1 ነገስት 10:1-29

  • ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን በጽሓቶ (1-13)

  • ብዝሒ ሃብቲ ሰሎሞን (14-29)

10  ንግስቲ ሳባ* ድማ ብዛዕባ ሰሎሞን ምስ ስም የሆዋ ዚተሓሓዝ ወረ ሰምዐት እሞ፡+ ብእተሓላለኸ ሕቶታት* ክትፍትኖ መጸት።+  ምስ ኣዝዩ ዜደንቕ ዓጀባ፡*+ ዘይቲ በለሳንን+ ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን ምስ እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት። ናብ ሰሎሞን ኣትያ ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዅሉ ተዛረበቶ።  ሰሎሞን ከኣ ኵሉ ሕቶታታ መለሰላ። ንጉስ ንዓኣ ኺገልጸላ ዝኸበዶ* ነገር ኣይነበረን።  ንግስቲ ሳባ፡ ኵሉ ጥበብ ሰሎሞንን+ እታ ዝሃነጻ ቤትን+  ኣብ መኣዱ ዚቐርብ ምግብን+ ኣቀማምጣ ገላዉኡን ኣገልግሎት እቶም ኣሳሰይቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቲ መስተኡን ነቲ ኣብ ቤት የሆዋ ዜቕርቦ ዚሓርር መስዋእቱን ምስ ረኣየት፡ ውኖኣ ተመሰጠ።*  ንንጉስ ከኣ ከምዚ በለቶ፦ “እቲ ኣብ ሃገረይ ከለኹ ብዛዕባ ፍረ ዕዮኻን* ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ወረ ሓቂ እዩ።  መጺአ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርእዮ ግና ነቲ ወረ ኣይኣመንክዎን ነይረ። እንሆ ድማ፡ ፍርቁ እኳ ኣይተነግረንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበልጽ ጥበብን ብልጽግናን ኣሎካ።  እቶም ሰብካ ሕጉሳት እዮም፡ እቶም ወትሩ ኣብ ቅድሜኻ ደው ዚብሉን ጥበብካ ዚሰምዑን ገላዉኻ ሕጉሳት እዮም!+  እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬንብረካ ባህ ዝበሎ የሆዋ ኣምላኽካ ይወደስ።+ የሆዋ ንእስራኤል ዘለኣለማዊ ፍቕሪ ስለ ዘለዎ፡ ፍትሕን ጽድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንዓኻ ንጉስ ክትከውን ሸይሙካ።” 10  ንሳ ኸኣ ንንጉስ 120 ታለንት* ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ዘይቲ በለሳንን+ ክቡራት ኣእማንን+ ሃበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሃበቶ ዝምብዛሑ ዘይቲ በለሳን ከቶ መሊሱ ኣይመጸን። 11  እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዘምጽኣ ጭፍራ መራኽብ ሒራም እውን፡+ ካብ ኦፊር ኣዝዩ ብዙሕ ዕንጨይቲ ሰንደልን+ ክቡራት ኣእማንን ኣምጽኣ።+ 12  ንጉስ ድማ ካብቲ ዕንጨይቲ ሰንደል ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን ዚኸውን መደገፊታት፡ ንዘመርቲ ዚኸውን መሰንቆታትን* በገናታትን ሰርሐ።+ ከምኡ ዝበለ ዕንጨይቲ ሰንደል ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸቶ መሊሱ ኣይመጸን ወይ ኣይተራእየን። 13  ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ንንግስቲ ሳባ፡ ብዘይካ እቲ ኻብ ልግሱ ዝሃባ፡* ዝደለየቶን ዝለመነቶን ዘበለ ዅሉ ሃባ። ድሕርዚ፡ ንሳ ምስ ገላዉኣ ተመሊሳ ናብ ሃገራ ኸደት።+ 14  ሚዛን እቲ ናብ ሰሎሞን ብሓንቲ ዓመት ዝመጸ ወርቂ 666 ታለንት ወርቂ ነበረ፣+ 15  እዚ ኸኣ ብዘይካ እቲ ኻብ ሰብ ሸቐጥን ካብ መኽሰብ ነጋዶን ካብ ኵሎም ነገስታት ኣዕራብን ካብ ሹማምንቲ እታ ምድርን ዚመጽእ ዝነበረ እዩ። 16  ንጉስ ሰሎሞን ድማ 200 ዓብዪ ዋልታ ሕዋስ ወርቅን+ (ነንሓደ ዓብዪ ዋልታ 600 ሲቃል* ወርቂ)+ 17  300 ንእሽቶ ዋልታ* ሕዋስ ወርቅን (ነንሓደ ንእሽቶ ዋልታ ሰለስተ ምና* ወርቂ) ሰርሐ። ንጉስ ከኣ ነዚ ኣብታ ቤት ዱር ሊባኖስ ኣንበሮ።+ 18  ንጉስ ድማ ብስኒ ሓርማዝ ዓብዪ ዝፋን ሰርሐ፡+ ብእተጻረየ ወርቂ እውን ለበጦ።+ 19  እቲ ዝፋን ከኣ ሽዱሽተ ደረጃ ነበሮ፣ እቲ ዝፋን ድማ ብድሕሪኡ ኸቢብ ጽላል ነበሮ፣ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ እቲ ኾፍ መበሊ ኸኣ መደገፍ ኢድ ነበሮ፣ ኣብ ጐድኒ እቲ መደገፊታት ኢድ ድማ ክልተ ኣንበሳ+ ደው ኢሎም ነበሩ። 20  ኣብቲ ሽዱሽተ ደረጃ 12 ኣንበሳ፡ ማለት ኣብ ክልቲኡ ጫፍ እቲ ሽዱሽተ ደረጃ ሓሓደ፡ ደው ኢሎም ነበሩ። ከምዚ ዝበለ ዝገበረት ካልእ መንግስቲ ኣይነበረትን። 21  ኵሉ ኣቕሑ መሳተያ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ወርቂ ነበረ፣ ኵሉ ኣቕሑ ቤት ዱር ሊባኖስ+ ድማ ጽሩይ ወርቂ ነበረ። ብዘመን ሰሎሞን፡ ብሩር ገለ እኳ ኣይቍጸርን ነበረ እሞ፡ ብብሩር እተገብረ ሓደ እኳ ኣይነበረን።+ 22  ንጉስሲ ኣብ ባሕሪ ምስ ጭፍራ መራኽብ ሒራም ጭፍራ መራኽብ ተርሲስ ነበራኦ።+ እተን ጭፍራ መራኽብ ተርሲስ ከኣ ወርቅን ብሩርን ስኒ ሓርማዝን+ ህበይን ጣዎስን ተጻዒነን ኣብ ሰሰለስተ ዓመት ሓንሳእ ይመጻ ነበራ። 23  ንጉስ ሰሎሞን ድማ ብሃብትን+ ብጥበብን+ ካብ ኵሎም ነገስታት ምድሪ ዓበየ። 24  ኵሎም ህዝቢ ምድሪ ኸኣ፡ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልቡ ዘንበሮ ጥበቡ ኺሰምዑ ኢሎም፡ ገጽ ሰሎሞን ኪርእዩ ይደልዩ ነበሩ።+ 25  ነፍሲ ወከፎም ድማ ህያብ፡ ማለት ኣቕሑ ብሩርን ኣቕሑ ወርቅን ክዳውንትን ኣጽዋርን ዘይቲ በለሳንን ኣፍራስን ኣባቕልን፡ ዓመት ዓመት የምጽኡ ነበሩ። 26  ሰሎሞን ድማ ሰረገላታትን ኣፍራስን* ኣከበ፣ 1,400 ሰረገላን 12,000 ፈረስን* ከኣ ነበርዎ፣+ ኣብ ከተማታት ሰረገላን ኣብ ጥቓ ንጉስ ኣብ የሩሳሌምን ድማ ኣቐመጦም።+ 27  ንጉስ ከኣ ንብሩር ኣብ የሩሳሌም ከም እምኒ ዝምብዛሑ ገበሮ፣ ንዕንጨይቲ ቄድሮስ እውን ኣብ ሼፈላ ኸም ዘሎ ኣእዋም ሳግላ ዝምብዛሑ ገበሮ።+ 28  ኣፍራስ ሰሎሞን ድማ ካብ ግብጺ ይኣትዉ ነበሩ፣ ጕጅለ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ንኣፍራስ ብሕደ ዋጋ ብመጓሰ የምጽኡ ነበሩ።*+ 29  ካብ ግብጺ ዚኣቱ ዝነበረ ሰረገላ፡ ነንሓደ 600 ብሩር፡ ሓደ ፈረስ ድማ 150 የውጽእ ነበረ፣ ንሳቶም ከኣ ናብ ኵሎም ነገስታት ሔታውያንን+ ነገስታት ሶርያን ይሰድዱ ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ብሕንቅሕንቅሊተይ።”
ማለት፡ ንግስቲ እታ ሳባ እትብሃል ሃገር።
ወይ፡ “ቃፍላይ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብኣ መንፈስ ዚብሃል ኣይተረፈን።”
ወይ፡ “ቃላትካን።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ክራራትን።”
ቃ.ቃ.፡ “ከም ኢድ ንጉስ ሰሎሞን።”
ሓደ ሲቃል፡ 11.4 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
መብዛሕትኡ ግዜ ብቐስተኛታት ዚጽወር።
ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ሓደ ምና 570 ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ወይ፡ “ፈረሰኛታትን።”
ወይ፡ “ካብ ግብጽን ካብ ቅወን ይኣትዉ ነበሩ፣ ነጋዶ ንጉስ ከኣ ካብ ቅወ ብውሱን ዋጋ ይዕድግዎም ነበሩ” ኪኸውን ይኽእል። ቅወ ንቂልቅያ ዜመልክት ኪኸውን ይኽእል።