1 ሳሙኤል 28:1-25

  • ሳኦል ኣብ ዔን-ዶር ናብ እትርከብ ጠያቒት መናፍስቲ ኸደ (1-25)

28  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ፍልስጥኤማውያን ምስ እስራኤል ኪዋግኡ ሰራዊቶም ኣኽተቱ።+ ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ንስኻን ሰብካን ምሳይ ናብ ውግእ ከም እትወጹ መሸም ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ።+  ዳዊት ከኣ ንኣኪሽ፡ “እቲ ጊልያኻ ዚገብሮ ብርግጽ ትፈልጥ ኢኻ” በሎ። ኣኪሽ ድማ ንዳዊት፡ “ስለዚ፡ ኵሉ ሳዕ ሓላው ርእሰይ ክገብረካ እየ” በሎ።+  ሳሙኤል ከኣ ሞይቱ ነበረ፣ ኵሎም እስራኤል ድማ ሓዚኖምሉን ኣብ ራማ ኣብታ ኸተማኡ ቐቢሮምዎን ነበሩ።+ ሳኦል ከኣ ንጠየቕቲ መናፍስትን ንጠንቈልትን ካብታ ሃገር ኣወጊድዎም ነበረ።+  ፍልስጥኤማውያን ድማ ኣኽቲቶም መጺኦም፡ ኣብ ሹነም+ ሰፈሩ። ሳኦል ከኣ ንዅሉ እስራኤል ኣኽተተ፣ ኣብ ጊልቦዓ ድማ ሰፈሩ።+  ሳኦል ከኣ ነቲ ሰፈር ፍልስጥኤማውያን ምስ ረኣዮ፡ ፈርሀ፡ ልቡ እውን ኣዝዩ ራዕራዕ በለ።+  ሳኦል ንየሆዋ እኳ እንተ ሓተቶ፡+ የሆዋ ግና ብሕልምታት ኰነ፡ ብኡሪም+ ኰነ፡ ብነብያት ኰነ ኣይመለሰሉን።  ሽዑ፡ ሳኦል ንገላዉኡ፡ “ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ርኸቡለይ፣+ ኣነ ድማ ከይደ ምኽሪ ኽሓትታ እየ” በሎም። እቶም ገላዉኡ ኸኣ፡ “እንሆ፡ ኣብ ዔን-ዶር+ ጠያቒት መናፍስቲ ዝዀነት ሰበይቲ ኣላ” ኢሎም መለሱሉ።  ሳኦል ድማ ትርኢቱ ለዊጡ፡ ካልእ ክዳውንቲ ተኸዲኑ፡ ምስ ክልተ ኻብ ሰቡ ብለይቲ ናብታ ሰበይቲ ኸደ። “መናፍስቲ ብምጥያቕ፡ በጃኺ ጠንቍልለይ፣+ ነቲ ኣነ ዝብለኪ ኸኣ ኣተንስእለይ” ድማ በላ።  እታ ሰበይቲ ግና፡ “እቲ ሳኦል ዝገበሮ፡ ነቶም ጠየቕቲ መናፍስትን ጠንቈልትን ካብዛ ሃገር ከም ዘወገዶም፡ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ።+ ስለምንታይ ደኣ ኸተቕትለኒ ኢልካ መጻወድያ ትገብረለይ፧”* በለቶ።+ 10  ሳኦል ከኣ፡ “ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ በዚ ነገር እዚ በዳሊት ኣይክትኰንን ኢኺ” ኢሉ ብየሆዋ መሓለላ። 11  ሽዑ፡ እታ ሰበይቲ፡ “ንመን ከተንስኣልካ፧” በለቶ። ንሱ ድማ፡ “ንሳሙኤል ኣተንስእለይ” በላ። 12  እታ ሰበይቲ “ንሳሙኤል”* ምስ ረኣየቶ፡+ ዓው ኢላ ጨደረት እሞ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣታሊልካኒ፧ ንስኻ ሳኦል ኢኻ!” በለቶ። 13  ንጉስ ድማ፡ “ኣይትፍርሂ፡ እንታይ ግዳ ትርእዪ ኣለኺ፧” በላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፡ “ከም ኣምላኽ ዚመስል ካብ ምድሪ ኺወጽእ እርኢ ኣለኹ” ኢላ መለሰትሉ። 14  ሽዑ፡ ንሱ፡ “ትርኢቱኸ ኸመይ ይመስል፧” በላ። ንሳ ድማ፡ “እጅገ ዘይብሉ ቐምሽ ላዕሊ እተኸድነ ኣረጊት ሰብኣይ ይወጽእ ኣሎ” በለት።+ ሽዑ፡ ሳኦል፡ ንሱ “ሳሙኤል” ምዃኑ ፈለጠ፡ ብገጹ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉ እውን ሰገደ። 15  “ሳሙኤል” ከኣ ንሳኦል፡ “ስለምንታይ ኣተንሲእካ እትርብሸኒ፧” በሎ። ሳኦል ድማ፡ “ኣብ ብርቱዕ ጭንቂ እየ ዘለኹ። ፍልስጥኤማውያን ይዋግኡኒ ኣለዉ፣ ኣምላኽ ከኣ ርሒቑኒ፡ ብነብያት ኰነ፡ ብሕልምታት ኰነ ኣይምልሰለይን እዩ ዘሎ።+ ስለዚ እየ ዝገብሮ ኽትነግረኒ ዝጽውዓካ ዘለኹ” ኢሉ መለሰሉ።+ 16  “ሳሙኤል” ድማ ከምዚ በለ፦ “የሆዋ ኻብ ረሓቐካ፡+ ተጻራሪኻ እውን ካብ ኰነ ደኣ፡ ስለምንታይ ኢኻ እትሓትተኒ፧ 17  የሆዋ ኸምቲ ብኣይ እተዛረቦ ኺገብር እዩ፦ የሆዋ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድካ መንጢሉ ንብጻይካ ዳዊት ኪህቦ እዩ።+ 18  ድምጺ የሆዋ ስለ ዘይተኣዘዝካን እቲ ዚነድድ ቍጥዓኡ ኣብ ኣማሌቃውያን ስለ ዘይፈጸምካዮን፡+ ስለዚ እዩ የሆዋ በዛ መዓልቲ እዚኣ እዚ ዚገብረካ ዘሎ። 19  የሆዋ ኸኣ ንእስራኤልን ንዓኻን ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን+ ኪህበኩም እዩ፣ ጽባሕ ድማ ንስኻን+ ደቅኻን+ ምሳይ ክትኰኑ ኢኹም። የሆዋ ኸኣ ንሰራዊት እስራኤል ኣብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ኪህቦም እዩ።”+ 20  ሽዑ፡ ሳኦል ብምሉእ ቍመቱ ናብ ምድሪ ወደቐ፡ ብዘረባ “ሳሙኤል” ድማ እምብዛ ፈርሀ። ምሉእ መዓልትን ምሉእ ለይትን ምግቢ ኣይበልዐን ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ ገለ ሓይሊ እኳ ኣይነበሮን። 21  እታ ሰበይቲ ናብ ሳኦል ምስ መጸትን ኣመና ኸም እተረበሸ ምስ ረኣየትን ከኣ፡ “እንሆ፡ ገረድካ ዝበልካኒ ተኣዚዘ፡ ህይወተይ ቀቢጸ*+ ድማ ዝበልካኒ ገይረ። 22  ሕጂ ኸኣ፡ በጃኻ ገረድካ እትብለካ ስማዕ። ቍራስ እንጌራ ኣብ ቅድሜኻ ኸንብረልካ እየ እሞ፡ መገድኻ ንምኻድ ሓይሊ ኽትረክብሲ ብላዕ” በለቶ። 23  ንሱ ግና፡ “ኣይበልዕን” ኢሉ ኣበየ። ገላዉኡን እታ ሰበይትን ግና ግዲ በልዎ። ንሱ ድማ ሰምዖም፡ ካብ ምድሪ ተንሲኡ ኸኣ፡ ኣብ ዓራት ተቐመጠ። 24  እታ ሰበይቲ ድማ ኣብ ቤታ ስቡሕ ምራኽ ነበራ፣ ተቐላጢፋ ኸኣ ሓረደቶ፣* ሓርጭ ወሲዳ ድማ ለዊሳ፡ ቅጫ ሰንከተት። 25  ንሳኦልን ንገላዉኡን ከኣ ኣቕረበትሎም፣ ንሳቶም ድማ በልዑ። ድሕርዚ፡ ተንሲኦም በታ ለይቲ እቲኣ ኸዱ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነፍሰይ መጻወድያ ትገብረላ፧”
ወይ፡ “ነቲ ንሳሙኤል ዚመስል።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ኣብ ኢደይ ኣንቢረ።”
ወይ፡ “ሰውኣቶ።”