1 ነገስት 20:1-43

  • ሶርያውያን ምስ ኣከኣብ ተዋግኡ (1-12)

  • ኣከኣብ ንሶርያውያን ሰዓሮም (13-34)

  • ኣንጻር ኣከኣብ እተነግረ ትንቢት (35-43)

20  ቤን-ሃዳድ+ ንጉስ ሶርያ+ ድማ ብዘሎ ሰራዊቱ ኣኽተተ፣ ምስኡ ኸኣ 32 ነገስታትን ኣፍራስን ሰረገላታትን ነበሩ። ደዪቡ ድማ ንሰማርያ+ ኸቢቡ ተዋግኣ።+  ናብ ኣከኣብ+ ንጉስ እስራኤል፡ ናብታ ኸተማ ልኡኻት ልኢኹ ኸኣ፡ “ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል፦  ‘ብሩርካን ወርቅኻን ናተይ እዩ፣ ዘዝጸበቓ ኣንስትኻን ዘዝጸበቑ ደቅኻን እውን ናተይ እዮም’” በሎ።  ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ ከምቲ ቓልካ፡ ኣነን እቲ ዘሎኒ ዅሉን ናትካ ኢና” ኢሉ መለሰሉ።+  እቶም ልኡኻት ከኣ ተመሊሶም ከምዚ በሉ፦ “ቤን-ሃዳድ ከምዚ ይብል፦ ‘“ብሩርካን ወርቅኻን ኣንስትኻን ደቅኻን ክትህበኒ ኢኻ” ኢለ ልኢኸልካ ነይረ።  ጽባሕ ከምዛ ግዜ እዚኣ ግና ገላዎይ ናባኻ ኽሰድድ እየ፣ ንሳቶም ድማ ቤትካን ኣባይቲ ገላዉኻን ኣጸቢቖም ኪጕርጕሩ እዮም። ተባሃጊ ዘበለ ዅሉ ኸኣ ሒዞም ኪወስዱ እዮም።’”  ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ንዅሎም ዓበይቲ እታ ምድሪ ጸዊዑ፡ “እዚ ሰብኣይ እዚ ኣንስተይን ደቀይን ብሩረይን ወርቀይን ክህቦ ልኢኹለይሲ ኣይኣበኽዎን እሞ፡ ክፉእ ኬምጽኣልና ኣንቂዱ ኸም ዘሎ በጃኹም ፍለጡን ርኣዩን” በሎም።  ኵሎም እቶም ዓበይትን ኵሎም እቶም ህዝብን ድማ፡ “ኣይትተኣዘዞ፡ ሕራይ እውን ኣይትበሎ” በልዎ።  ንሱ ኸኣ ንልኡኻት ቤን-ሃዳድ፡ “ንጐይታይ ንጉስ፡ ‘ኵሉ እቲ ቕድም ንጊልያኻ ዝለኣኽካለይ፡ ክገብሮ እየ፣ እዚ ግና ክገብሮ ኣይክእልን እየ’ በልዎ” በሎም። እቶም ልኡኻት ድማ ከይዶም፡ እዚ ዘረባ እዚ መለሱሉ። 10  ቤን-ሃዳድ ከኣ፡ “ሓመድ ሰማርያ ንዅሉ እቲ ዚስዕበኒ ህዝቢ ዐዕማዅ እንተ ኣኺልዎስ፡ ኣማልኽቲ ኸምዚ ይግበሩኒ፡ ከምዚ እውን ይወስኹሉ” ኢሉ ለኣኸሉ። 11  ንጉስ እስራኤል ድማ፡ “‘እቲ ኣጽዋር ዚዓጥቕ፡ ከምቲ ኣጽዋር ዚፈትሕ ገይሩ ኣይመካሕ’ በልዎ” ኢሉ መለሰ።+ 12  ንሱን እቶም ነገስታትን ኣብ ድንኳናቶም* ኪሰትዩ ኸለዉ፡ እዚ መልሲ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ንገላዉኡ፡ “ንመጥቃዕቲ ተዳለዉ!” በሎም። ንሳቶም ከኣ ነታ ኸተማ ኼጥቅዕዋ ተዳለዉ። 13  ሓደ ነብዪ ድማ ናብ ኣከኣብ+ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነዚ ዅሉ ብዙሕ ህዝብስ ርኢኻዮዶ፧ ሎሚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፣ ሽዑ፡ ኣነ የሆዋ ኸም ዝዀንኩ ኽትፈልጥ ኢኻ’” በሎ።+ 14  ኣከኣብ ከኣ፡ “ብመን፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ብገላዉ እቶም መሳፍንቲ ኣውራጃታት’” በሎ። ንሱ ኸኣ፡ “ነቲ ውግእከ መን ይጀምሮ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ” በሎ። 15  ሽዑ፡ ኣከኣብ ነቶም ገላዉ እቶም መሳፍንቲ ኣውራጃታት ቈጸሮም እሞ፡ 232 ኰኑ፣ ድሕሪኦም ከኣ ንዅሎም ህዝቢ፡ ንዅሎም ሰብ እስራኤል ቈጸሮም፡ 7,000 ድማ ኰኑ። 16  ፍርቂ መዓልቲ ምስ ኰነ ኸኣ፡ ቤን-ሃዳድ ኣብ ድንኳናት* ምስቶም ዚሕግዝዎ ዝነበሩ 32 ነገስታት ክሳዕ ዚሰክር ኪሰቲ ኸሎ፡ ወጹ። 17  እቶም ገላዉ መሳፍንቲ ኣውራጃታት ቅድም ምስ ወጹ፡ ቤን-ሃዳድ ልኡኻት ለኣኸ። ንሳቶም ድማ፡ “ሰባት ካብ ሰማርያ ይወጹ ኣለዉ” ኢሎም ነገርዎ። 18  ንሱ ኸኣ፡ “ንሰላም እንተ ወጺኦም፡ ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም፣ ንውግእ እንተ ወጺኦም እውን፡ ብህይወቶም ከለዉ ሓዝዎም” በለ። 19  እዚኣቶም፡—እቶም ገላዉ መሳፍንቲ ኣውራጃታትን እቲ ዚስዕቦም ዝነበረ ሰራዊትን፡—ካብታ ኸተማ ምስ ወጹ ግና፡ 20  ነፍሲ ወከፍ ንመጻርርቱ ቐተለ። ሶርያውያን ድማ ሃደሙ፡+ እስራኤል እውን ሰጐጎም፣ ቤን-ሃዳድ ንጉስ ሶርያ ኸኣ፡ ምስ ገለ ፈረሰኛታት ኰይኑ፡ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ኣምለጠ። 21  ንጉስ እስራኤል ድማ ወጺኡ ንኣፍራስን ንሰረገላታትን ወቕዐ፣ ንሶርያውያን ከኣ ብብርቱዕ ስዕረት ሰዓሮም።* 22  እቲ ነብዪ+ ድማ ናብ ንጉስ እስራኤል ቀሪቡ፡ “ኣብ መጀመርታ እትቕጽል ዓመት፡* ንጉስ ሶርያ ኣንጻርካ ኺድይብ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ገዛእ ርእስኻ ኣበርትዕ፡+ እንታይ ከም እትገብር ከኣ ሕሰብ” በሎ።+ 23  ንንጉስ ሶርያ ድማ እቶም ገላዉኡ ኸምዚ በልዎ፦ “ኣምላኾም ኣምላኽ ኣኽራን እዩ። ስለዚ እዮም ዝሓየሉና። ግናኸ፡ ኣብ ጐልጐል እንተ ተዋጊእናዮም፡ ክንሕይሎም ኢና። 24  እዚ እውን ግበር፦ ንዅሎም እቶም ነገስታት+ ካብ ቦታኦም ኣልጊስካ ብሹማምንቲ ተክኣዮም። 25  ኣብ ክንዲ እቲ ዝጠፍኣካ ሰራዊት፡ ሰራዊት፡ ኣብ ክንዲ ፈረስ፡ ፈረስ፡ ኣብ ክንዲ ሰረገላ፡ ሰረገላ ኣክብ።* ኣብ ጐልጐል ድማ ንዋግኣዮም፡ ብርግጽ ከኣ ክንሕይሎም ኢና።” ንሱ ድማ ምኽሮም ሰሚዑ ኸምኡ ገበረ። 26  ኣብ መጀመርታ እታ ዓመት፡* ቤን-ሃዳድ ንሶርያውያን ኣከቦም፡ ምስ እስራኤል ኪዋጋእ ከኣ ናብ ኣፌቅ+ ደየበ። 27  ህዝቢ እስራኤል እውን ተኣኪቦምን ስንቆም ሒዞምን ኪቀባበልዎ ኸዱ። ህዝቢ እስራኤል ድማ ክልተ ንኣሽቱ መጓሰ ኣጣል መሲሎም፡ ኣብ መንጽሮም ሰፈሩ፣ እቶም ሶርያውያን ግና ንብዘላ ምድሪ መሊኦምዋ ነበሩ።+ 28  ሽዑ፡ እቲ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ ቀሪቡ ንንጉስ እስራኤል፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ሶርያውያን፡ “የሆዋ ኣምላኽ ኣኽራን እዩ እምበር፡ ንሱ ኣምላኽ ጐልጐል ኣይኰነን” ስለ ዝበሉ፡ እዚ ዅሉ ብዙሕ ህዝቢ እዚ ኣብ ኢድካ ኽህበካ እየ፣+ ኣነ የሆዋ ኸም ዝዀንኩ ኸኣ ብርግጽ ክትፈልጡ ኢኹም’”+ በሎ። 29  ኣብ መንጽር ሓድሕዶም ኰይኖም ድማ ሸውዓተ መዓልቲ ሰፈሩ፣ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ኸኣ ውግእ ኰነ። ህዝቢ እስራኤል ድማ ካብ ሶርያውያን ብሓንቲ መዓልቲ 100,000 ኣጋር ተዋጋእቲ ቐተሉ። 30  እቶም ዝተረፉ ኸኣ ናብ ኣፌቅ+ ናብታ ኸተማ ሃደሙ። ኣብቶም ዝተረፉ 27,000 ሰብ ግና፡ መካበብያ ወደቖም። ቤን-ሃዳድ እውን ሃዲሙ ናብታ ኸተማ መጸ፡ ኣብ ውሻጠ ድማ ተሓብአ። 31  ገላዉኡ ኸኣ፡ “እንሆ፡ እቶም ነገስታት ቤት እስራኤል መሓርቲ ነገስታት* ምዃኖም ሰሚዕና ኣለና። በጃኻ፡ ኣብ ሕቘና ማቕ ተዓጢቕና፡ ኣብ ርእስና ድማ ገመድ ጌርና ናብ ንጉስ እስራኤል ንውጻእ። ምናልባት ንህይወትካ* ይንሕፋ ይኸውን” በልዎ።+ 32  ሽዑ፡ ማቕ ኣብ ሕቘኦም ተዓጢቖም፡ ገመድ ከኣ ኣብ ርእሶም ገይሮም፡ ናብ ንጉስ እስራኤል መጹ እሞ፡ “ጊልያኻ ቤን-ሃዳድ፡ ‘በጃኻ፡ ብህይወት ሕደገኒ’* ይብል ኣሎ” በሉ። ንሱ ድማ፡ “ገናዶ ብህይወቱ ኣሎ፧ ንሱ ሓወይ እዩ” ኢሉ መለሰ። 33  እቶም ሰባት ከኣ ነዚ ኸም ፋል ገይሮም ወሲዶም፡ ነቲ ቓሉ ኸም ዘለዎ ተቐቢሎም፡ “ቤን-ሃዳድ ሓውካ እዩ” በሉ። ንሱ ድማ፡ “ኪዱ ኣምጽእዎ” በለ። ቤን-ሃዳድ ከኣ ናብኡ ወጸ፣ ንሱ ኸኣ ናብ ሰረገላኡ ኣደየቦ። 34  ቤን-ሃዳድ ድማ፡ “እተን ኣቦይ ካብ ኣቦኻ ዝወሰደን ከተማታት ክመልሰልካ እየ፣ ከምቲ ኣቦይ ኣብ ሰማርያ ዝገበሮ ኸኣ፡ ንስኻ ኣብ ደማስቆ ንዓኻ ዕዳጋታት* ክትገብር ትኽእል ኢኻ” በሎ። ኣከኣብ ከኣ፡ “ብመሰረት እዚ ስምምዕ* እዚ፡ ክሰድደካ እየ” ኢሉ መለሰሉ። ምስኡ ስምምዕ ገይሩ ድማ ሰደዶ። 35  ሓደ ኻብቶም ደቂ ነብያት*+ ከኣ ብቓል የሆዋ ንብጻዩ፡ “በጃኻ ውቕዓኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ግና ምውቃዑ ኣበየ። 36  ንሱ ድማ፡ “ቃል የሆዋ ስለ ዘይሰማዕካ፡ ካባይ ምስ ከድካ፡ ኣንበሳ ኪቐትለካ እዩ” በሎ። ንሱ ኻብኡ ምስ ከደ ኸኣ፡ ኣንበሳ ረኺቡ ቐተሎ። 37  ንሱ ድማ ካልእ ሰብኣይ ረኺቡ፡ “በጃኻ ውቕዓኒ” በሎ። እቲ ሰብኣይ ከኣ ወቒዑ ኣቝሰሎ። 38  እቲ ነብዪ ድማ ከይዱ፡ ኣዒንቱ ብመዘነኒ ብምሽፋን ትርኢቱ ለዊጡ፡ ንንጉስ ኣብ ጥቓ መገዲ ተጸበዮ። 39  ንጉስ ኪሓልፍ ከሎ ኸኣ፡ ንሱ ናብ ንጉስ ከምዚ ኢሉ ጠርዐ፦ “ጊልያኻ ናብ ጽዕጹዕ ውግእ ኣትዩ፣ ሓደ ሰብኣይ ኣልጊሱ ድማ፡ ‘ነዚ ሰብኣይ እዚ ሓልዎ። እንተ ጠፊኡ፡ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ህይወትካ* ኽትከውን እያ፡+ ወይ ሓደ ታለንት* ብሩር ክትከፍል ኢኻ’ ኢሉኒ። 40  ጊልያኻ ኣብዝን ኣብትን እናበለ ኺዓዪ ኸሎ፡ ብሃንደበት እቲ ሰብኣይ ጠፊኡ።” ንጉስ እስራኤል ከኣ፡ “ፍርድኻ ኸምኡ ኪኸውን እዩ፣ ባዕልኻ ወሲንካዮ ኢኻ” በሎ። 41  ሽዑ፡ ንሱ ነቲ መዘነኒ ኻብ ኣዒንቱ ቐልጢፉ ኣልገሶ፣ ንጉስ እስራኤል ድማ ንሱ ሓደ ኻብ ነብያት ከም ዝዀነ ኣለለዮ።+ 42  ንሱ ኸኣ፡ “የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ ‘ነቲ ኺጠፍእ ዝበልክዎ ሰብኣይ ካብ ኢድካ ስለ ዝሰደድካዮ፡+ ኣብ ክንዲ ህይወቱ፡ ህይወትካ፡*+ ኣብ ክንዲ ህዝቡ ድማ ህዝብኻ ይኹን’”+ በሎ። 43  ሽዑ፡ ንጉስ እስራኤል ኰርዩን ጕህዩን ናብ ቤቱ ናብ ሰማርያ+ ኸደ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዳሳቶም።”
ወይ፡ “ዳሳት።”
ወይ፡ “ወቒዑ ብዙሓት ቀተለ።”
ማለት፡ ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት።
ቃ.ቃ.፡ “ቍጸር።”
ማለት፡ ኣብ ከባቢ መፋርቕ መጋቢት።
ወይ፡ “ብተኣማንነት ዜፍቅሩ ነገስታት።”
ወይ፡ “ንነፍስኻ።”
ወይ፡ “ንነፍሰይ ብህይወት ሕደጋ።”
ወይ፡ “ጐደናታት።”
ወይ፡ “ኺዳን።”
“ደቂ ነብያት” ንቤት ትምህርቲ ነብያት ወይ ንማሕበር ነብያት ዜመልክት ይመስል።
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሱ፡ ነፍስኻ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ኣብ ክንዲ ነፍሱ፡ ነፍስኻ።”