ።  ሳኦል ናብቲ ጥቓ መገዲ ዘሎ ደምበታት ኣባጊዕ መጸ፣ ኣብኡ ኸኣ በዓቲ ነበረ። ንሱ ኸኣ ጾር ኬፋዅስ* ኣተወ፣ ዳዊትን ሰቡን ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ በዓቲ ተቐሚጦም ነበሩ።+  ሽዑ፡ ንዳዊት እቶም ሰቡ፡ “እታ የሆዋ፡ ‘እንሆ፡ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ እህበካ ኣለኹ፡+ ጽቡቕ ዝመሰለካ ዘበለ ድማ ክትገብሮ ትኽእል ኢኻ’ ዝበለካ መዓልቲ፡ እዚኣ እያ” በልዎ። ዳዊት ከኣ ተንሲኡ ቐስ ኢሉ ኸይዱ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ቈረጸ።  ግናኸ፡ ዳዊት ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ድሕሪኡ ልቡ* ወቕዖ።+  ነቶም ሰቡ ድማ፡ “ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻሩ ብምልዓል፡ ንጐይታይ ቅቡእ የሆዋ እዚ ኽገብሮስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎም።+  ዳዊት ከኣ በዘን ቃላት እዚአን ንሰቡ ዓገቶም፡* ንሳኦል ኬጥቅዕዎ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓቲ ተንሲኡ ኸደ።  ሽዑ፡ ዳዊት ተንሲኡ፡ ካብቲ በዓቲ ወጸ፡ ደድሕሪ ሳኦል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ ጸውዐ።+ ሳኦል ከኣ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ፣ ዳዊት ድማ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ ሰገደ።  ዳዊት ከኣ ንሳኦል ከምዚ በሎ፦ “ዘረባ እቶም፡ ‘እንሆ፡ ዳዊት ኪጐድኣካ ይደሊ ኣሎ’ ዚብሉኻ ሰባት ስለምንታይ እትሰምዕ፧+ 10  በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ኣብቲ በዓቲ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ኸም ዝነበረ ኣዒንትኻ ርእየን እየን። ሓደ ድማ ክቐትለካ ምስ ተዛረበኒ፡+ ኣነ ደንጊጸልካስ፡ ‘ንሱ ቕቡእ የሆዋ እዩ እሞ፡ ኢደይ ኣንጻር ጐይታይ ኣየልዕልን እየ’ ኢለ።+ 11  ኣቦየ፡ ርአ፣ እወ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ክቘርጽ ከለኹ ኣይቀተልኩኻን እሞ፡ ጫፍ እቲ እጅገ ዘይብሉ ናይ ላዕሊ ቐምሽካ ኣብ ኢደይ ርአ። ክጐድኣካ ወይ ክዓሉ ኸም ዘይሓስብ ክትፈልጥን ክትርእን ትኽእል ኢኻ፣ ንስኻ ህይወተይ* ከተጥፍእ እናሃደንካኒ ኽነስኻስ፡+ ኣነ ኣይበደልኩኻን።+ 12  የሆዋ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣+ የሆዋ ኸኣ ንዓኻ ሕነ ይፍደየለይ፣+ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ።+ 13  ከምቲ ምስላ ቐዳሞት ዚብሎ፡ ‘ካብ እኩይ እከይ ይወጽእ፡’ ኢደይ ግና ኣንጻርካ ኣይክትከውንን እያ። 14  ንጉስ እስራኤልከ ደድሕሪ መን እዩ ወጺኡ ዘሎ፧ ንመንከ ኢኻ እትሰጕጎ ዘለኻ፧ ንምዉት ከልቢ፧ ንሓደ ቝንጪ፧+ 15  የሆዋ ዳኛ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን ይፍረድ፣ ንሱ ንጕዳየይ ይርኣየለይን ይማጐተለይን+ ይፍረደለይን፡ ካብ ኢድካ እውን የናግፈኒ።” 16  ዳዊት ነዚ ዘረባ እዚ ንሳኦል ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ሳኦል፡ “እዚ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ሳኦል ከኣ ዓው ኢሉ በኸየ። 17  ንዳዊት ድማ ከምዚ በሎ፦ “ጽቡቕ ጌርካለይ ኢኻ፡ ኣነ ኸኣ ክፉእ ፈድየካ እየ እሞ፡ ካባይሲ ንስኻ ትጸድቕ።+ 18  እወ፡ የሆዋ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ምስ ሃበኒ ብዘይምቕታልካ፡ ዝገበርካለይ ጽቡቕ ሎሚ ነጊርካኒ ኢኻ።+ 19  ንጸላኢኡ ረኺቡ፡ ከይጐድአ ዚሰድዶ ሰብዶ ኣሎ፧ ስለቲ ሎሚ ዝገበርካለይ፡ የሆዋ ጽቡቕ ይፍደኻ።+ 20  ሕጂ ድማ እንሆ፡ ንስኻ ብርግጽ ክትነግስ ምዃንካ፡ መንግስቲ እስራኤል እውን ኣብ ኢድካ ኸም እትጸንዕ እፈልጥ እየ።+ 21  ሕጂ ኸኣ፡ ድሕረይ ንዘርአይ ከይትድምስሶን ስመይ ካብ ቤት ኣቦይ ከይተጥፍእን፡+ ብየሆዋ ምሓለለይ።”+ 22  ዳዊት ድማ ንሳኦል መሓለሉ፣ ድሕርዚ፡ ሳኦል ናብ ቤቱ ኸደ።+ ዳዊትን ሰቡን ግና፡ ናብ ዕርዲ ኸዱ።+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣእጋሩ ኪኸድን።”
ወይ፡ “ሕልናኡ።”
ወይ፡ “በተኖም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነፍሰይ።”