1 ሳሙኤል 8:1-22

  • እስራኤላውያን ንጉስ ኪነግሶም ሓተቱ (1-9)

  • ሳሙኤል ነቶም ህዝቢ ኣጠንቀቖም (10-18)

  • ነቲ ንጉስ ኪነግሶም ዘቕረብዎ ሕቶ፡ የሆዋ ተቐበሎ (19-22)

8  ሳሙኤል ምስ ኣረገ፡ ንደቁ ኣብ እስራኤል ፈራዶ ገበሮም።  ስም እቲ በዅሪ ወዱ ዮኤል፡ ስም እቲ ኻልኣዩ ድማ ኣብያ ነበረ፣+ ኣብ ብኤር-ሸባዕ ከኣ ፈራዶ ነበሩ።  ደቁ ግና ብመገድታቱ ኣይተመላለሱን፣ ረብሓ ሸፈጥ ናብ ምስዓብ ዝዘምበሉን+ ጉቦ ዚቕበሉን+ ፍትሒ ዜቕንኑን+ ነበሩ።  ኵሎም ዓበይቲ እስራኤል ድማ ተኣኪቦም ናብ ሳሙኤል ኣብ ራማ መጺኦም፡  “እንሆ፡ ንስኻ ኣሪግካ ኢኻ፣ ደቅኻ ኸኣ ብመገድታትካ ኣይመላለሱን እዮም ዘለዉ። ሕጂ ድማ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ፡ ዚፈርደና ንጉስ ኣንግሰልና” በልዎ።+  “ዚፈርደና ንጉስ ሃበና” ምስ በሉ ግና፡ እዚ ንሳሙኤል ኣጕሃዮ።* ሳሙኤል ድማ ናብ የሆዋ ጸለየ።  የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል ከምዚ በሎ፦ “ኣነ ኸይነግሶም ንዓይ እዮም ዝነዓቑ እምበር፡ ንዓኻ ኣይኰኑን ዝነዓቑ እሞ፡ ኵሉ እቲ እዞም ህዝቢ ዝበሉኻ ስማዕ።+  ከምቲ ኻብታ ኻብ ግብጺ ዘውጻእክዎም መዓልቲ ኣትሒዞም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ዝገበርዎ እዮም ዚገብሩ ዘለዉ፣ ንዓይ ሓሓዲጎም+ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣገልጊሎም እዮም፣+ ንዓኻ እውን ከምኡ እዮም ዚገብሩኻ ዘለዉ።  ሕጂ ስምዓዮም። ግናኸ፡ ኣጸቢቕካ ኣጠንቅቆም፣ ኣብ ልዕሊኦም ዚነግስ ንጉስ ኬማልእዎ ዚሓትቶም ግቡእ ንገሮም።” 10  ሳሙኤል ድማ ነቶም ንጉስ ኬንግሰሎም ዝለመንዎ ህዝቢ፡ ኵሉ ቓላት የሆዋ ነገሮም። 11  ከምዚ ኸኣ በሎም፦ “እቲ ኣብ ልዕሌኹም ዚነግስ ንጉስ ከተማልእዎ ዚሓትተኩም ግቡእ እዚ እዩ፦+ ንኣወዳትኩም ወሲዱ+ ሰብ ሰረገላታቱን+ ፈረሰኛታቱን+ ኪገብሮም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ቀቅድሚ ሰረገላታቱ ኺጐይዩ እዮም። 12  ንገዛእ ርእሱ ዚዀኑ ኣሕሉቕ ሽሕን+ ኣሕሉቕ ሓምሳን+ ገይሩ ኸኣ ኪሸሞም እዩ፣ ገሊኦም ድማ ማሕረሱ ኺሓርሱ፡+ ዓጺዱ ኺዓጽዱ፡+ ኣጽዋር ውግኡን ኣቕሑ ሰረገላታቱን ከኣ ኪሰርሑ እዮም።+ 13  ኣዋልድኩም ድማ ቀመምቲ ቕብእን* ከሸንትን ሰንከትትን ኪዀና ኺወስደን እዩ።+ 14  ዘዝበለጸ ግራውትኹምን ኣታኽልቲ ወይንኹምን ኣእዋም ኣውልዕኩምን ወሲዱ፡+ ንገላዉኡ ኺህቦም እዩ። 15  ዕሽር ዘራእትኹምን ወይንኹምን ወሲዱ፡ ንኣገልገልቲ ቤተ መንግስቱን ንገላዉኡን ኪህቦም እዩ። 16  ገላዉኹምን ኣግራድኩምን ዘዝበለጻ ኸብትኹምን ኣእዱግኩምን ወሲዱ ኸኣ፡ ንዕዮኡ ኺጥቀመሎም እዩ።+ 17  ዕሽር ጤለ በጊዕኩም ድማ ኪወስድ እዩ፣+ ንስኻትኩም እውን ባሮቱ ኽትኰኑ ኢኹም። 18  ብሰሪ እቲ ዝሓረኹምዎ ንጉስ እትምህለሉላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፣+ በታ መዓልቲ እቲኣ ግና የሆዋ ኣይኪምልሰልኩምን እዩ።” 19  እቲ ህዝቢ ግና ነቲ ሳሙኤል ዝነገሮም ምስማዕ ኣበዩ፡ ከምዚ ድማ በሉ፦ “ኣይፋልን፡ ኣብ ልዕሌና ንጉስ ኪነግሰና ቘሪጽና ኢና። 20  ሽዑ፡ ከም ኵሎም ካልኦት ኣህዛብ ክንከውን ኢና፣ ንጉስና ድማ ኪፈርደናን ኪመርሓናን ውግእ ኪዋግኣልናን እዩ።” 21  ሳሙኤል ንዅሉ ቓላት እቲ ህዝቢ ሰሚዑ፡ የሆዋ እናሰምዖ ደገሞ። 22  የሆዋ ኸኣ ንሳሙኤል፡ “ስምዓዮም፡ ኣብ ልዕሊኦም ድማ ንጉስ ኣንግሰሎም” በሎ።+ ሳሙኤል ከኣ ንሰብ እስራኤል፡ “ነፍሲ ወከፍ ነናብ ከተማኡ ይመለስ” በሎም።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ኽፉእ ነበረ።”
ወይ፡ “ቀመምቲ ሽቱን።”