1 ሳሙኤል 27:1-12

  • ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ጺቅላግ ሃብዎ (1-12)

27  ዳዊት ግና ብልቡ፡ “ሓደ መዓልቲ ብኢድ ሳኦል ክጠፍእ እየ። ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን እንተ ኣምለጥኩ ይሕሸኒ።+ ሽዑ፡ ሳኦል ኣብ ኵላ ሃገር እስራኤል ንዓይ ምድላይ ኪሓድጎ እዩ፣+ ኣነ እውን ካብ ኢዱ ኸምልጥ እየ” በለ።  ዳዊት ድማ ተንሲኡ ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ 600 ሰብኡት+ ናብ ኣኪሽ+ ወዲ ማዖክ፡ ንጉስ ጋት ከደ።  ዳዊት ከኣ፡ ንሱን ሰቡን፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ እውን መምስ ቤተ ሰቡ፡ ምስ ኣኪሽ ኣብ ጋት ተቐመጠ። ምስ ዳዊት ድማ ክልቲአን ኣንስቱ፡ ኣሒኖዓም+ ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል+ እታ ቀርሜሎሳዊት ሰበይቲ ናባልን ነበራ።  ንሳኦል፡ ዳዊት ናብ ጋት ከም ዝሃደመ ምስ ተነግሮ ኸኣ፡ ንዕኡ ምድላይ ሓደጎ።+  ዳዊት ድማ ንኣኪሽ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ሞገስ እንተ ረኺበስ፡ ኣብኣ ምእንቲ ክቕመጥ፡ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ገጠር ዘለዋ ኸተማታት ቦታ ይወሃበኒ። ስለምንታይ ጊልያኻ ምሳኻ ኣብ ከተማ ንጉስ ዚቕመጥ፧” በሎ።  ኣኪሽ ከኣ በታ መዓልቲ እቲኣ ጺቅላግ+ ሃቦ። ስለዚ እያ ጺቅላግ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ናይ ነገስታት ይሁዳ ዝዀነት።  ንውሓት እቲ ዳዊት ኣብ ገጠር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠሉ ግዜ፡* ዓመትን ኣርባዕተ ወርሕን ነበረ።+  ዳዊትን ሰቡን ድማ ደዪቦም ንጌሹራውያንን+ ንጊርዛውያንን ንኣማሌቃውያንን+ ይወርርዎም ነበሩ፣ ንሳቶምሲ ኣብታ ኻብ ጠላም ክሳብ ሹር፡+ ክሳብ ምድሪ ግብጺ ዘላ ምድሪ ይነብሩ ነበሩ።  ዳዊት ነታ ምድሪ ኼጥቅዓ ኸሎ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን ነበረ፣+ ግናኸ፡ ጤለ በጊዕን ከብትን ኣእዱግን ኣግማልን ክዳውንትን ይወስድ እሞ፡ ድሕሪኡ ናብ ኣኪሽ ይምለስ ነበረ። 10  ኣኪሽ ከኣ፡ “ሎሚኸ ኣበይ ወሪርኩም፧” ኢሉ ይሓትቶ ነበረ። ዳዊት ድማ፡ “ኣብ ደቡብ* ይሁዳ”+ ወይ “ኣብ ደቡብ የራሕምኤላውያን”+ ወይ “ኣብ ደቡብ ቄናውያን”+ ኢሉ ይምልሰሉ ነበረ። 11  ዳዊት ከኣ፡ “‘ዳዊት ከምዚ ገይሩ’ ኢሎም ብዛዕባና ኸይነግርዎም” ኢሉ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ብህይወት ኣይሓድግን፡ ናብ ጋት እውን ኣየምጽኦምን ነበረ። (ኣብ ገጠር ፍልስጥኤማውያን ኣብ እተቐመጠሉ ዅሉ ግዜ ድማ፡ ልማዱ ኸምኡ ነበረ።) 12  ስለዚ፡ ኣኪሽ ንዳዊት፡ ‘ኣብ መንጎ ህዝቡ እስራኤል ብርግጽ ሕማቕ ጨና ዀይኑ እዩ እሞ፡ ንሓዋሩ ጊልያይ ኪኸውን እዩ’ ኢሉ ኣመኖ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ቍጽሪ እተን ዳዊት ኣብ ገጠር ፍልስጥኤማውያን እተቐመጠለን መዓልትታት።”
ወይ፡ “ነጌብ።”