1 ዜና መዋእል 10:1-14

  • ሞት ሳኦልን ደቁን (1-14)

10  ፍልስጥኤማውያን ድማ ምስ እስራኤል ተዋግኡ፣ ሰብ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሃደሙ፡ ብዙሓት እውን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ተቐቲሎም ወደቑ።+  ፍልስጥኤማውያን ድማ ንሳኦልን ንደቁን እግር እግሮም ሰዓብዎም፣ ፍልስጥኤማውያን ከኣ ንዮናታንን ንኣቢናዳብን ንማልኪ-ሹዓን+ ደቂ ሳኦል ቀተልዎም።  እቲ ውግእ ድማ ንሳኦል በርትዖ፡ ቀስተኛታት ከኣ ረኸብዎ፡ በቶም ቀስተኛታት እውን ቈሰለ።+  ሽዑ፡ ሳኦል ነቲ ተሰካም ኣጽዋሩ፡ “እዞም ዘይግዙራት እዚኦም መጺኦም ከይጭክኑለይሲ፡*+ ሰይፍኻ መሊሕካ ብእኡ ውግኣኒ” በሎ። እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ግና፡ እምብዛ ፈሪሁ ስለ ዝነበረ፡ ኣበየ። ሽዑ፡ ሳኦል ሰይፉ ወሲዱ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ።+  እቲ ተሰካም ኣጽዋሩ ኸኣ ሳኦል ሞይቱ ምስ ረኣየ፡ ንሱ እውን ኣብ ሰይፉ ወደቐ እሞ ምስኡ ሞተ።  በዚ ኸምዚ፡ ሳኦልን ሰለስተ ደቁን ኵሎም እቶም ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ብሓደ ሞቱ።+  እቶም ኣብ ስንጭሮ* ዝነበሩ ህዝቢ እስራኤል፡ ኵሎም ከም ዝሃደሙ፡ ሳኦልን ደቁን ድማ ከም ዝሞቱ ምስ ረኣዩ፡ ነተን ከተማታቶም ሓዲጎምወን ሃደሙ። ፍልስጥኤማውያን ከኣ መጺኦም ሓዝወን።  ንጽብሒቱ፡ ፍልስጥኤማውያን ነቶም ቅቱላት ኪገፍፍዎም ምስ መጹ፡ ንሳኦልን ንሰለስተ ደቁን ኣብ ከረን ጊልቦዓ ወዲቖም ረኸብዎም።+  ንዕኡ ገፊፎም፡ ርእሱን ኣጽዋሩን ከኣ ወሲዶም፡ ንጣኦታቶምን ንህዝብን ኬውርዩ ናብ ኵላ ምድሪ ፍልስጥኤማውያን ወረ ለኣኹ።+ 10  ኣጽዋሩ ድማ ኣብ ቤት* ኣምላኾም ኣንበርዎ፣ ሽክና ርእሱ ኸኣ ኣብ ቤት ዳጎን ሰቐልዎ።+ 11  ኵሎም እቶም ኣብ ያቤሽ+ ናይ ጊልዓድ ዝነበሩ፡ ኵሉ እቲ ፍልስጥኤማውያን ንሳኦል ዝገበርዎ ምስ ሰምዑ፡+ 12  ኵሎም ጀጋኑ ተንሲኦም፡ ሬሳ ሳኦልን ሬሳታት ደቁን ጾይሮም ወሰድዎ። ናብ ያቤሽ ኣምጺኦም ከኣ ንኣዕጽምቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ያቤሽ ዘሎ ዓብዪ ኦም ቀበርዎ፣+ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ጾሙ። 13  በዚ ኸምዚ፡ ሳኦል ንቓል የሆዋ ስለ ዘይሓለወ፡+ ንየሆዋ ብምጥላሙን ንጠያቒት መናፍስቲ ብምሕታቱን ሞተ።+ 14  ንየሆዋ ኣይሓተቶን። ስለዚ ድማ ቀተሎ፣ ነቲ ንግስና ኸኣ ናብ ዳዊት ወዲ እሴይ ኣመሓላለፎ።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ከይጻወቱለይሲ።”
ወይ፡ “ዓሚቝ ጐልጐል።”
ወይ፡ “ቤተ መቕደስ።”