1 ተሰሎንቄ 4:1-18

  • ካብ ምንዝርና ኺርሕቁ እተዋህበ መጠንቀቕታ (1-8)

  • ንሓድሕድኩም ብዝያዳ ተፋቐሩ (9-12)

    • ‘ዕዮ ርእስኹም ግበሩ’ (11)

  • እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም (13-18)

4  ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቲ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ከመይ ጌርኩም ክትመላለሱ ኸም ዚግብኣኩም ካባና ትእዛዝ እተቐበልኩም፡+ ከምቲ እትመላለስዎ እውን ዘለኹም፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ብጐይታና የሱስ ንልምነኩምን ንምሕጸነኩምን ኣለና። 2  ብጐይታና የሱስ ዝሃብናኩም ትእዛዛትሲ ትፈልጥዎ ኢኹም። 3  ፍቓድ ኣምላኽሲ ኽትቅደሱን+ ካብ ምንዝርና* ኽትርሕቁን እዩ።+ 4  ነፍሲ ወከፍኩም ንሰብነቱ* ብቕድስናን+ ብኽብርን ብኸመይ ከም ዚቈጻጸሮ ይፍለጥ፣+ 5  ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ+ ብህርፋን ፋሉል ፍትወተ ስጋ+ ድማ ኣይትመርሑ። 6  ሓደ እኳ በዚ ነገር እዚ ኻብ ግቡእ ደረት ኣይሕለፍ፡ ንሓዉ እውን ኣይበለጸሉ፣ ስለምንታይሲ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝነገርናኩምን ኣጸቢቕና ዘጠንቀቕናኩምን፡ ነቶም ነዚ ነገራት እዚ ዚገብሩ ዘበሉ ዚቐጽዖም የሆዋ* እዩ። 7  ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን።+ 8  ስለዚ፡ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንዓኻትኩም ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ+ ኣምላኽ እምበር፡+ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ። 9  ብዛዕባ ሕውነታዊት ፍቕሪ ግና፡+ ንስኻትኩም ባዕላትኩም ንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ ኻብ ኣምላኽ ተማሂርኩም ኢኹም እሞ፡ ክንጽሕፈልኩም ኣየድልየናን እዩ።+ 10  ነቶም ኣብ ብዘሎ መቄዶንያ ዘለዉ ዅሎም ኣሕዋት እውን ከምኡ ትገብሩሎም ኣለኹም። ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዝያዳ ኸምኡ ኽትገብሩ ንምሕጸነኩም ኣለና። 11  ከምቲ ዝኣዘዝናኩም፡ ብህድኣት ክትነብሩን+ ዕዮ ርእስኹም ክትገብሩን+ ብኣእዳውኩም ክትዓይዩን+ ጽዓቱ፣ 12  በዚ ኸምዚ ድማ፡ ካብ ሓደ እኳ ገለ ኸይደለኹም፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብኣደብ ትመላለሱ።+ 13  ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሓዝኑ፡+ ብዛዕባ እቶም ሞይቶም* ዘለዉ ዘይትፈልጡ ኽትኰኑ ኣይንደልን ኢና።+ 14  የሱስ ከም ዝሞተን ከም ዝተንስአን ኣሚንና እንተ ዄንናስ፡+ እቶም ብየሱስ ዝሞቱ* እውን ከምኡ፡ ኣምላኽ ምስኡ ኼምጽኦም እዩ።+ 15  ንሕና እቶም ጐይታ ኣብዚ ኽሳዕ ዚህልወሉ እዋን ብህይወት እንጸንሕ ዘበልና፡ ነቶም ዝሞቱ* ኸቶ ኸም ዘይንቕድሞም፡ እዚ ብቓል የሆዋ* ንነግረኩም ኣለና፣ 16  ከመይሲ፡ ጐይታ ባዕሉ ብናይ ትእዛዝ ጻውዒት፡ ብድምጺ ሊቀ መላእኽትን+ ብመለኸት ኣምላኽን ካብ ሰማይ ኪወርድ እዩ፣ እቶም ምስ ክርስቶስ ሓድነት ከለዎም ዝሞቱ ኸኣ፡ ቅድም ኪትንስኡ እዮም።+ 17  ድሕሪኡ፡ ንሕና ብህይወት ዝጸናሕና፡ ንጐይታ ኣብ ኣየር ክንቅበሎ፡+ ምሳታቶም ሓቢርና ብደበና ኽንምንዛዕ ኢና፣+ በዚ ኸምዚ፡ ንሓዋሩ ምስ ጐይታ ኽንከውን ኢና።+ 18  ስለዚ፡ በዘን ቃላት እዚአን ንሓድሕድኩም ተጸናንዑ።

እግረ ጽሑፍ

ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ንኣቕሓኡ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ደቂሶም።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝደቀሱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዝደቀሱ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።