1 ሳሙኤል 29:1-11

  • ፍልስጥኤማውያን ንዳዊት ኣይኣመንዎን (1-11)

29  ፍልስጥኤማውያን+ ድማ ኵሉ ሰራዊቶም ኣብ ኣፌቅ ኣኽተቱ፣ እስራኤላውያን ከኣ ኣብ ይዝርኤል+ ኣብ ጥቓ ዓይኒ ማይ ሰፊሮም ነበሩ።  እቶም ጐይተት ፍልስጥኤማውያን ድማ በብሚእትን በብሽሕን ኰይኖም ይሓልፉ ነበሩ፣ ዳዊትን ሰቡን ከኣ ምስ ኣኪሽ ብድሕሪት ይጕዓዙ ነበሩ።+  መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ “እዞም እብራውያን እዚኦም ኣብዚ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ፧” በሉ። ኣኪሽ ድማ ንመሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን፡ “እዚ ምሳይ ዝያዳ ዓመት ዝገበረ ዳዊት ጊልያ ሳኦል ንጉስ እስራኤል እዩ።+ ካብታ ኸዲዑ ናባይ ዝመጸላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩሉን” ኢሉ መለሰሎም።  እቶም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና ተቘጥዕዎ፡ “ነዚ ሰብኣይ ምለሶ።+ ናብታ ዝመደብካሉ ቦታ ይመለስ። ኣብ ውግእ ኣንጻርና ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ናብ ውግእ ምሳና ኣይውረድ።+ ሞገስ ጐይታኡ ንምርካብ፡ ካብ ኣራእስ ሰብና ዝሓሸ እንታይ መገዲ ኣለዎ፧  እዝስ እቲ እናሳዕስዓ፡ ‘ሳኦል ኣሽሓቱ ቐተለ፡ዳዊት ከኣ ኣእላፋቱ’ኢለን ዝደረፋሉ ዳዊት ደይኰነን፧” ድማ በልዎ።+  ኣኪሽ+ ከኣ ንዳዊት ጸዊዑ፡ “ካብታ ናባይ ዝመጻእካላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ ዋላ ሓንቲ ጕድለት ኣይረኸብኩልካን እሞ፡+ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንስኻ ቕኑዕ ኢኻ፡ ኣነ እውን ኣብ ወፈራ ምስ ሰራዊተይ ምኻድካ ባህ ይብለኒ እዩ።+ እዞም ጐይተት ግና ኣይኣመኑኻን።+  እምበኣር፡ ብሰላም ተመለስ፡ ንጐይተት ፍልስጥኤማውያን ዜጕሂ ድማ ገለ እኳ ኣይትግበር” በሎ።  ዳዊት ግና ንኣኪሽ፡ “ስለምንታይ፧ እንታይ እየ ገይረ፧ ምሳኻ ኸይደ ምስ ጸላእቲ ጐይታይ ንጉስ ዘይዋጋእሲ፡ ካብታ ናባኻ ዝመጻእኩላ መዓልቲ ኽሳዕ ሎሚ እንታይ ጕድለት ረኺብካለይ፧” በሎ።  ኣኪሽ ከኣ ንዳዊት፡ “ኣብ ቅድመይ ከም መልኣኽ ኣምላኽ ጽቡቕ ኢኻ።+ እዞም መሳፍንቲ ፍልስጥኤማውያን ግና፡ ‘ናብ ውግእ ምሳና ኣይደይብ’ ኢሎም ኣለዉ። 10  ሕጂ ድማ፡ ምስቶም ምሳኻ ዝመጹ ገላዉ ጐይታኻ ኣንጊህካ ተንስእ፣ ኣንጊህኩም ተንሲእኩም ከኣ ምስ በርሃልኩም ኪዱ” በሎ። 11  ዳዊትን ሰቡን ድማ ናብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ኪምለሱ ኣንጊሆም ተንስኡ፣ እቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ናብ ይዝርኤል ደየቡ።+

እግረ ጽሑፍ