1 ነገስት 21:1-29

  • ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ተተምነዮ (1-4)

  • ኢዛቤል ንናቦት ኣቕተለቶ (5-16)

  • ኤልያስ ንኣከኣብ ዝነገሮ መልእኽቲ ፍርዲ (17-26)

  • ኣከኣብ ርእሱ ኣትሓተ (27-29)

21  ድሕሪ እዚ ነገር እዚ ኸኣ ኰነ፡ ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣብ ይዝርኤል፡+ ኣብ ጥቓ ቤተ መንግስቲ ኣከኣብ ንጉስ ሰማርያ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ነበሮ። 2  ኣከኣብ ንናቦት፡ “ኣታኽልቲ ወይንኻ ኣብ ጥቓ ቤተይ ስለ ዝዀነ፡ ስፍራ ኣሕምልቲ ኪዀነኒ ሃበኒ። ኣብ ክንዳኡ ድማ ካብኡ ዚበልጽ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ እየ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ዋጋኡ ብገንዘብ ክህበካ እየ” በሎ። 3  ናቦት ግና ንኣከኣብ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ክህበካስ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘይሕሰብ እዩ” በሎ።+ 4  ኣከኣብ ከኣ በቲ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ “ርስቲ ኣቦታተይ ኣይህበካን እየ” ኢሉ ዝመለሰሉ ቓል ኰርዩን ጕህዩን ናብ ቤቱ ኣተወ። ገጹ ንንየው መሊሱ ኣብ ዓራቱ በጥ በለ እሞ፡ እንጌራ ምብላዕ ኣበየ። 5  ሰበይቱ ኢዛቤል+ ድማ ናብኡ መጺኣ፡ “እንጌራ ምብላዕ ክሳዕ እትኣቢ ዝጐሃኻስ* ስለምንታይ ኢኻ፧” በለቶ። 6  ንሱ ኸኣ፡ “ንናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ‘ኣታኽልቲ ወይንኻ ብገንዘብ ሃበኒ። ወይ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ኻልእ ኣታኽልቲ ወይኒ ኽህበካ’ ኢለዮ። ንሱ ግና፡ ‘ኣታኽልቲ ወይነይ ኣይህበካን እየ’ ኢሉኒ” በላ። 7  ሰበይቱ ኢዛቤል ድማ፡ “ኣብ ልዕሊ እስራኤል ነጊስካ ዘለኻስ ንስኻ ደይኰንካን፧ ተንስእ፡ እንጌራ ብላዕ፡ ልብኻ እውን ይተሓጐስ። ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ፡ ኣነ ኽህበካ እየ” በለቶ።+ 8  ብስም ኣከኣብ ደብዳበታት ጽሒፋ፡ ብማሕተሙ ኸኣ ሓቲማ፡+ ነተን ደብዳበታት ናብቶም ኣብ ከተማ ናቦት ዚነብሩ ዓበይትን+ ልዑላንን ሰደደተን። 9  ኣብተን ደብዳበታት ድማ ከምዚ ኢላ ጸሓፈት፦ “ጾም ኣውጁ፡ ንናቦት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐምጥዎ። 10  ኣብ ቅድሚኡ ድማ ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት ኣቐምጡ እሞ፡ ንሳቶም፡ ‘ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊምካ’+ ኢሎም ይመስክሩሉ።+ ኣውጺእኩም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቕተልዎ።”+ 11  እቶም ሰብ እታ ኸተማኡ፡ እቶም ኣብታ ኸተማኡ ዚነብሩ ዓበይትን ልዑላንን፡ ከምቲ ኣብተን ኢዛቤል ዝለኣኸትሎም ደብዳበታት ተጻሒፉ ዝነበረ ገበሩ። 12  ጾም ኣወጁ፡ ንናቦት ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣቐመጥዎ። 13  ክልተ ዘይጠቕሙ ሰባት መጺኦም ከኣ ኣብ ቅድሚኡ ተቐመጡ፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ፡ “ናቦት ንኣምላኽን ንንጉስን ረጊሙ” ኢሎም ንናቦት መስከሩሉ።+ ናብ ወሰን እታ ኸተማ ኣውጺኦም ከኣ ብዳርባ እምኒ ቐተልዎ።+ 14  ሽዑ፡ “ናቦት ብዳርባ እምኒ ተቐቲሉ” ኢሎም ንኢዛቤል ለኣኹላ።+ 15  ኢዛቤል ድማ ናቦት ብዳርባ እምኒ ኸም እተቐትለ ምስ ሰምዐት፡ ንኣከኣብ፡ “ናቦት ብህይወት የሎን፡ ሞይቱ እዩ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ብገንዘብ ምሃብ ዝኣበየካ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ተረስተዮ” በለቶ።+ 16  ኣከኣብ ከኣ ናቦት ከም ዝሞተ ምስ ሰምዐ፡ ኣከኣብ ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት እቲ ይዝርኤላዊ ኺርስተዮ ኢሉ፡ ተንሲኡ ናብኡ ወረደ። 17  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ድማ ናብ ኤልያስ+ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 18  “ተንስእ እሞ ነቲ ኣብ ሰማርያ+ ዘሎ ኣከኣብ ንጉስ እስራኤል ክትረኽቦ ውረድ። እንሆ፡ ኣብቲ ኺርስተዮ ኢሉ ዝኸዶ ኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ኣሎ። 19  ከምዚ ኢልካ ኸኣ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ሰብ ቀቲልካስ+ ተረስቲኻዮዶ፧”’+ ከምዚ ኢልካ ድማ ተዛረቦ፦ ‘የሆዋ ኸምዚ ይብል፦ “ኣብታ ኣኽላባት ደም ናቦት ዝለሓሱላ ቦታ፡ ኣኽላባት ደምካ ኺልሕሱ እዮም።”’”+ 20  ኣከኣብ ከኣ ንኤልያስ፡ “ኣታ ጸላእየይ፡ ረኺብካኒዶ፧” በሎ።+ ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እወ ረኺበካ። ‘ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ክትገብር ስለ ዝቘረጽካ፡*+ 21  እንሆ ኣነ መዓት አምጽኣልካ ኣለኹ፣ ስዒበ ክዅስትረካ እየ፡ ካብ ኣከኣብ ከኣ ተባዕታይ ዘበለ፡*+ እንተላይ ኣብ እስራኤል ዘሎ ረዳኢ ኣልቦን ድኹምን፡ ከጽንት እየ።+ 22  ኣቘጢዕካንን ንእስራኤል ኣሕጢእካዮን ኢኻ እሞ፡ ንቤትካ ኸም ቤት የሮብዓም+ ወዲ ናባጥን ከም ቤት ባዕሳ+ ወዲ ኣሒያን ክገብራ እየ።’ 23  ብዛዕባ ኢዛቤል እውን፡ የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ተዛሪቡ ኣሎ፦ ‘ንኢዛቤል ኣብ ግራት ይዝርኤል ኣኽላባት ኪበልዕዋ እዮም።+ 24  እቲ ኻብ ኣከኣብ ዘበለ ኣብ ከተማ ዚመውት፡ ኣኽላባት ኪበልዕዎ እዮም፣ እቲ ኣብ መሮር ዚመውት ድማ፡ ኣዕዋፍ ሰማያት ኪበልዓኦ እየን።+ 25  ብሰበይቱ ኢዛቤል እናተደፋፍአ፡+ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ኽፉእ ንምግባር ዝቘረጸ* ኸም ኣከኣብ ዝበለ ኸቶ ኣይነበረን።+ 26  ከምቲ ዅሎም እቶም የሆዋ ኻብ ቅድሚ እስራኤላውያን ዝሰጐጎም ኣሞራውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ፡ ደድሕሪ ጽዩፋት ጣኦታት* ብምስዓብ፡ ኣመና ፍንፉን ነገር ገይሩ እዩ።’”+ 27  ኣከኣብ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ክዳውንቱ ቐደደ፡ ሰብነቱ ብማቕ ከደነ፡ ጾመ፡ ኣብ ማቕ ደቀሰ፡ ጕህዩ ድማ ይኸይድ ነበረ። 28  ከምዚ ዚብል ቃል የሆዋ ኸኣ ናብ ኤልያስ እቲ ቲሽባዊ መጸ፦ 29  “ኣከኣብ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ኸም ዘትሓተስ ርኢኻዶ፧+ ኣብ ቅድመይ ርእሱ ስለ ዘትሓተ፡ ነቲ መዓት ብዘመኑ ኣይከምጽኦን እየ። ነቲ መዓትሲ ብዘመን ወዱ ኣብ ልዕሊ ቤቱ ኸምጽኦ እየ።”+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “መንፈስካ ዝጐሃየስ።”
ቃ.ቃ.፡ “ርእስኻ ስለ ዝሸጥካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ዚሸይን ዘበለ።” ንተባዕትዮ ዜመልክት ናይ ንዕቀት መግለጺ እብራይስጢ።
ቃ.ቃ.፡ “ርእሱ ዝሸጠ።”
እታ ናይ እብራይስጢ ቓል ምስ “ፋንድያ” እትዛመድ ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንዕቀት ንምግላጽ ከኣ ተገልግል።