1 ሳሙኤል 30:1-31

  • ኣማሌቃውያን ወሪሮም ንጺቅላግ ኣንደድዋ (1-6)

    • ዳዊት ብኣምላኽ በርትዐ (6)

  • ዳዊት ንኣማሌቃውያን ሰዓሮም (7-31)

    • ዳዊት፡ ምሩኻት ኣምለሰ (18, 19)

    • ዳዊት ብዛዕባ ምርኮ ዘቘሞ ስርዓት (23, 24)

30  ዳዊትን ሰቡን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ጺቅላግ+ ምስ መጹ፡ ኣማሌቃውያን+ ንደቡብን* ንጺቅላግን ወሪሮም ነበሩ፣ ንጺቅላግ ኣጥቂዖም ድማ ብሓዊ ኣንዲዶምዋ ነበሩ።  ንኣንስትን+ ንዅሎም ኣብኣ ዝጸንሑን ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ ማሪኾም ነበሩ። ግናኸ፡ ማሪኾም ደኣ መገዶም ከዱ እምበር፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይቀተሉን።  ዳዊትን ሰቡን ናብታ ኸተማ ምስ መጹ ኸኣ፡ ብሓዊ ነዲዳ ረኸብዋ፣ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ከኣ ተማሪኾም ነበሩ።  ሽዑ፡ ዳዊትን እቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።  ክልቲአን ኣንስቲ ዳዊት፡ ኣሒኖዓም ብዓልቲ ይዝርኤልን ኣቢጋይል ሰበይቲ ናባል እቲ ቀርሜሎሳውን ከኣ ተማሪኸን ነበራ።+  ኵሎም እቶም ህዝቢ* ብዛዕባ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኣዝዮም ተመሪሮም ነበሩ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ንዳዊት ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎ ይዛረቡ ስለ ዝነበሩ፡ ኣዝዩ ጨነቖ። ዳዊት ግና ብየሆዋ ኣምላኹ በርትዐ።+  ዳዊት ድማ ንኻህን ኣብያታር+ ወዲ ኣሒሜሌክ፡ “በጃኻ ኤፎድ ናብዚ ኣምጽእ” በሎ።+ ኣብያታር ከኣ ነቲ ኤፎድ ናብ ዳዊት ኣምጽኦ።  ዳዊት ድማ ንየሆዋ፡ “ነዚ ዘማቲ ጭፍራስ ክስዕቦዶ፧ ከርክቦምዶኸ እየ፧” ኢሉ ሓተቶ።+ ንሱ ኸኣ፡ “ብርግጽ ከተርክቦም ኢኻ፡ ከተናግፍ እውን ኢኻ እሞ፡ ኪድ ስዓብ” በሎ።+  ብኡብኡ፡ ዳዊት ምስቶም ምስኡ ዝነበሩ 600 ሰብኡት ነቐለ፣+ ክሳብ ርባ* በሶር ድማ ከዱ፣ ኣብኡ ኸኣ ገሊኦም ድሕሪት ተረፉ። 10  ዳዊትን 400 ሰብኡትን ድማ ሰዓቡ፣ 200 ሰብኡት ግና ደኺሞም ንርባ በሶር ምስጋር ስኢኖም ድሕሪት ተረፉ።+ 11  ኣብ መሮር ከኣ ሓደ ግብጻዊ ሰብኣይ ረኸቡ እሞ፡ ናብ ዳዊት ወሰድዎ። ንዕኡ ድማ ዚብላዕ እንጌራን ዚስተ ማይን ሃብዎ፣ 12  ቍራስ ጎጎ በለስን ክልተ ጎጎ ዘቢብን ከኣ ሃብዎ። እንጌራ ኸይበልዐ ወይ ማይ ከይሰተየ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ገይሩ ነበረ እሞ፡ ምስ በልዐ፡ ሓይሉ ተሓደሰ።* 13  ዳዊት ከኣ፡ “ንስኻ ናይ መን ኢኻ፧ ካበይከ ኢኻ፧” በሎ። ንሱ ድማ፡ “ኣነ ግብጻዊ ጊልያ፡ ባርያ ኣማሌቃዊ ሰብኣይ እየ፣ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝሓመምኩ ግና፡ ጐይታይ ሓዲጉኒ። 14  ንሕና ኣብ ደቡብ* ክረታውያንን+ ኣብ ናይ ይሁዳን ኣብ ደቡብ* ካሌብን+ ወሪርና፣ ንጺቅላግ ከኣ ብሓዊ ኣንዲድናያ” በለ። 15  ዳዊት ድማ፡ “ናብቲ ዘማቲ ጭፍራዶ መሪሕካ ተውርደኒ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ከይትቐትለንን ናብ ኢድ ጐይታይ ኣሕሊፍካ ኸይትህበንን ብኣምላኽ እንተ ምሒልካለይ፡ ናብቲ ዘማቲ ጭፍራ መሪሐ ኸውርደካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። 16  ናብቲ ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ፋሕ ኢሎምሉ ዝነበሩ መሪሑ ድማ ኣውረዶ፣ ንሳቶም ከኣ ብምኽንያት ኵሉ እቲ ኻብ ምድሪ ፍልስጥኤማውያንን ካብ ምድሪ ይሁዳን ዝወሰድዎ ብዙሕ ምርኮ ይበልዑን ይሰትዩን የብዕሉን ነበሩ። 17  ዳዊት ድማ ካብ ኣጋ ወጋሕታ ኽሳዕ እታ ስዒባ ዘላ ምሸት ቀተሎም፣ ብዘይካ ኣግማል ተወጢሖም ዝሃደሙ 400 ኣጕባዝ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣየምለጠን።+ 18  ዳዊት ከኣ ንዅሉ እቲ ኣማሌቃውያን ወሲዶምዎ ዝነበሩ ኣምለሶ፣+ ዳዊት ድማ ንኽልቲአን ኣንስቱ ኣናገፈን። 19  ካብ ንእሽቶ ኽሳዕ ዓብዪ፡ ዋላ ሓደ እኳ ኣይጐደሎምን። ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኵሉ ምርኮን ኣምለሱ፣+ ዳዊት ከኣ ኵሉ እቲ እተወስደ ኣምለሰ። 20  ዳዊት ድማ ንዅለን እተን ቀቅድሚ ማሎም ዚኽብክብወን ዝነበራ ጤለ በጊዕን ከብትን ወሰደ። ንሳቶም ከኣ፡ “እዚ ምርኮ ዳዊት እዩ” በሉ። 21  ዳዊት ድማ ናብቶም ደኺሞም ንዳዊት ምስዓብ ዝሰኣኑ እሞ ኣብ ርባ በሶር ዝተረፉ 200 ሰብኡት መጸ።+ ንሳቶም ከኣ ንዳዊትን ነቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ኪቕበሉ ወጹ። ዳዊት ድማ ናብቶም ሰብኡት ምስ ቀረበ፡ ከመይ ከም ዘለዉ ሓተቶም። 22  ግናኸ፡ ካብቶም ምስ ዳዊት ከይዶም ዝነበሩ እቶም ክፉኣትን ዘይጠቕሙን ዘበሉ ሰብኡት፡ “ምሳና ስለ ዘይከዱ፡ ካብቲ ዘምለስናዮ ምርኮ ኣይንህቦምን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ግና ሰበይቱን ደቁን ወሲዱ ኪኸይድ ይኽእል እዩ” በሉ። 23  ዳዊት ግና፡ “ኣሕዋተየ፡ በቲ የሆዋ ዝሃበናስ ከምዚ ኣይትግበሩ። ንሱ ሓልዩና፡ ነቲ ኣንጻርና ዝመጸ ዘማቲ ጭፍራ እውን ኣብ ኢድና ሂቡና እዩ።+ 24  በዝስ መን እሞ ምሳኻትኩም ኪሰማማዕ እዩ፧ ግደ እቲ ናብ ውግእ ዝወረደ፡ ምስ ግደ እቲ ኣብ ኣቕሑ እተቐመጠ ማዕረ ይኹን።+ ኵሎም ማዕረ ይማቐሉ” በለ።+ 25  ካብታ መዓልቲ እቲኣ ንደሓር ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ነዚ ኣብ እስራኤል ስርዓትን ሕግን ገበሮ። 26  ዳዊት ናብ ጺቅላግ ምስ መጸ፡ “ካብ ምርኮ ጸላእቲ የሆዋ፡ እንሆልኩም ገጸ በረኸት” ኢሉ ገለ ኻብቲ ምርኮ ናብቶም ፈተውቱ ዝነበሩ ዓበይቲ ይሁዳ ሰደደ። 27  ናብቶም ኣብ ቤት-ኤል+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ራሞት ናይ ነጌብ* ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ያቲር+ ዝነበሩን 28  ናብቶም ኣብ ዓሮዔር ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ሲፍሞት ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ኤሽትሞዓ+ ዝነበሩን 29  ናብቶም ኣብ ራካል ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ከተማታት የራሕምኤላውያን+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ከተማታት ቄናውያን+ ዝነበሩን 30  ናብቶም ኣብ ሖርማ+ ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ቦርዓሻን ዝነበሩን ናብቶም ኣብ ዓታኽ ዝነበሩን 31  ናብቶም ኣብ ኬብሮን+ ዝነበሩን ናብ ኵሉ እቲ ዳዊትን ሰቡን ዚመላለሱሉ ዝነበሩ ቦታታትን ሰደደ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ንነጌብን።”
ወይ፡ “ነፍሲ ዅሉ እቲ ህዝቢ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “መንፈሱ ተመልሶ።”
ወይ፡ “ነጌብ።”
ወይ፡ “ነጌብ።”
ወይ፡ “ደቡብ።”