1 ዜና መዋእል 1:1-54

  • ካብ ኣዳም ክሳዕ ኣብርሃም (1-27)

  • ደቂ ኣብርሃም (28-37)

  • ኤዶማውያንን ነገስታቶምን ሹማምንቶምን (38-54)

1  ኣዳም፡ሴት፡+ሄኖስ፡  ቃይናን፡መሃላልኤል፡+ያሬድ፡+  ሄኖክ፡+ማቱሳላ፡ላሜክ፡+  ኖህ፡+ሴምን+ ካምን ያፌትን።+  ደቂ ያፌት፡ ጎሜርን ማጎግን ማዳይን ያዋንን ቱባልን+ ሜሴክን+ ቲራስን+ እዮም።  ደቂ ጎሜር፡ ኣሽከናዝን ሪፋትን ቶጋርማን+ እዮም።  ደቂ ያዋን፡ ኤሊሻን ተርሲስን ኪቲምን ሮዳኒምን እዮም።  ደቂ ካም፡ ኩሽን+ ሚስራይምን ጱጥን ከነኣንን+ እዮም።  ደቂ ኩሽ፡ ሴባን+ ሓዊላን ሳብታን ራዕማን+ ሳብተካን እዮም። ደቂ ራዕማ፡ ሳባን ዴዳንን+ እዮም። 10  ኩሽ ንኒምሮድ ወለደ።+ ንሱ ኣብ ምድሪ ናይ መጀመርታ ጅግና ነበረ። 11  ሚስራይም ንሉዲምን+ ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሒምን+ 12  ንጳጥሩሲምን+ ነቲ ኻብኡ ፍልስጥኤማውያን+ ዝወጹ ካስሉሒምን ንካፍቶሪምን+ ወለደ። 13  ከነኣን ንሲዶን+ በዅሩን ንሔትን+ 14  ንይቡሳውያንን+ ንኣሞራውያንን+ ንጊርጋሳውያንን+ 15  ንሒዋውያንን+ ንዓርቃውያንን ንሲኒውያንን 16  ንኣርዋዳውያንን+ ንጸማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። 17  ደቂ ሴም፡ ዔላምን+ ኣሹርን+ ኣርፋክሳድን ሉድን ኣራምን እዮም፣ድማ* ዑጽን ሑልን ጌተርን ማሽን።+ 18  ኣርፋክሳድ ንሸላሕ+ ወለደ፡ ሸላሕ ከኣ ንዔበር ወለደ። 19  ንዔበር ድማ ክልተ ኣወዳት ተወልዱሉ። እቲ ሓደ፡ ብዘመኑ ምድሪ ስለ እተኸፋፈለት፡* ስሙ ፌሌግ*+ ተባህለ። ስም ሓዉ ኸኣ ዮቅጣን እዩ። 20  ዮቅጣን ንኣልሞዳድን ንሼሌፍን ንሓጻርማዌትን ንየራሕን+ 21  ንሃዶራምን ንኡዛልን ንዲቅላን 22  ንዖባልን ንኣቢማኤልን ንሳባን 23  ንኦፊርን+ ንሓዊላን+ ንዮባብን ወለደ፣ ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ዮቅጣን እዮም። 24  ሴም፡ኣርፋክሳድ፡ሸላሕ፡ 25  ዔበር፡ፌሌግ፡+ረጉ፡+ 26  ሴሩግ፡+ናሆር፡+ታራ፡+ 27  ኣብራም፡ ንሱ ኣብርሃም እዩ።+ 28  ደቂ ኣብርሃም፡ ይስሃቅን+ እስማኤልን+ እዮም። 29  ትውልዶም እዚ እዩ፦ በዅሪ እስማኤል ነባዮት፡+ ደሓር ቄዳርን+ ኣድብኤልን ሚብሳምን+ 30  ሚሽማዕን ዱማን ማሳን ሃዳድን ቴማን 31  የጡርን ናፊሽን ቄድማን። እዚኣቶም ደቂ እስማኤል እዮም። 32  እቶም ቄጡራ፡+ ሰበይቲ ወሰን ኣብርሃም፡ ዝወለደቶም ደቂ፡ ዚምራንን ዮቅሻንን ሜዳንን ሚድያንን+ ይሽባቅን ሹኣሕን+ እዮም። ደቂ ዮቅሻን፡ ሳባን ዴዳንን+ እዮም። 33  ደቂ ሚድያን፡ ዔፋን+ ዔፌርን ሓኖክን ኣቢዳዕን ኤልዳዕን እዮም። ኵሎም እዚኣቶም ደቂ ቄጡራ እዮም። 34  ኣብርሃም ንይስሃቅ ወለደ።+ ደቂ ይስሃቅ፡ ኤሳውን+ እስራኤልን+ እዮም። 35  ደቂ ኤሳው፡ ኤሊፋዝን ረዑኤልን የዑሽን ያዕላምን ቆራሕን+ እዮም። 36  ደቂ ኤሊፋዝ፡ ቴማንን+ ኦማርን ጼፎን ጋዕታምን ቄናዝን ቲምናዕን ኣማሌቅን+ እዮም። 37  ደቂ ረዑኤል፡ ናሓትን ዜራሕን ሻማን ሚዛን+ እዮም። 38  ደቂ ሰዒር፡+ ሎጣንን ሾባልን ጺብዖንን ዓናን ዲሾንን ኤጸርን ዲሻንን+ እዮም። 39  ደቂ ሎጣን፡ ሖሪን ሆማምን እዮም። ሓብቲ ሎጣን፡ ቲምናዕ እያ።+ 40  ደቂ ሾባል፡ ዓልዋንን ማናሓትን ዔባልን ሸፎን ኦናምን እዮም። ደቂ ጺብዖን፡ ኣያን ዓናን+ እዮም። 41  ወዲ* ዓና፡ ዲሾን እዩ። ደቂ ዲሾን፡ ሔምዳንን ኤሽባንን ዪትራንን ከራንን+ እዮም። 42  ደቂ ኤጸር፡+ ቢልሃንን ዛዕዋንን ዓቃንን እዮም። ደቂ ዲሻን፡ ዑጽን ኣራንን+ እዮም። 43  ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን* ንጉስ ከይነገሰ ኸሎ፡ ኣብ ምድሪ ኤዶም+ ዝነገሱ ነገስታት እዚኣቶም እዮም፦+ ቤላዕ ወዲ ቤዖር፣ ስም ከተማኡ ዲንሃባ ነበረ። 44  ቤላዕ ምስ ሞተ፡ ዮባብ ወዲ ዜራሕ ካብ ቦጽራ+ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 45  ዮባብ ምስ ሞተ፡ ሑሻም ካብ ምድሪ ቴማናውያን ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 46  ሑሻም ምስ ሞተ፡ እቲ ንሚድያን ኣብ ምድሪ* ሞኣብ ዝሰዓረ ሃዳድ ወዲ በዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ዓዊት ነበረ። 47  ሃዳድ ምስ ሞተ፡ ሳምላ ኻብ ማስሬቃ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 48  ሳምላ ምስ ሞተ፡ ሻኡል ካብታ ኣብ ጥቓ ፈለግ ዘላ ረሖቦት ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 49  ሻኡል ምስ ሞተ፡ በዓል-ሓናን ወዲ ዓኽቦር ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። 50  በዓል-ሓናን ምስ ሞተ፡ ሃዳድ ኣብ ክንዳኡ ነገሰ። ስም ከተማኡ ኸኣ ጳዑ ነበረ፣ ስም ሰበይቱ ድማ ሜሄጣብኤል እዩ፣ ንሳ ጓል ማጥሬድ ጓል ሜዛሃብ እያ። 51  ሃዳድ ከኣ ሞተ። ሹማምንቲ* ኤዶም፡ ሹም ቲምናዕ፡ ሹም ዓልዋ፡ ሹም የቴት፡+ 52  ሹም ኦሆሊባማ፡ ሹም ኤላህ፡ ሹም ጲኖን፡ 53   ሹም ቄናዝ፡ ሹም ቴማን፡ ሹም ሚብጻር፡ 54  ሹም ማግዲኤል፡ ሹም ዒራም እዮም። እዚኣቶም ሹማምንቲ ኤዶም እዮም።

እግረ ጽሑፍ

እዞም ዚስዕቡ ደቂ ኣራም እዮም። ኣብ ዘፍ 10:23 ርአ።
ወይ፡ “ህዝቢ ምድሪ ስለ እተኸፋፈሉ።”
ትርጉሙ፡ “ክፍፍል።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ።”
ቃ.ቃ.፡ “ደቂ እስራኤል።”
ቃ.ቃ.፡ “መሮር።”
ቃ.ቃ.፡ “ሸኻት።” ሸኽ፡ ሹም ነገድ እዩ።