1 ነገስት 15:1-34

  • ኣብያም፡ ንጉስ ይሁዳ (1-8)

  • ኣሳ፡ ንጉስ ይሁዳ (9-24)

  • ናዳብ፡ ንጉስ እስራኤል (25-32)

  • ባዕሳ፡ ንጉስ እስራኤል (33, 34)

15  ኣብ መበል 18 ዓመት ንጉስ የሮብዓም+ ወዲ ናባጥ፡ ኣብያም ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ።+  ሰለስተ ዓመት ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ኣዲኡ ኸኣ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ።  ንሱ ብዅሉ እቲ ኣቦኡ ቕድሚኡ ዝገበሮ ሓጢኣት ተመላለሰ፣ ልቡ ድማ፡ ከም ልቢ ኣቦኡ ዳዊት ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ ኣምላኹ ኣይነበረን።*  የሆዋ ኣምላኹ ግና፡ ምእንቲ ዳዊት ኢሉ፡+ ብድሕሪኡ ወዱ ብምትንሳእን ንየሩሳሌም ብዘይምጥፋእን፡ ኣብ የሩሳሌም መብራህቲ ሃቦ።+  ከመይሲ፡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ፣ ብዘይካ ኣብ ናይ ኡርያ እቲ ሔታዊ ነገር ድማ፡+ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ኻብቲ ዝኣዘዞ ዘበለ ኣየልገሰን።  ኣብ መንጎ ሮብዓምን የሮብዓምን ከኣ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወቱ ውግእ ነበረ።+  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣብያም፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧+ ኣብ መንጎ ኣብያምን የሮብዓምን እውን ውግእ ነበረ።+  ኣብያም ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ከኣ ቀበርዎ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ኣሳ+ ነገሰ።+  ኣብ መበል 20 ዓመት የሮብዓም ንጉስ እስራኤል፡ ኣሳ ኣብ ልዕሊ ይሁዳ ነገሰ። 10  41 ዓመት ከኣ ኣብ የሩሳሌም ነገሰ። ስም ዓባዩ ድማ ማዓካ እዩ፣+ ንሳ ጓል ጓሉ ንኣቢሻሎም እያ። 11  ኣሳ ኸኣ ከም ኣቦኡ ዳዊት ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕኑዕ ገበረ።+ 12  ነቶም ተባዕትዮ ኣመናዝር ቤተ መቕደስ ድማ ካብታ ምድሪ ሰጐጎም፣+ ንዅሎም እቶም ኣቦታቱ ዝገበርዎም ጽዩፋት ጣኦታት* ከኣ ኣርሓቖም።+ 13  ዓባዩ ማዓካ+ ድማ ዓንዲ ኣምልኾ* ኪኸውን ጽዩፍ ጣኦት ስለ ዝገበረት፡ ንዓኣ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኸም ኣደ ንጉስ* ዝነበራ ስልጣን ሰዓራ። ኣሳ ኸኣ ነቲ ጽዩፍ ጣኦታ ቘሪጹ+ ኣብ ስንጭሮ ቄድሮን ኣንደዶ።+ 14  እቲ በረኽቲ ግና ኣይተወገደን ነበረ።+ ይኹን እምበር፡ ልቢ ኣሳ ብዅሉ ዘመኑ* ምሉእ ብምሉእ ምስ የሆዋ* ነበረ። 15  ነቲ ንሱን ኣቦኡን ዝቐደስዎ ብሩርን ወርቅን ኣቕሑን ድማ ናብ ቤት የሆዋ ኣእተዎ።+ 16  ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ+ ንጉስ እስራኤልን ከኣ፡ ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ። 17  ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ድማ ኣንጻር ይሁዳ ደዪቡ፡ ሓደ እኳ ኻብ ኣሳ ንጉስ ይሁዳ ኸይወጽእን ናብኡ ኸይኣቱን ኢሉ፡ ንራማ+ ኺሰርሓ* ጀመረ።+ 18  ሽዑ፡ ኣሳ ኣብ መዛግብቲ ቤት የሆዋን ኣብ መዛግብቲ ቤት* ንጉስን ተሪፉ ዝነበረ ዅሉ ብሩርን ወርቅን ወሲዱ ንገላዉኡ ኣብ ኢዶም ሃቦም። ንጉስ ኣሳ ኸኣ ናብቲ ኣብ ደማስቆ ዚቕመጥ ዝነበረ ቤን-ሃዳድ ወዲ ጣብሪሞን ወዲ ኸዝዮን፡ ንጉስ ሶርያ፡ ከምዚ ኢሉ ለኣኾም፦+ 19  “ኣብ መንጎይን ኣብ መንጎኻን፡ ኣብ መንጎ ኣቦይን ኣብ መንጎ ኣቦኻን ውዕል* ኣሎ። እዚ ህያብ ብሩርን ወርቅን እሰድደልካ ኣለኹ። ካባይ ምእንቲ ኼንሳሕብሲ፡ ንዓ ነቲ ምስ ባዕሳ ንጉስ እስራኤል ዝኣቶኻዮ ውዕል* ኣፍርሶ።” 20  ቤን-ሃዳድ ድማ ንንጉስ ኣሳ ሰሚዑ፡ ኣሕሉቕ ሰራዊቱ ኣንጻር ከተማታት እስራኤል ሰደደ፣ ንሳቶም ከኣ ንዒዮንን+ ንዳንን+ ንኣቤል-ቤት-ማዓካን ንዅላ ኪነረትን ንዅላ ምድሪ ንፍታሌምን ወቕዑ። 21  ባዕሳ ብዛዕባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብኡብኡ ንራማ ምስራሕ* ሓዲጉ፡ ኣብ ቲርጻ+ ተቐመጠ። 22  ሽዑ፡ ንጉስ ኣሳ ንሓደ እኳ ናጻ ኸይሓደገ ንዅሉ ይሁዳ ኣኽተተ፣ ነቲ ባዕሳ ንራማ ዚሰርሓሉ ዝነበረ ኣእማንን ኣዕጫውን ወሲዱ ድማ፡ ንጉስ ኣሳ ብእኡ ገይሩ ንጌባዕ+ ናይ ብንያምን ንሚጽጳን+ ሰርሐን።* 23  ኵሉ እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ኣሳ ኸኣ፡ ኵሉ ሓይሉን ኵሉ እቲ ዝገበሮን እተን ዝሰርሐን* ከተማታትን፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት ይሁዳ ተጻሒፉዶ የሎን፧ ብግዜ እርጋኑ ግና፡ ኣእጋሩ ሓመመ።+ 24  ኣሳ ድማ ምስ ኣቦታቱ ዓረፈ፡ ምስ ኣቦታቱ ኸኣ ኣብ ከተማ ዳዊት ኣቦኡ ተቐብረ፣ ኣብ ክንዳኡ ድማ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ።+ 25  ናዳብ+ ወዲ የሮብዓም ከኣ ኣብ ካልአይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ፣ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነገሰ። 26  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኸኣ ክፉእ ይገብር ነበረ፣ ብመገዲ ኣቦኡን+ በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ድማ ተመላለሰ።+ 27  ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኻብ ቤት ይሳኮር ከኣ ውዲት ኣለመሉ፣ ናዳብን ኵሉ እስራኤልን ንጊብቶን ከቢቦምዋ ኸለዉ ድማ፡ ባዕሳ ኣብ ጊብቶን+ ናይ ፍልስጥኤማውያን ቀተሎ። 28  ባዕሳ ኸኣ ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ እዩ ዝቐተሎ፡ ኣብ ክንዳኡ እውን ነገሰ። 29  ምስ ነገሰ ድማ፡ ንዅሎም ቤት የሮብዓም ቀተሎም። ከምቲ የሆዋ ብጊልያኡ ኣሒያ እቲ ሺሎናዊ እተዛረቦ ቓል፡ ነቶም ካብ የሮብዓም ዘበሉ ኽሳዕ ዜጽንቶም፡ ትንፋስ ዘለዎ ዘበለ ኣይሓደገን።+ 30  እዚ ዝዀነ ኸኣ ብሰሪ እቲ የሮብዓም ዝገበሮ ሓጢኣትን ብሰሪ እቲ ንእስራኤል ዘሕጥኦን ንየሆዋ ኣምላኽ እስራኤል ኣዝዩ ስለ ዘዀረዮን እዩ። 31  እቲ ዝተረፈ ታሪኽ ናዳብ፡ ኵሉ እቲ ዝገበሮ፡ ኣብ መጽሓፍ ታሪኽ ዘመን ነገስታት እስራኤል ተጻሒፉዶ የሎን፧ 32  ኣብ መንጎ ኣሳን ባዕሳ ንጉስ እስራኤልን ብዅሉ ዘመኖም ውግእ ነበረ።+ 33  ኣብ ሳልሰይቲ ዓመት ኣሳ ንጉስ ይሁዳ፡ ባዕሳ ወዲ ኣሒያ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ኣብ ቲርጻ ነገሰ፣ 24 ዓመት ድማ ነገሰ።+ 34  ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ግና ክፉእ ይገብር ነበረ፣+ ብመገዲ የሮብዓምን በቲ ንእስራኤል ዘሕጥኣሉ ሓጢኣቱን ከኣ ተመላለሰ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ኣምላኹ ውፉይ ኣይነበረን።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “እተጌ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታቱ።”
ወይ፡ “ምሉእ ብምሉእ ንየሆዋ ውፉይ።”
ወይ፡ “ኺዓርዳ፣ ዳግም ኪሰርሓ።”
ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ኪዳን።”
ወይ፡ “ኪዳን።”
ወይ፡ “ምዕራድ፣ ዳግም ምስራሕ።”
ወይ፡ “ዓረደን፣ ዳግም ሰርሐን።”
ወይ፡ “ዝዓረደን፣ ዳግም ዝሰርሐን።”