1 ነገስት 11:1-43

  • ኣንስቲ ሰሎሞን ንልቡ ኣዘንበላኦ (1-13)

  • ተጻረርቲ ሰሎሞን (14-25)

  • የሮብዓም ዓሰርተ ነገዳት ከም ዚውሃቦ ተነግሮ (26-40)

  • ሰሎሞን ሞተ፣ ሮብዓም ነገሰ (41-43)

11  ንጉስ ሰሎሞን ኣብ ልዕሊ ጓል ፈርኦን+ ብዙሓት ጓኖት ኣንስቲ፡+ ማለት ሞኣባውያንን+ ዓሞናውያንን+ ኤዶማውያንን ሲዶናውያንን+ ሔታውያንን+ ኣፍቀረ።  ንሳተን ካብቶም የሆዋ ንእስራኤላውያን ብዛዕባኦም፡ “ልብኹም ብርግጽ ናብ ኣማልኽቶም ኬዘንብልዎ እዮም እሞ፡ ናባታቶም ኣይትኺዱ፡* ንሳቶም እውን ናባኻትኩም ኣይምጽኡ” ዝበሎም ኣህዛብ ነበራ።+ ሰሎሞን ግና ናባታተን ለገበ፡ ኣፍቀረን እውን።*  ልዕልትታት ዝዀና 700 ኣንስትን 300 ኣንስቲ ወሰንን ከኣ ነበራኦ፣ ኣንስቱ ድማ በብቝሩብ ልቡ ኣዘንበላኦ።*  ብግዜ እርጋን ሰሎሞን ከኣ፡+ እተን ኣንስቱ ንልቡ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ናብ ምስዓብ ኣዘንበላኦ፣*+ ልቡ ድማ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት፡ ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ* ኣይነበረን።  ሰሎሞን ከኣ ደድሕሪ ኣሽቶረት+ እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ደድሕሪ ሚልኮም+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ሰዓበ።  ሰሎሞን ድማ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ገበረ፣ ከምቲ ኣቦኡ ዳዊት ዝገበሮ ገይሩ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣይሰዓቦን።+  ሽዑ፡ ሰሎሞን ንከሞሽ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ሞኣብ፡ ኣብ መንጽር የሩሳሌም ኣብ ዘሎ ኸረን፡ በሪኽ ሰርሓሉ፣+ ንሞሌኽ+ እቲ ጽዩፍ ኣምላኽ ዓሞናውያን እውን ከምኡ ሰርሓሉ።+  ንዅለን እተን ዚዓጥናን ንኣማልኽተን ዚስውኣን ዝነበራ ጓኖት ኣንስቱ ኸኣ፡ ከምኡ ገበረለን።  የሆዋ ድማ ንሰሎሞን፡ ልቡ ኻብቲ ኽልተ ሳዕ እተራእዮ+ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ስለ ዝዘንበለ፡+ ተቘጥዖ። 10  ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ፡ ማለት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸይከይድ፡ ኣጠንቂቕዎ እኳ እንተ ነበረ፡+ ንሱ ግና ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ኣይሓለዎን። 11  የሆዋ ኸኣ ንሰሎሞን ከምዚ በሎ፦ “እዚ ስለ ዝገበርካ፡ ከምቲ ዝኣዘዝኩኻ ድማ ኪዳነይን ሕግታተይን ስለ ዘይሓሎኻ፡ ነዛ መንግስቲ ብርግጽ ካባኻ ቐዲደ ንሓደ ኻብ ገላዉኻ ኽህቦ እየ።+ 12  ግናኸ፡ ምእንቲ ኣቦኻ ዳዊት፡ እዚ ብዘመንካ ኣይክገብሮን እየ። ካብ ኢድ ወድኻ እየ ዝቐድዳ።+ 13  ንብዘላ እታ መንግስቲ ግና ኣይክቐድዳን እየ።+ ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን ምእንቲ እታ ዝሓረኽዋ የሩሳሌምን+ ኢለ ንወድኻ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ።”+ 14  የሆዋ ድማ ንሰሎሞን ተጻራሪ፡+ ሃዳድ እቲ ኤዶማዊ፡ ካብ ዘርኢ ንጉስ ኤዶም፡ ኣተንስኣሉ።+ 15  ዳዊት ንኤዶም ምስ ሰዓሮ፡+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከኣ ነቶም ቅቱላት ኪቐብር ምስ ደየበ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ኪቐትል ፈተነ። 16  (ዮኣብን ኵሎም እስራኤልንሲ፡ ኣብ ኤዶም ንዝነበረ ዅሉ ተባዕታይ ክሳዕ ዜጽንት፡ ኣብኡ ሽዱሽተ ወርሒ ጸንሑ።) 17  ሃዳድን ገሊኦም ኤዶማውያን ገላዉ ኣቦኡን ግና ሃዲሞም ናብ ግብጺ ኸዱ፣ ሃዳድ ሽዑ ንእሽቶ ቘልዓ ነበረ። 18  ካብ ሚድያን ነቒሎም ከኣ ናብ ጳራን+ መጹ። ካብ ጳራን ሰባት ወሲዶም ድማ ናብ ግብጺ፡ ናብ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ መጹ፣ ንሱ ኸኣ ቤት ሃቦ፡ ቀለብ ድማ መደበሉ፡ ምድሪ እውን ሃቦ። 19  ሃዳድ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ፈርኦን ብዙሕ ሞገስ ስለ ዝረኸበ፡ ሓብቲ ሰበይቱ፡ ሓብቲ ንግስቲ* ታሕጵኔስ፡ ሰበይቲ ኽትኰኖ ሃቦ። 20  እታ ሓብቲ ታሕጵኔስ ድማ ጌኑባት ዚብሃል ወዲ ወለደትሉ፣ ታሕጵኔስ ከኣ ንዕኡ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣዕበየቶ፣* ጌኑባት ድማ ኣብ ቤት ፈርኦን ኣብ መንጎ ደቂ ፈርኦን ነበረ። 21  ሃዳድ ከኣ ኣብ ግብጺ ኸሎ ዳዊት ምስ ኣቦታቱ ኸም ዝዓረፈን+ ዮኣብ እቲ ሓለቓ ሰራዊት ከም ዝሞተን ሰምዐ።+ ሃዳድ ድማ ንፈርኦን፡ “ናብ ሃገረይ ክኸይድሲ፡ ኣሰናብተኒ” በሎ። 22  ፈርኦን ግና፡ “ናብ ሃገርካ ኽትከይድ ዝደለኻስ፡ ምሳይ ከለኻ እንታይ ጐዲሉካ፧” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ገለ እኳ፡ ግናኸ ኣሰናብተኒ ደኣ” በሎ። 23  ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን ካልእ ተጻራሪ፡+ እቲ ኻብ ጐይታኡ ሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ ዝሃደመ ሬዞን ወዲ ኤልያዳዕ፡ ኣተንስኣሉ። 24  ንሱ ኸኣ፡ ዳዊት ምስ ሰዓሮም፡* ሰባት ኣኪቡ ሓለቓ ዘማቲ ጭፍራ ዀነ።+ ናብ ደማስቆ+ ኸይዶም ድማ ኣብኣ ተቐመጡ፡ ኣብ ደማስቆ እውን ነገሱ። 25  ንሱ ኸኣ ኣብ ርእሲ እቲ ሃዳድ ዝገበሮ ጕድኣት፡ ብዅሉ ዘመን ሰሎሞን ተጻራሪ እስራኤል ኰይኑ ነበረ፣ ኣብ ሶርያ ነጊሱ ኸሎ ድማ፡ ንእስራኤል ይፍንፍኖ ነበረ። 26  የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ ከኣ፡ ኤፍሬማዊ ኻብ ጸሬዳ፡ ጊልያ ሰሎሞን ነበረ፣+ ስም ኣዲኡ ድማ ጽሩዓ እዩ፣ ንሳ እውን መበለት ነበረት። ንሱ ኸኣ ካብ ንጉስ ዓለወ።*+ 27  እቲ ኻብ ንጉስ ዝዓለወሉ ምኽንያት ድማ እዚ እዩ፦ ሰሎሞን ነቲ ዅምራ* ሃኒጽዎን+ ነቲ ጋግ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ዓጽይዎን ነበረ።+ 28  የሮብዓም ከኣ ክኢላ ሰብኣይ ነበረ። ሰሎሞን ድማ፡ እቲ ጐበዝ ትጉህ ዓያዪ ምዃኑ ምስ ረኣየ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ግዴታዊ ኣገልግሎት ቤት ዮሴፍ ሓላፊ* ገበሮ።+ 29  በቲ ግዜ እቲ፡ የሮብዓም ካብ የሩሳሌም ወጸ፣ ነብዪ ኣሒያ+ እቲ ሺሎናዊ ኸኣ ኣብ መገዲ ረኸቦ። ኣሒያ ድማ ሓድሽ ክዳን ተኸዲኑ ነበረ፣ ክልቲኦም ከኣ በይኖም ኣብ መሮር ነበሩ። 30  ኣሒያ ድማ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ሓድሽ ክዳን ሒዙ ኣብ 12 ቝራጽ ቈራረጾ። 31  ንየሮብዓም ከኣ ከምዚ በሎ፦ “ዓሰርተ ቝራጽ ንዓኻ ውሰድ፣ የሆዋ ኣምላኽ እስራኤልሲ ኸምዚ ይብል፦ ‘እንሆ፡ ነታ መንግስቲ ኻብ ኢድ ሰሎሞን እቐድዳ ኣለኹ፣ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 32  ምእንቲ ጊልያይ ዳዊትን+ ምእንቲ እታ ኻብ ኵሎም ነገዳት እስራኤል ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌምን+ ግና ሓደ ነገድ ንዕኡ ኪኸውን እዩ።+ 33  ንዓይ ሓዲጎም ንኣሽቶረት እታ ኣምላኽ ሲዶናውያንን ንከሞሽ እቲ ኣምላኽ ሞኣብን ንሚልኮም እቲ ኣምላኽ ዓሞናውያንን ስለ ዝሰገዱ፡ እዚ ኽገብር እየ፣+ ከም ኣቦኡ ዳዊት ገይሮም ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ ቅኑዕ ብምግባርን ሕግታተይን ፍርድታተይን ብምሕላውን ከኣ ብመገድታተይ ኣይተመላለሱን። 34  ግናኸ፡ ምእንቲ እቲ ትእዛዛተይን ሕግታተይን ዝሓለወ ኣነ ዝሓረኽዎ ጊልያይ ዳዊት ኢለ፡+ ብዘላ እታ መንግስቲ ኻብ ኢዱ ኣይክወስዳን እየ፡ የግዳስ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ሹም ክገብሮ እየ። 35  ግናኸ፡ ነቲ ንግስና ኻብ ኢድ ወዱ ኽወስዶ፡ ንዓኻ ድማ ዓሰርተ ነገዳት ክህበካ እየ።+ 36  ጊልያይ ዳዊት ኣብ ቅድመይ ኣብታ ስመይ ኣብኣ ኼንብር ዝሓረኽዋ ኸተማ የሩሳሌም ወትሩ መብራህቲ ምእንቲ ኺህልዎስ፡+ ንወዱ ሓደ ነገድ ክህቦ እየ። 37  ንዓኻ ኸኣ ክወስደካ እየ፡ ኣብ ኵሉ እቲ እትብህጎ* ድማ ክትነግስ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል እውን ንጉስ ክትከውን ኢኻ። 38  ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ እንተ ተኣዚዝካ፡ ከምቲ ጊልያይ ዳዊት ዝገበሮ፡ ሕግታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ድማ ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣዒንተይ እውን ቅኑዕ እንተ ጌርካ፡+ ኣነ እውን ምሳኻ ክኸውን እየ። ከምቲ ንዳዊት ዝሃነጽኩሉ፡+ ነባሪት ቤት ክሃንጸልካ እየ፡ እስራኤል እውን ክህበካ እየ። 39  ምእንቲ እዚ ድማ ንዘርኢ ዳዊት ከዋርዶ እየ፣+ ግናኸ፡ ንዅሉ ግዜ ኣይኰነን።’”+ 40  ስለዚ፡ ሰሎሞን ንየሮብዓም ኪቐትሎ ፈተነ፣ የሮብዓም ግና ናብ ግብጺ፡ ናብ ሺሻቅ+ ንጉስ ግብጺ ሃደመ፣+ ክሳዕ ሞት ሰሎሞን ከኣ ኣብ ግብጺ ጸንሐ። 41  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ሰሎሞን፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮን ጥበቡን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ሰሎሞን ተጻሒፉዶ የሎን፧+ 42  እቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ዝነገሰሉ ዘመን* 40 ዓመት ነበረ። 43  ሰሎሞን ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ እውን ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ሮብዓም+ ነገሰ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምሳታቶም ኣይትዋሰቡ።”
ወይ፡ “ናባታቶም ለገበ፡ ኣፍቀሮም እውን” ኪኸውን ይኽእል። ማለት፡ ነቶም ጣኦታት።
ወይ፡ “ኣንስቱ ድማ ሓያል ጽልዋ ኣሕደራሉ።”
ወይ፡ “ጠወያኦ።”
ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኹ ውፉይ።”
እትገዝእ ንግስቲ ኣይኰነትን።
ወይ፡ “ጡብ ኣሕደገቶ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ዳዊት ኪቐትሎም ከሎ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኢዱ ኣብ ንጉስ ኣልዓለ።”
ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
ወይ፡ “ሓላዊ።”
ወይ፡ “ነፍስኻ እትብህጎ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታት።”