1 ቈረንቶስ 1:1-31

  • ሰላምታ (1-3)

  • ጳውሎስ ስለ ሰብ ቈረንቶስ ንኣምላኽ ኣመስገኖ (4-9)

  • ሓድነት ኪህልዎም እተዋህበ ማዕዳ (10-17)

  • ክርስቶስ፡ ሓይልን ጥበብን ኣምላኽ (18-25)

  • ብየሆዋ ጥራይ ምምካሕ (26-31)

1  ካብቲ ብፍቓድ ኣምላኽ ሃዋርያ+ ክርስቶስ የሱስ ኪኸውን እተጸውዐ ጳውሎስን ሶስቴነስ ሓውናን፡ 2  ናብታ ኣብ ቈረንቶስ+ ዘላ ጉባኤ ኣምላኽ፡ ናባኻትኩም ናብቶም ብክርስቶስ የሱስ እተቐደስኩም፡+ ምስቶም ስም እቲ ጐይታኦምን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኵሉ ዚጽውዑ ዘበሉ+ ዅላቶም ከኣ ቅዱሳት ክትኰኑ እተጸዋዕኩም፦ 3  ካብ ኣቦና ኣምላኽን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይኹነልኩም። 4  ስለቲ ብክርስቶስ የሱስ እተዋህበኩም ጸጋ ኣምላኽ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባኹም ንኣምላኸይ አመስግኖ እየ፣ 5  ምኽንያቱ፡ ብዅሉ፡ ማለት ብዅሉ ዘረባን ብዅሉ ፍልጠትን ሃብቲምኩም ኢኹም፣+ 6  ብዛዕባ ክርስቶስ እተዋህበ ምስክርነት+ ከኣ ኣባኻትኩም ጸኒዑ እዩ፣ 7  ግልጸት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ተሃንጢኹም እናተጸበኹም ድማ፡ ዋላ ሓንቲ ውህበት ኣይጐደለኩምን።+ 8  ኣምላኽ እውን፡ ብመዓልቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ መንቀፊ ዘይብልኩም ክትኰኑ፡ ክሳዕ መወዳእታ ኼጽንዓኩም እዩ።+ 9  እቲ ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ሕብረት* ኪህልወኩም ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።+ 10  ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ሓደ ዘረባ ኽትዛረቡ፡ ብሓደ ኣእምሮን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ሓድነት ኪህልወኩም እምበር፡+ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከይህሉ፡+ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እምሕጸነኩም ኣለኹ። 11  ኣሕዋተየ፡ ኣብ መንጎኹም ፍልልይ ከም ዘሎ፡ ብዛዕባኹም እንዳ ቀሎኤ ነጊሮምኒ ኣለዉ። 12  ማለተይ፡ ነፍሲ ወከፍኩም፡ “ኣነ ናይ ጳውሎስ እየ፡” “ኣነስ እባ ናይ ኣጵሎስ፡”+ “ኣነስ እባ ናይ ኬፋ፡”* “ኣነስ እባ ናይ ክርስቶስ” ትብሉ ኢኹም። 13  ክርስቶስዶ ተመቓቒሉ እዩ፧ ጳውሎስዶ ተሰቒሉልኩም እዩ፧ ወይስ ብስም ጳውሎስዶ ተጠሚቕኩም ኢኹም፧ 14  ብዘይካ ንክሪስጶስን+ ንጋይዮስን፡+ ንሓደ ኻባኻትኩም እኳ ስለ ዘየጥመቕኩ፡ ንኣምላኽ አመስግኖ እየ፣ 15  ስለዚ፡ ሓደ እኳ ብስመይ ከም እተጠመቕኩም፡ ኪብል ኣይክእልን እዩ። 16  ንቤተ ሰብ እስጢፋናስ+ እባ ኸኣ ኣጥሚቐዮም እየ። ብዛዕባ ዝተረፉ ግና፡ ንኻልእ ኣጥሚቐ እንተ ዀይነ፡ ኣይፈልጥን እየ። 17  ጕንዲ ስቅያት* ክርስቶስ ከንቱ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ክርስቶስ፡ ከጥምቕ ዘይኰነስ፡ ብዘይ ጥበብ ዘረባ* ኸበስር እዩ ልኢኹኒ።+ 18  ዘረባ ጕንዲ ስቅያትሲ* ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፣+ እንድሕን ንዘለና ንዓና ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።+ 19  ከመይሲ፡ “ጥበብ እቶም ጥበበኛታት ከጥፍእ እየ፣ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲ እውን ክነጽግ እየ” ዚብል ተጻሒፉ እዩ።+ 20  ጥበበኛ ኣበይ ኣሎ፧ ጸሓፊ* ኣበይ ኣሎ፧ ተማጓቲ እዚ ስርዓት* እዚ ኣበይ ኣሎ፧ ኣምላኽ ንጥበብ እዛ ዓለም እዚኣዶ ዕሽነት ኣይገበሮን እዩ፧ 21  ስለዚ፡ ዓለም ብጥበባ+ ንኣምላኽ ከም ጥበብ ኣምላኽ ገይራ ኻብ ዘይፈለጠቶ፡+ ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኑ ብዕሽነት+ እቲ እተሰብከ ገይሩ ኼድሕኖም ባህ ኢልዎ እዩ። 22  ኣይሁድሲ ትእምርትታት ይልምኑ፡+ ግሪኻውያን ድማ ጥበብ ይደልዩ፣ 23  ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፡ ንኣህዛብ ከኣ ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።+ 24  ግናኸ፡ ነቶም እተጸውዑ ኣይሁድ ኰኑ ግሪኻውያን፡ ክርስቶስ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።+ 25  ምኽንያቱ፡ ካብ ሰብሲ ዕሽነት ኣምላኽ ይጠብብ፣ ካብ ሰብ ከኣ ድኽመት ኣምላኽ ይብርትዕ።+ 26  ኣሕዋተየ፡ ጽውዓኹም እሞ ተመልከቱ፣ ብዙሓት ብስጋ* ጥበበኛታት፡+ ብዙሓት ሓያላት፡ ብዙሓት ደቂ ዓበይቲ ኣይተጸውዑን።+ 27  ኣምላኽ ግና ነቶም ጥበበኛታት ምእንቲ ኼሕፍርሲ፡ ንዕሽነት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ። ኣምላኽ ነቶም ብርቱዓት ምእንቲ ኼሕፍር ከኣ፡ ንድኽመት እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ሓርዩ።+ 28  ኣምላኽ ነቲ ሕሱር እዛ ዓለም እዚኣን ነቲ ንዑቕን እዩ ሓርዩ፣ ማለት ነቲ ዚኸውን ከንቱ ምእንቲ ኺገብር፡ ነቲ ዘይከውን እዩ ሓርዩ።+ 29  ከምኡ ዝገበረ ኸኣ ሓደ እኳ* ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእንቲ ኸይምካሕ እዩ። 30  ግናኸ፡ ንስኻትኩም ሳላኡ ኢኹም ምስቲ ኻብ ኣምላኽ ጥበብን ጽድቅን+ ቅድስናን+ ብጀዋን+ ዝዀነልና ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘሎኩም፣ 31  እዚ ድማ ከምቲ፡ “እቲ ዚምካሕ፡ ብየሆዋ* ይመካሕ”+ ዚብል እተጻሕፈ ምእንቲ ኪኸውን እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ግደ።”
ጴጥሮስ ተባሂሉ እውን ይጽዋዕ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ብዘይ በሊሕ ዘረባ።”
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ማለት፡ ምሁር እቲ ሕጊ።
ወይ፡ “መዋእል።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ወይ፡ “ብመለክዒታት ሰብ።”
ቃ.ቃ.፡ “ስጋ ዘበለ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።