1 ሳሙኤል 26:1-25

  • ዳዊት ንህይወት ሳኦል መሊሱ ነሓፋ (1-25)

    • ዳዊት ንቕቡእ የሆዋ ዝነበሮ ኣኽብሮት (11)

26  ሰብ ዚፍ+ ድማ ናብ ሳኦል ናብ ጊብዓ+ መጺኦም፡ “ዳዊት ኣብቲ ኣብ መንጽር የሺሞን* ዘሎ ዅርባ ሓኪላዶ ተሓቢኡ የሎን፧”+ በልዎ።  ሽዑ፡ ሳኦል ተንሲኡ፡ ንዳዊት ኣብ በረኻ ዚፍ ኪደልዮ፡ ካብ እስራኤል ምስ እተሓርዩ 3,000 ሰብኡት ናብ በረኻ ዚፍ ወረደ።+  ሳኦል ከኣ ኣብታ ኣብ መንጽር የሺሞን፡ ኣብ ጥቓ መገዲ ዘላ ዅርባ ሓኪላ ሰፈረ። ሽዑ፡ ዳዊት ኣብቲ በረኻ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሳኦል ደድሕሪኡ ናብቲ በረኻ ኸም ዝመጸ ድማ ፈለጠ።  ዳዊት ከኣ፡ ሳኦል ብርግጽ ከም ዝመጸ ንምርግጋጽ፡ ሰለይቲ ሰደደ።  ዳዊት ድማ ናብታ ሳኦል ዝሰፈራ ቦታ ኸደ፣ ዳዊት ከኣ ሳኦልን ኣብኔር+ ወዲ ኔር እቲ ሓለቓ ሰራዊቱን ዝደቀሱላ ቦታ ረኣየ። ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር ደቀሰ፣ ሰራዊቱ ኸኣ ኣብ ዙርያኡ ሰፊሮም ነበሩ።  ሽዑ፡ ዳዊት ንኣሒሜሌክ እቲ ሔታውን+ ንኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ+ ሓው ዮኣብን፡ “ናብቲ ሰፈር ናብ ሳኦል መን ምሳይ ይወርድ፧” በሎም። ኣቢሻይ ድማ፡ “ኣነ ምሳኻ እወርድ” ኢሉ መለሰሉ።  ዳዊትን ኣቢሻይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ሰራዊት መጹ፣ ሳኦል ድማ ኣብ እተሓጽረ ሰፈር በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኲናቱ እውን ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ሰራዊትን ከኣ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ።  ሽዑ፡ ኣቢሻይ ንዳዊት፡ “ሎሚ፡ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ ኣሎ።+ ሕጂ ኸኣ፡ ሓንሳእ ብዂናት ምስ ምድሪ ኸላግቦስ በጃኻ ሕደገኒ፣ ክደግሞ እውን ኣየድልየንን እዩ” በሎ።  ዳዊት ግና ንኣቢሻይ፡ “ኢዱ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ+ ኣልዒሉስ ንጹህ ኰይኑ ኪቕጽል ዚኽእል መን ኣሎ፧+ ስለዚ፡ ኣይትጕድኣዮ” በሎ። 10  ዳዊት ድማ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ የሆዋ ባዕሉ ኺወቕዖ እዩ፡+ ወይ መዓልቱ መጺኣ+ ኺመውት እዩ፡ ወይ ናብ ውግእ ወሪዱ ኺጠፍእ እዩ።+ 11  ኢደይ ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኸልዕልሲ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ!+ ሕጂ ድማ፡ በጃኻ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ውሰዶ እሞ፡ ንኺድ” በለ። 12  ዳዊት ከኣ ነቲ ዂናትን ነቲ ዃዳ ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም እውን ከዱ። የሆዋ ኸቢድ ድቃስ ኣደቂስዎም ስለ ዝነበረ፡ ኵላቶም ደቂሶም ነበሩ እሞ፡ ሓደ እኳ ዝረኣዮም፡ ወይ ዝፈለጠ፡ ወይ ዝነቕሐ ኣይነበረን።+ 13  ዳዊት ድማ ናብ ስግር ተሳገረ፣ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ደው በለ፣ ኣብ መንጎኦም እውን ገፊሕ ቦታ ነበረ። 14  ዳዊት ድማ ነቶም ሰራዊትን ንኣብኔር+ ወዲ ኔርን፡ “ኣብኔር፡ ኣይትምልስን ዲኻ፧” ኢሉ ጸውዖም። ኣብኔር ከኣ፡ “ኣታ ንንጉስ እትጽውዕ፡ መን ኢኻ፧” ኢሉ መለሰ። 15  ዳዊት ድማ ንኣብኔር ከምዚ በሎ፦ “ንስኻስ ሰብኣይ ደይኰንካን፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን ኣሎ፧ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሓሎኻዮ፧ ሓደ ኻብ ተዋጋእትስ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ።+ 16  እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም እቲ ቕቡእ የሆዋ ስለ ዘይሓሎኹምዎ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ሞት እዩ ዚግብኣኩም።+ ሕጂ ኸኣ ርአ! እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዂናት ንጉስን ኳዳ ማይን ኣበይ ኣሎ፧”+ 17  ሳኦል ድማ ድምጺ ዳዊት ኣለልዩ፡ “እዝስ ድምጽኻ ድዩ፡ ዳዊት ወደይ፧” በለ።+ ዳዊት ከኣ፡ “ድምጸይ እዩ፡ ጐይታይ ንጉስ” ኢሉ መለሰ። 18  ወሲኹ ድማ ከምዚ በለ፦ “ስለምንታይ እዩ ጐይታይ ንጊልያኡ ዚሰጕጎ ዘሎ፧+ እንታይ እየ ገይረ፧ እንታይከ እየ በዲለ፧+ 19  በጃኻ ጐይታይ ንጉስ፡ ዘረባ ጊልያኡ ይስማዕ፦ እቲ ኣንጻረይ ዝደፋፍኣካ የሆዋ እንተ ዀይኑ፡ መስዋእቲ እኽለይ ይቀበል።* ደቂ ሰብ እንተ ደፋፊኦምኻ ግና፡+ ምስ ርስቲ የሆዋ ሓድነት ከይህልወኒ፡+ ‘ኪድ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልግል’ ኢሎም ሎሚ ሰጒጎምኒ እዮም እሞ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርጉማት ይኹኑ። 20  ሕጂ ኸኣ፡ ንጉስ እስራኤል ንቖቛሕ ኣብ ኣኽራን ከም ዚሃድን ኰይኑ፡ ንሓደ ቝንጪ ኺደሊ ወጺኡ እዩ እሞ፡+ ደመይ ካብ ቅድሚ የሆዋ ተፈልዩ ናብ ምድሪ ኣይፍሰስ።” 21  ሽዑ፡ ሳኦል፡ “ኣነ እየ በዲለ።+ ዳዊት ወደይ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንህይወተይ* ስለ ዘኽበርካያ፡+ ኣይክጐድኣካን እየ እሞ፡ ተመለስ። እወ፡ ዓሽየ፡ ብዙሕ እውን ተጋግየ እየ” በለ። 22  ዳዊት ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እቲ ዂናት ንጉስ እንሆ። ሓደ ኻብቶም ኣጕባዝ ይሳገር እሞ ይውሰዶ። 23  ሎሚ የሆዋ ንዓኻ ኣብ ኢደይ ሂቡኒ ነይሩ፡ ኣነ ግና ኣንጻር ቅቡእ የሆዋ ኢደይ ምልዓል ኣብየ እየ እሞ፡+ ንነፍሲ ወከፍ ከም ጽድቁን ከም ተኣማንነቱን ዚፈድዮ የሆዋ እዩ።+ 24  እንሆ፡ ከምቲ ህይወትካ* በዛ መዓልቲ እዚኣ ኣባይ ዝኸበረት፡ ከምኡ ኸኣ ህይወተይ* ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ትኽበር፡ ካብ ኵሉ ጭንቂ እውን የናግፈኒ።”+ 25  ሳኦል ድማ ንዳዊት፡ “ዳዊት ወደይ፡ ተባረኽ። ብርግጽሲ ዓብዪ ነገራት ክትገብር ኢኻ፣ ብርግጽ እውን ክትዕወት ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ።+ ዳዊት ከኣ መገዱ ኸደ፣ ሳኦል ድማ ናብ ቦታኡ ተመልሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምድረ በዳ፣ በረኻ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “የጫንዎ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ።”