1 ነገስት 9:1-28
9 ሰሎሞን፡ ህንጸት ቤት የሆዋን ቤት* ንጉስን+ ኵሉ እቲ ሰሎሞን ኪሰርሖ እተመነዮን ምስ ወድአ፡+
2 የሆዋ ንሰሎሞን፡ ከምቲ ኣብ ጊብዖን እተራእዮ፡ ካልኣይ ሳዕ ተራእዮ።+
3 የሆዋ ድማ ከምዚ በሎ፦ “እቲ ኣብ ቅድመይ ዘቕረብካዮ ጸሎትካን ናይ ሞገስ ልማኖኻን ሰሚዐዮ ኣለኹ። ነዛ ዝሃነጽካያ ቤት እዚኣ፡ ስመይ ንሓዋሩ ኣብኣ ብምንባር ቀዲሰያ ኣለኹ፣+ ኣዒንተይን ልበይን ከኣ ወትሩ ኣብኣ ኪኸውን እዩ።+
4 ንስኻ ድማ ኵሉ እቲ ዝኣዘዝኩኻ ብምግባር፡+ ከምቲ ኣቦኻ ዳዊት እተመላለሶ፡+ ብንጽህና ልብን+ ብቕንዕናን+ ኣብ ቅድመይ እንተ ተመላሊስካ፡ ስርዓታተይን ፍርድታተይን እውን እንተ ሓሊኻ፡+
5 ሽዑ ኣነ ኸምቲ ንኣቦኻ ዳዊት፡ ‘ካባኻ ኣብ ዝፋን እስራኤል ዚቕመጥ ሰብ ከቶ ኣይኬቋርጽን እዩ’ ኢለ ዘተስፎኽዎ፡ ዝፋን መንግስትኻ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ንዘለኣለም ከጽንዕ እየ።+
6 ግናኸ፡ ንስኻትኩምን ደቅኹምን ካብ ምስዓበይ እንተ ተመሊስኩም፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኹም ዘንበርክዎ ትእዛዛተይን ሕግታተይን እንተ ዘይሓሊኹምዎ፡ ኬድኩም ድማ ንኻልኦት ኣማልኽቲ እንተ ኣገልጊልኩምዎምን እንተ ሰጊድኩምሎምን፡+
7 ንእስራኤል ካብ ገጽ እዛ ዝሃብክዎም ምድሪ ኽምንቍሶም እየ፣+ ነታ ንስመይ ዝቐደስክዋ ቤት ከኣ ካብ ቅድመይ ክድርብያ እየ፣+ እስራኤል ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ህዝብታት መመሰልን መላገጽን ኪኸውን እዩ።+
8 እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡ ኪፋጺ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+
9 ሽዑ፡ ‘ነቲ ንኣቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ። ስለዚ እዩ የሆዋ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’ ኺብሉ እዮም።”+
10 ኣብ መወዳእታ እተን ሰሎሞን ነተን ክልተ ቤት፡ ማለት ንቤት የሆዋን ንቤት* ንጉስን፡ ዝሃነጸለን 20 ዓመት፡+
11 ሒራም+ ንጉስ ጢሮስ ንሰሎሞን፡ ዕንጨይቲ ቄድሮስን ዕንጨይቲ ጽሕድን* ዝደለዮ ዅሉ ወርቅን ስለ ዘቕረበሉ፡+ ንጉስ ሰሎሞን ንሒራም ኣብ ምድሪ ገሊላ 20 ኸተማ ሃቦ።
12 ሒራም ከኣ ነተን ሰሎሞን ዝሃቦ ኸተማታት ኪርእየን ካብ ጢሮስ ወጸ፣ ግናኸ፡ ብኣታተን ኣይዓገበን።*
13 “ሓወየ፡ እዘን ዝሃብካንስ እንታይ ዓይነት ከተማታት እየን፧” ከኣ በሎ። ንሳተን ድማ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ምድሪ ካቡል* ተባሂለን ተሰምያ።
14 ሒራም ከኣ ንንጉስ ሰሎሞን 120 ታለንት* ወርቂ ሰደደሉ።+
15 ጸብጻብ እቶም ንጉስ ሰሎሞን፡ ቤት የሆዋን+ ቤቱን* እቲ ዅምራን*+ መካበብያ የሩሳሌምን ሓጾርን+ መጊዶን+ ጌዘርን+ ኪሃንጹ ዝኣከቦም ብግዲ ዚሽቅሉ ሸቃሎ እዚ እዩ።+
16 (ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ደዪቡ ንጌዘር ሓዛ፡ ብሓዊ ኸኣ ኣንደዳ፣ ነቶም ኣብታ ኸተማ ዚቕመጡ ዝነበሩ ከነኣናውያን ድማ ቀተሎም።+ ንጓሉ፡ ንሰበይቲ ሰሎሞን ከኣ ህያብ ስንብታ* ገይሩ ሃባ።)+
17 ሰሎሞን ድማ ንጌዘርን ንታሕተዋይ ቤት-ሖሮንን+ ሰርሐን፣*
18 ከምኡ እውን ንበዓላትን+ ነታ ኣብ በረኻ ኣብ ውሽጢ እታ ምድሪ ዘላ ታማርን
19 ንዅለን ናይ ሰሎሞን ከተማታት መኽዘንን ንኸተማታት ሰረገላን+ ንኸተማታት ፈረሰኛታትን ነቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ሊባኖስን ኣብ ኵላ ምድሪ ግዝኣቱን ኪሰርሖ እተመነዮ ዘበለን ሰርሐ።
20 ኵሎም እቶም ካብ ኣሞራውያንን ሔታውያንን ፈረዛውያንን ሒዋውያንን ይቡሳውያንን ዝተረፉ፡+ ካብ ህዝቢ እስራኤል ከኣ ዘይኰኑ ህዝቢ፡+
21 እቶም እስራኤላውያን ኬጥፍእዎም ዘይከኣሉ ኣብታ ምድሪ ዝተረፉ ዘርኦም፡ ሰሎሞን ንዓታቶም ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ብግዲ ዚሽቅሉ ባሮት ገበሮም።+
22 እስራኤላውያን ግና ተዋጋእቱን ገላዉኡን መሳፍንቱን ሓገዝቱን ኣሕሉቕ ሰብ ሰረገላታቱን ፈረሰኛታቱን ነበሩ እምበር፡ ሰሎሞን ካባታቶም ባሮት ኣይገበረን።+
23 ኣብ ልዕሊ ዕዮ ሰሎሞን ዝነበሩ ኣሕሉቕ ሓለፍቲ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዕዮ ዚዓዪ ህዝቢ ዝነበሩ ኣዘዝቲ 550 ነበሩ።+
24 ጓል ፈርኦን+ ግና ካብ ከተማ ዳዊት+ ናብታ ዝሃነጸላ ቤታ ደየበት። ሽዑ፡ ነቲ ዅምራ* ሃነጾ።+
25 ሰሎሞን ድማ ኣብቲ ንየሆዋ ዝሰርሓሉ መሰውኢ፡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕብረትን ኣብ ዓመት ሰለስተ ሳዕ ኣቕረበ፣+ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ዘሎ መሰውኢ እውን ይዓጥን ነበረ። ነታ ቤት ከኣ ወድኣ።+
26 ንጉስ ሰሎሞን ድማ ኣብታ ኣብ ጥቓ ኤሎት ዘላ ዔጽዮን-ገበር፡+ ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ምድሪ ኤዶም ጭፍራ መራኽብ ሰርሐ።+
27 ሒራም ከኣ ምስተን ጭፍራ መራኽብ፡+ ምስ ገላዉ ሰሎሞን ኰይኖም ዚዓይዩ ምኩራት ባሕረኛታት ዝዀኑ ገላዉኡ ሰደደ።
28 ናብ ኦፊር+ ከይዶም ድማ፡ ካብኣ 420 ታለንት ወርቂ ወሰዱ፣ ናብ ንጉስ ሰሎሞን ከኣ ኣምጽእዎ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ቤተ መንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ንቤተ መንግስቲ።”
^ ወይ፡ “ተርሚንን።”
^ ቃ.ቃ.፡ “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ቕኑዓት ኣይነበራን።”
^ ወይ፡ “ዘይትጠቅም ምድሪ።”
^ ወይ፡ “ቤተ መንግስቱን።”
^ ወይ፡ “ሚሎን።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።
^ ወይ፡ “ገዝሚ።”
^ ወይ፡ “ዓረደን።”
^ ወይ፡ “ሚሎ።” “ምላእ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ።