1 ነገስት 9:1-28

  • የሆዋ ንሰሎሞን ከም ብሓድሽ ተራእዮ (1-9)

  • ሰሎሞን ንንጉስ ሒራም ዝሃቦ ህያብ (10-14)

  • እተፈላለየ ዕዮታት ሰሎሞን (15-28)

9  ሰሎሞን፡ ህንጸት ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ እተመነዮን ምስ ወድአ፡+  የሆዋ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተራእዮ፡ ካልኣይ ሳዕ ተራእዮ።+  የሆዋ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዘቕረብካዮ ጸሎትካን ናይ ሞገስ ልማኖኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ዝሃነጽካያ ቤት እዚኣ፡ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+  ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡+ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡+ ብንጽህና ልብን+ ብቕንዕናን+ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+  ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢለ ዘተስፎኽዎ፡ ዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዕ እየ።+  ግናኸ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ዘይሓሊኹምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+  ንእስራኤል ካብ ገጽ እዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽምንቍሶም እየ፣+ ነታ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣+ እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።+  እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡ ኪፋጺ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+  ሽዑ፡ ‘ነቲ ንኣቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ። ስለዚ እዩ የሆዋ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’ ኺብሉ እዮም።”+ 10  ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ማለት ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን፡ ዝሃነጸለን 20 ዓመት፡+ 11  ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን፡ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ዕንጨይቲ ጽሕድን* ዝደለዮ ዅሉ ወርቅን ስለ ዘቕረበሉ፡+ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ምድሪ ገሊላ 20 ኸተማ ሃቦ። 12  ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ኪርእየን ካብ ጢሮስ ወጸ፣ ግናኸ፡ ብኣታተን ኣይዓገበን።* 13  “ሓወየ፡ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዓይነት ከተማታት እየን፧” ከኣ በሎ። ንሳተን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምድሪ ካቡል* ተባሂለን ተሰምያ። 14  ሒራም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞን 120 ታለንት* ወርቂ ሰደደሉ።+ 15  ጸብጻብ እቶም ንጉስ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን+ ቤቱን* እቲ ዅምራን*+ መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን+ መጊዶን+ ጌዘርን+ ኪሃንጹ ዝኣከቦም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ እዚ እዩ።+ 16  (ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛ፡ ብሓዊ ኸኣ ኣንደዳ፣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ድማ ቀተሎም።+ ንጓሉ፡ ንሰበይቲ ሰሎሞን ከኣ ህያብ ስንብታ* ገይሩ ሃባ።)+ 17  ሰሎሞን ድማ ንጌዘርን ንታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ሰርሐን፣* 18  ከምኡ እውን ንበዓላትን+ ነታ ኣብ በረኻ ኣብ ውሽጢ እታ ምድሪ ዘላ ታማርን 19  ንዅለን ናይ ሰሎሞን ከተማታት መኽዘንን ንኸተማታት ሰረገላን+ ንኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵላ ምድሪ ግዝኣቱን ኪሰርሖ እተመነዮ ዘበለን ሰርሐ። 20  ኵሎም እቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ዘይኰኑ ህዝቢ፡+ 21  እቶም እስራኤላውያን ኬጥፍእዎም ዘይከኣሉ ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኦም፡ ሰሎሞን ንዓታቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብግዲ ዚሽቅሉ ባሮት ገበሮም።+ 22  እስራኤላውያን ግና ተዋጋእቱን ገላዉኡን መሳፍንቱን ሓገዝቱን ኣሕሉቕ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ እምበር፡ ሰሎሞን ካባታቶም ባሮት ኣይገበረን።+ 23  ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ዚዓዪ ህዝቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ 550 ነበሩ።+ 24  ጓል ፈርኦን+ ግና ካብ ከተማ ዳዊት+ ናብታ ዝሃነጸላ ቤታ ደየበት። ሽዑ፡ ነቲ ዅምራ* ሃነጾ።+ 25  ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንየሆዋ ዝሰርሓሉ መሰውኢ፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣቕረበ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ እውን ይዓጥን ነበረ። ነታ ቤት ከኣ ወድኣ።+ 26  ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብታ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮን-ገበር፡+ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ጭፍራ መራኽብ ሰርሐ።+ 27  ሒራም ከኣ ምስተን ጭፍራ መራኽብ፡+ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ኰይኖም ዚዓይዩ ምኩራት ባሕረኛታት ዝዀኑ ገላዉኡ ሰደደ። 28  ናብ ኦፊር+ ከይዶም ድማ፡ ካብኣ 420 ታለንት ወርቂ ወሰዱ፣ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣምጽእዎ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
ወይ፡ “ተርሚንን።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዓት ኣይነበራን።”
ወይ፡ “ዘይትጠቅም ምድሪ።”
ሓደ ታለንት፡ 34.2 ኪ.ግ. እዩ። ኣብ መ.ጽ. ለ14 ርአ።
ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”
ወይ፡ “ሚሎን።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
ወይ፡ “ገዝሚ።”
ወይ፡ “ዓረደን።”
ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።