1 ነገስት 12:1-33

  • ብርቱዕ ምላሽ ሮብዓም (1-15)

  • ዓሰርተ ነገዳት ዓለዉ (16-19)

  • የሮብዓም ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ (20)

  • ሮብዓም ምስ እስራኤል ከይዋጋእ ተነግሮ (21-24)

  • የሮብዓም ዘቘሞ ኣምልኾ ምራኽ (25-33)

12  ኵሉ እስራኤል ንሮብዓም ኬንግሶ ናብ ሴኬም+ መጺኡ ነበረ እሞ፡ ንሱ ናብ ሴኬም ከደ።+  የሮብዓም ወዲ ናባጥ ከኣ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ (ንሱስ ብሰንኪ ንጉስ ሰሎሞን ሃዲሙ ኣብ ግብጺ ይቕመጥ ስለ ዝነበረ፡ ገና ኣብ ግብጺ እዩ ነይሩ እሞ፡)+  ልኢኾም ጸውዕዎ። ድሕሪኡ፡ የሮብዓምን ኵሉ ጉባኤ እስራኤልን ናብ ሮብዓም መጺኦም፡  “ኣቦኻ ኣርዑትና ኣበርቲዑልና።+ ግናኸ፡ ነቲ ብርቱዕ መግዛእቲ ኣቦኻ እንተ ኣቕሊልካልና፡ ነቲ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኸቢድ* ኣርዑት ድማ እንተ ኣፍኲስካልና፡ ክንግዝኣካ ኢና” በልዎ።  ንሱ ኸኣ፡ “ንሰለስተ መዓልቲ ኺዱ እሞ፡ ናባይ ተመለሱ” በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ከዱ።+  ንጉስ ሮብዓም ከኣ ምስቶም ኣቦኡ ሰሎሞን ብህይወቱ ኸሎ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ዓበይቲ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ ዝምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ተማኸረ።  ንሳቶም ድማ፡ “ነዞም ህዝቢ እዚኦም ሎሚ ጊልያ እንተ ዄንካዮምን ልማኖኦም እንተ ተቐቢልካን ጽቡቕ ምላሽ እንተ ሂብካዮምን፡ ንሳቶም ወትሩ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም” ኢሎም መለሱሉ።  ንሱ ግና ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉስ፡ ምስቶም ምስኡ ዝዓበዩ ዜገልግልዎ ዝነበሩ ኣጕባዝ ተማኸረ።+  ንዓታቶም ድማ፡ “ነዞም፡ ‘ነቲ ኣቦኻ ኣብ ልዕሌና ዘንበሮ ኣርዑት ኣፍኵሰልና’ ዚብሉኒ ህዝቢ እዚኦም ብዛዕባ እንምልሰሎም ነገር እንታይ ትመኽሩኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። 10  እቶም ምስኡ ዝዓበዩ ኣጕባዝ ከኣ፡ “ነዞም፡ ‘ኣቦኻ ኣርዑትና ኣኽቢዱልና፣ ንስኻ ግና ኣፍኵሰልና’ ዝበሉኻ ህዝቢ እዚኦም፡ ከምዚ በሎም፣ ከምዚ ድማ ኢልካ ንገሮም፦ ‘ሕንጥሊተይ እኳ ኻብ ሕቘ ኣቦይ ክትረጕድ እያ። 11  ኣቦይ ከቢድ ኣርዑት ጽዒኑኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ’ በሎም” በልዎ። 12  ከምቲ ንጉስ፡ “ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ተመለሱኒ” ዝበሎም፡ የሮብዓምን ኵሎም እቶም ህዝብን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ሮብዓም መጹ።+ 13  ንጉስ ድማ ነቲ እቶም ዓበይቲ ዝመኸርዎ ምኽሪ ሓዲጉ፡ ነቶም ህዝቢ ኣበርቲዑ መለሰሎም። 14  “ኣቦይ ኣርዑት ኣኽቢዱልኩም፣ ኣነ ኸኣ ንኣርዑትኩም ክውስኸሉ እየ። ኣቦይ ብሓለንጊ ገሪፉኩም፣ ኣነ ኸኣ ብጭጕራፍ ክገርፈኩም እየ” ኢሉ ድማ ከም ምኽሪ እቶም ኣጕባዝ ገይሩ ተዛረቦም። 15  እቲ የሆዋ ንየሮብዓም ወዲ ናባጥ ብኣሒያ እቲ ሺሎናዊ ተዛሪብዎ ዝነበረ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡+ እዚ ነገር እዚ ኻብ የሆዋ ነበረ እሞ፡+ እቲ ንጉስ ነቶም ህዝቢ ኣይሰምዖምን። 16  ኵሎም እስራኤል፡ ንጉስ ምስማዕ ከም ዝኣበዮም ምስ ረኣዩ፡ እቶም ህዝቢ ንንጉስ፡ “ኣብ ዳዊት እንታይ ግደ ኣሎና፧ ኣብ ወዲ እሴይ ርስቲ የብልናን። ኦ እስራኤል፡ ነናብ ኣማልኽትኻ። ኦ ዳዊት፡ ሕጅስ ቤትካ ሓሉ” ኢሎም መለሱሉ። ሽዑ፡ እስራኤል ነናብ ቤቱ* ተመልሰ።+ 17  ሮብዓም ግና ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከተማታት ይሁዳ ዚነብሩ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነገሰ።+ 18  ንጉስ ሮብዓም ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ ዝነበረ ኣዶራም ሰደዶ፣+ ኵሎም እስራኤል ግና ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ። ንጉስ ሮብዓም ከኣ ናብ የሩሳሌም ኪሃድም ኢሉ ዝገበረ ገይሩ ናብ ሰረገላኡ ደየበ።+ 19  እስራኤላውያን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኻብ ቤት ዳዊት ዓልዮም ኣለዉ።+ 20  ኵሎም እስራኤል፡ የሮብዓም ከም እተመልሰ ምስ ሰምዑ፡ ልኢኾም ናብቲ ኣኼባ ጸውዕዎ እሞ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣንገስዎ።+ ብዘይካ ነገድ ይሁዳ፡ ካብቲ ህዝቢ ንቤት ዳዊት ዝሰዓባ ኣይነበረን።+ 21  ሮብዓም ናብ የሩሳሌም ምስ መጸ፡ ምስ ቤት እስራኤል ተዋጊኦም ነቲ ንግስነት ናብ ሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ኪመልስዎ ኢሉ፡ ብኡብኡ ንዅላ ቤት ይሁዳን ንነገድ ብንያምን፡ 180,000 ዕሉማት* ተዋጋእቲ ኣኽተተ።+ 22  ግናኸ፡ ሸማዕያ+ ናብ ዚብሃል ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ፡ ከምዚ ዚብል ቃል እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ መጸ፦ 23  “ንሮብዓም ወዲ ሰሎሞን ንጉስ ይሁዳን ንዅላ ቤት ይሁዳን ንብንያምን ነቶም ዝተረፉ ህዝብን ከምዚ በሎም፦ 24  ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ምስ ኣሕዋትኩም እስራኤላውያን ክትዋግኡ ኣይትደይቡ። እዚ ኻባይ እዩ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ ቤቱ ይመለስ።”’”+ ንሳቶም ከኣ ቃል የሆዋ ተኣዚዞም፡ ከምቲ የሆዋ ዝነገሮም ናብ ቤቶም ተመልሱ። 25  የሮብዓም ድማ ንሴኬም+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ሰርሓ፡* ኣብኣ እውን ተቐመጠ። ካብኣ ወጺኡ ኸኣ፡ ንጰኑኤል ሰርሓ።*+ 26  የሮብዓም ድማ ብልቡ፡ “ሕጂ እዛ መንግስቲ ናብ ቤት ዳዊት ክትምለስ እያ።+ 27  እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ቤት የሆዋ ኣብ የሩሳሌም መስዋእቲ ኺስውእ ዚድይብ እንተ ዀይኑ፡+ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ናብ ጐይታኦም፡ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለስ እዩ። ቀቲሎምኒ ኸኣ ናብ ሮብዓም ንጉስ ይሁዳ ኺምለሱ እዮም” በለ። 28  ንጉስ ድማ ምስ መኸረ፡ ክልተ ምራኽ ወርቂ ገበረ+ እሞ ነቶም ህዝቢ፡ “ናብ የሩሳሌም ምድያብ ይበዝሓኩም እዩ። ኦ እስራኤል፡ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘደየበካ ኣምላኽካ እንሆልካ” በሎም።+ 29  ነቲ ሓደ ኣብ ቤት-ኤል+ ኣንበሮ፡ ነቲ ሓደ ኸኣ ኣብ ዳን+ ገበሮ። 30  እዚ ድማ ኣሕጥኦም፣+ እቲ ህዝቢ ኸኣ ነቲ ሓደ ኺሰግደሉ ኽሳብ ዳን ይኸይድ ነበረ። 31  ኣብ በረኽቲ ድማ ኣባይቲ ኣምልኾ ሰርሐ፣ ካብ ሌዋውያን ዘይኰኑ ኻብ ማንም ህዝቢ ኸኣ ካህናት ሸመ።+ 32  የሮብዓም ድማ ኣብ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ወርሒ፡ ከምቲ ኣብ ይሁዳ ዚግበር በዓል ዝኣመሰለ በዓል ኣቘመ።+ ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ መሰውኢ ኸኣ፡+ ነቶም ዝገበሮም ምራኹት ሰውኣሎም፣ ኣብ ቤት-ኤል ድማ ነቲ ዝገበሮ በረኽቲ፡ ካህናት መደበ። 33  ኣብቲ ኣብ ቤት-ኤል ዝገበሮ መሰውኢ ኸኣ፡ ኣብ መበል 15 መዓልቲ እታ ሻምነይቲ ወርሒ፡ ኣብታ ባዕሉ ዝመደባ ወርሒ ሰውአ። ንህዝቢ እስራኤል ድማ በዓል ኣቘመሎም፣ ኪስውእን ኪዓጥንን ከኣ ናብቲ መሰውኢ ደየበ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ጨቋኒ።”
ቃ.ቃ.፡ “ድንኳኑ።”
ቃ.ቃ.፡ “ሕሩያት።”
ወይ፡ “ዓረዳ።”
ወይ፡ “ዓረዳ።”