1 ዜና መዋእል 13:1-14
13 ዳዊት ድማ ምስ ኣሕሉቕ ሽሕን ኣሕሉቕ ሚእትን ምስ ኵሎም መራሕትን ተማኸረ።+
2 ዳዊት ከኣ ንዅሎም ጉባኤ እስራኤል፡ “ንዓኻትኩም ጽቡቕ እንተ መሲሉኩም፡ ኣብ የሆዋ ኣምላኽና እውን ቅቡል እንተ ዀይኑ፡ ናባና መጺኦም ምእንቲ ኺእከቡ፡ ኣብ ኵላ ምድሪ እስራኤል ናብ ዘለዉ ዝተረፉ ኣሕዋትናን ናብቶም ኣብ ከተማታቶም+ መምስ መጓሰዪአን ዘለዉ ኻህናትን ሌዋውያንን ንልኣኽ።
3 ንታቦት+ ኣምላኽና ኸኣ ነምጽኣዮ” በሎም። ከመይሲ፡ ብዘመን ሳኦል ኣይተገደሱሉን ነበሩ።+
4 ንዅሎም እቶም ህዝቢ ቕኑዕ መሲልዎም ነበረ እሞ፡ ኵሎም እቶም ጉባኤ ኸምኡ ኺገብሩ ተሰማምዑ።
5 ዳዊት ድማ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ ቂርያት-የዓሪም ንምምጻእ፡+ ካብቲ ፈለግ* ግብጺ ኽሳብ ለቦ-ሓማት* ንዝነበሩ ዅሎም እስራኤል ኣከቦም።+
6 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ነቲ ስሙ ዚጽውዓሉ ታቦት እቲ ኣብ ልዕሊ* ኪሩቤል+ ኣብ ዝፋን ዚቕመጥ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ኼደይብዎ፡ ናብ በዓላ፡+ ናብ ቂርያት-የዓሪም ናይ ይሁዳ ደየቡ።
7 ግናኸ፡ ንታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ሰረገላ ኣንቢሮም፡+ ካብ ቤት ኣቢናዳብ ወሰድዎ፣ ዑዛን ኣሕዮን ድማ ነቲ ሰረገላ ይመርሕዎ ነበሩ።+
8 ዳዊትን ኵሎም እስራኤልን ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዅሉ ሓይሎም ብመዝሙራትን ብመሰንቆን* ብበገናን ብኸበሮን+ ብጸናጽል ሸሓንን+ ብመለኸትን+ ይጻወቱ ነበሩ።
9 ናብ ዓውዲ ኪዶን ምስ መጹ ግና፡ እቶም ከብቲ ነቲ ታቦት ኪግልብጥዎ ስለ ዝበሉ፡ ዑዛ ኢዱ ዘርጊሑ ሓዞ።
10 ሽዑ፡ ቍጥዓ የሆዋ ኣብ ዑዛ ነደደ፣ ኢዱ ኣብ ልዕሊ እቲ ታቦት ስለ ዝዘርግሐ ኸኣ ወቕዖ እሞ፡+ ንሱ ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞተ።+
11 ዳዊት ድማ፡ ቍጥዓ የሆዋ ፈንጢሱ ኣብ ዑዛ ስለ እተኻዕወ፡ ጐሃየ፣ እታ ቦታ እቲኣ ኸኣ፡ ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ጴረጽ-ዑዛ* ትብሃል ኣላ።
12 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈርሆ እሞ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ ይኽእል፧” በለ።+
13 ዳዊት ከኣ ነቲ ታቦት ናብታ ዝነበራ ኸተማ ዳዊት ኣየምጽኦን። የግዳስ፡ ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም እቲ ጊታዊ ኸም ዚውሰድ ገበረ።
14 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ነበረ፣ ኣብ ቤቱ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ የሆዋ ድማ ንቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባረኸ።+
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “ሺሖር።”
^ ወይ፡ “መእተዊ ሓማት።”
^ ወይ፡ “ኣብ መንጎ” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ብኽራርን።”
^ ትርጉሙ፡ “ፍንጠሳ ኣብ ዑዛ።”