1 ነገስት 3:1-28

  • ሰሎሞን ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ (1-3)

  • የሆዋ ንሰሎሞን ብሕልሚ ተራእዮ (4-15)

    • ሰሎሞን ጥበብ ኪውሃቦ ለመነ (7-9)

  • ሰሎሞን ኣብ መንጎ ኽልተ ኣዴታት ፈረደ (16-28)

3  ሰሎሞን ድማ ምስ ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ተዋሰበ። ንጓል ፈርኦን ተመርዓዋ* እሞ፡+ ቤቱን ቤት የሆዋን ኣብ ዙርያ የሩሳሌም ዚርከብ መካበብያን ሃኒጹ ኽሳዕ ዚውድእ፡+ ናብ ከተማ ዳዊት ኣእተዋ።+  ግናኸ፡ ክሳዕ እታ ግዜ እቲኣ ንስም የሆዋ ቤት ኣይተሃንጸትን ነበረት እሞ፡+ እቶም ህዝቢ ገና ኣብ በረኽቲ ይስውኡ ነበሩ።+  ሰሎሞን ድማ ብሕግታት ኣቦኡ ዳዊት ብምምልላስ፡ ንየሆዋ የፍቅሮ ነበረ፣ ሓንትስ ኣብ በረኽቲ ይስውእን ይዓጥንን ነበረ።+  ጊብዖን ምርእይቲ* በራኽ ነበረት እሞ፡ ንጉስ ኪስውእ ናብኣ ኸደ።+ ሰሎሞን ከኣ ኣብቲ መሰውኢ እቲ፡ 1,000 ዚሓርር መስዋእቲ ኣቕረበ።+  ኣብ ጊብዖን ድማ የሆዋ ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ “እንታይ ክህበካ ኸም እትደሊ ለምን” በሎ።+  ሰሎሞን ድማ ከምዚ በለ፦ “ንስኻ ንጊልያኻ ንኣቦይ ዳዊት፡ ከምቲ ኣብ ቅድሜኻ ብተኣማንነትን ብጽድቅን ብቕንዕና ልብን እተመላለሰ፡ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ። ኣብ ዝፋኑ ዚቕመጥ ወዲ ብምሃብ ከኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብተኣማንነት ኣጸቢቕካ ኣፍቂርካዮ ኢኻ።+  ሕጂ ድማ፡ ኦ የሆዋ ኣምላኸይ፡ መንእሰይን* ዘይምኩርን* ክነሰይ፡+ ንጊልያኻ ኣብ ክንዲ ኣቦይ ዳዊት ኣንጊስካዮ ኢኻ።  ጊልያኻ ኸኣ ኣብ መንጎ እዚ ዝሓረኻዮ ህዝብኻ፡+ ኣብ መንጎ እዚ ኻብ ምብዛሑ እተላዕለ ዘይቍጸርን ዘይጽብጸብን ህዝቢ እዩ ዘሎ።  ነዚ ብዙሕ* ህዝብኻ እዚ ደኣ መን ኪፈርዶ ይኽእል፧ ስለዚ፡ ንጊልያኻ፡ ኣብ መንጎ ጽቡቕን ክፉእን ፈልዩ+ ንህዝብኻ ምእንቲ ኺፈርድሲ፡+ እዙዝ ልቢ ሃቦ።” 10  ሰሎሞን እዚ ነገር እዚ ምልማኑ፡ ንየሆዋ ባህ ኣበሎ።+ 11  ኣምላኽ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እዚ ነገር እዚ ስለ ዝለመንካ፡ ንርእስኻ ነዊሕ ዕድመ* ወይ ሃብቲ ወይ ሞት ጸላእትኻ* ስለ ዘይለመንካ፡ የግዳስ፡ ፍርዳዊ ጕዳይ ንምስማዕ ኣእምሮ ስለ ዝለመንካ፡+ 12  ከምቲ ዝለመንካዮ ኽገብረልካ እየ።+ ጥበበኛን ዚርዳእን ልቢ ኽህበካ እየ እሞ፡+ ከምቲ ብቕድሜኻ ኸማኻ ዝበለ ዘይነበረ፡ ብድሕሬኻ እውን ከማኻ ዝበለ ደጊም ኣይኪህሉን እዩ።+ 13  ብተወሳኺ ድማ፡ ዘይለመንካዮ ሃብትን ክብርን ክህበካ እየ እሞ፡+ ብዅሉ ዘመንካ* ኸማኻ ዝበለ ኻልእ ንጉስ ኣይኪህሉን እዩ።+ 14  ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ ኸኣ፡+ ስርዓታተይን ትእዛዛተይን ብምሕላው ብመገድታተይ እንተ ተመላሊስካ፡ ዕድሜኻ* ኸንውሕ እየ።”+ 15  ሰሎሞን ምስ ተበራበረ፡ ሕልሚ ምንባሩ ፈለጠ። ናብ የሩሳሌም ከይዱ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን የሆዋ ደው በለ፣ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን+ እውን ኣቕረበ፣ ንዅሎም ገላዉኡ ድማ ድግስ ገበረሎም። 16  ሽዑ፡ ክልተ ኣመናዝር ናብ ንጉስ መጺአን፡ ኣብ ቅድሚኡ ደው በላ። 17  እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ኸምዚ በለት፦ “በጃኻ ጐይታይ፡ ኣነን እዛ ሰበይቲ እዚኣን ኣብ ሓንቲ ቤት ኢና እንነብር፣ ንሳ ኣብታ ቤት ከላ ኸኣ፡ ኣነ ወሊደ። 18  ኣብ ሳልስቲ እታ ዝወለድኩላ መዓልቲ፡ እዛ ሰበይቲ እዚኣ እውን ወሊዳ። ብሓንሳእ ድማ ኔርና፣ ብዘይካ ኽልቴና፡ ኣብታ ቤት ካልእ ምሳና ኣይነበረን። 19  ለይቲ፡ ወዲ እዛ ሰበይቲ እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዝደቀሰት፡ ሞይቱ። 20  ፍርቂ ለይቲ ተንሲኣ ኸኣ፡ ግዝእትኻ ደቂሳ ኸላ፡ ወደይ ካብ ጐድነይ ወሲዳ፡ ኣብ ሕቝፋ ኣደቂሳቶ፣ ነቲ ምዉት ወዲ ግና ኣብ ሕቝፈይ ኣደቂሳቶ። 21  ንግሆ ንወደይ ከጥብዎ ኢለ ምስ ተንሳእኩ፡ ሞይቱ ጸኒሑኒ። ንግሆ ኣጸቢቐ እንተ መርመርክዎ፡ እቲ ዝወለድክዎ ወደይ ዘይምዃኑ ርእየ።” 22  እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ህያውሲ ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ከኣ ወድኺ እዩ” በለት። እታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ” በለት። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ተማጐታ። 23  ሽዑ፡ ንጉስ፡ “እዚኣ፡ ‘እዚ ህያው ወደይ እዩ፡ እቲ ምዉት ድማ ወድኺ እዩ’ ትብል ኣላ፣ እቲኣ ኸኣ፡ ‘ኣይፋልን፡ እቲ ምዉት ደኣ ወድኺ እዩ፡ እቲ ህያው ግና ወደይ እዩ’ ትብል ኣላ” በለ። 24  ንጉስ ድማ፡ “ሰይፊ ኣምጽኡለይ” በለ። ናብ ንጉስ ከኣ ሰይፊ ኣምጽኡ። 25  ንጉስ ድማ፡ “ነቲ ህያው ሕጻን ኣብ ክልተ ቘሪጽኩም፡ ፍርቁ ነዛ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ፍርቁ ድማ ነታ ሓንቲ ሃብወን” በለ። 26  ሽዑ፡ እታ ወዳ ህያው ዝዀነ ሰበይቲ ንወዳ ስለ ዝራሕርሐትሉ፡ ንንጉስ፡ “በጃኻ ጐይታይ፡ እቲ ህያው ሕጻን ንዓኣ ሃብዋ እምበር፡ ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢላ ለመነቶ። እታ ኻልአይቲ ሰበይቲ ግና፡ “ንዓይ ወይ ንዓኺ ኣይኹን። ይቝረጽዎ ደኣ” በለት። 27  ሽዑ፡ ንጉስ፡ “ንሳ ኣዲኡ እያ እሞ፡ ነቲ ህያው ሕጻን ነዛ ቐዳመይቲ ሰበይቲ ሃብዋ። ፈጺምኩም ኣይትቕተልዎ” ኢሉ መለሰ። 28  ኵሎም እስራኤል ድማ ነቲ ንጉስ ዝፈረዶ ፍርዲ ሰምዑ፣ ፍትሒ ንምውጻእ ጥበብ ኣምላኽ ምስኡ ኸም ዘሎ ስለ ዝረኣዩ ኸኣ፡+ ንንጉስ ኣኽበርዎ።*+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ወሰዳ።”
ቃ.ቃ.፡ “ዓባይ።”
ወይ፡ “ንእሽቶ ወድን።”
ቃ.ቃ.፡ “ምውጻእን ምእታውን ዘይፈልጥን።”
ወይ፡ “ኣጸጋሚ” ኪኸውን ይኽእል። ቃ.ቃ.፡ “ከቢድ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብዙሕ መዓልትታት።”
ወይ፡ “ነፍሲ ጸላእትኻ።”
ቃ.ቃ.፡ “ብዅሉ መዓልትታትካ።”
ቃ.ቃ.፡ “መዓልትታትካ።”
ቃ.ቃ.፡ “ፈርህዎ።”