1 ሳሙኤል 31:1-13

  • ሞት ሳኦልን ሰለስተ ደቁን (1-13)

31  ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ።+ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+  ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን+ ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን ደቂ ሳኦል+ ቀተልዎም።  እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ብብርቱዕ ቈሰለ።+  ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት+ እዚኦም መጺኦም ከይወግኡንን ከይጭክኑለይንሲ፡* ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+  እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡+ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።  በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ተሰካም ኣጽዋሩን ኵሎም ሰቡን በታ መዓልቲ እቲኣ ብሓደ ሞቱ።+  እቶም ኣብ ዞባ ስንጭሮን* ኣብ ዞባ ዮርዳኖስን ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ሰብ እስራኤል ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታት ሓዲጎምወን ሃደሙ።+ ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን።  ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+  ርእሱ ቘሪጾም፡ ኣጽዋሩ እውን ገፊፎም ከኣ፡ ኣብ ኣባይቲ* ጣኦታቶምን+ ኣብቲ ህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10  ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት ምስልታት ኣሽቶረት ኣንበርዎ፣ ሬሳኡ ኸኣ ኣብ መካበብያ ቤት-ሻን+ ሰቐልዎ። 11  ነበርቲ ያቤሽ-ጊልዓድ፡+ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡ 12  ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ምሉእ ለይቲ ተጓዒዞም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ካብ መንደቕ ቤት-ሻን ወሰድዎ እሞ፡ ናብ ያቤሽ ተመሊሶም ኣብኡ ኣንደድዎ። 13  ኣዕጽምቶም ወሲዶም ድማ፡+ ኣብ ትሕቲ እታ ኣብ ያቤሽ ዘላ ኦም ዕቦል ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ኸኣ ጾሙ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይጻወቱለይንሲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐልን።”
ወይ፡ “ኣብያተ መቕደስ።”