1 ዜና መዋእል 18:1-17

  • ዓወታት ዳዊት (1-13)

  • ምምሕዳር ዳዊት (14-17)

18  ድሕርዚ፡ ዳዊት ንፍልስጥኤማውያን ሰዓሮምን ኣምበርከኾምን፣ ንጋትን+ ንዓድታታን ከኣ ካብ ኢድ ፍልስጥኤማውያን ወሰደ።+  ንሞኣብ ድማ ሰዓሮ፣+ ሞኣባውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ።+  ዳዊት ከኣ ኣብ ፈለግ ኤፍራጥስ ስልጣኑ ኬቕውም ኪኸይድ ከሎ፡+ ንሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ+ ኣብ ጥቓ ሓማት+ ሰዓሮ።  ዳዊት ድማ ካብኡ 1,000 ሰረገላን 7,000 ፈረሰኛታትን 20,000 ኣጋር ተዋጋእትን ማረኸ።+ ዳዊት ከኣ 100 ፈረስ ሰረገላ ኣትሪፉ፡ ንዅሎም ቀንጀቦም።+  እቶም ናይ ደማስቆ ሶርያውያን ንሃዳድዔዘር ንጉስ ጾባ ኺረድእዎ ምስ መጹ፡ ዳዊት ካብቶም ሶርያውያን 22,000 ቀተለ።+  ዳዊት ድማ ኣብ ሶርያ ናይ ደማስቆ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ሶርያውያን ከኣ ንዳዊት ገላዉኡ ዀይኖም ግብሪ ኣምጽኡሉ። የሆዋ ድማ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+  ዳዊት ከኣ ከበብቲ ዋላቱ ወርቂ ኻብ ገላዉ ሃዳድዔዘር ወሲዱ ናብ የሩሳሌም ኣምጽኦ።  ዳዊት ድማ ካብ ጢብሓትን ኩንን፡ ከተማታት ሃዳድዔዘር፡ ኣዝዩ ብዙሕ ነሓሲ ወሰደ። ብእኡ ኸኣ ሰሎሞን ነቲ ባሕሪ ነሓስን+ ነቲ ኣዕኑድን ነቲ ኣቕሑ ነሓስን ገበረ።+  ቶዑ ንጉስ ሓማት፡ ዳዊት ንብዘሎ ሰራዊት ሃዳድዔዘር+ ንጉስ ጾባ+ ኸም ዝሰዓሮ ምስ ሰምዐ፡ 10  (ሃዳድዔዘር ምስ ቶዑ ብዙሕ ሳዕ ይዋጋእ ነበረ እሞ፡) ብኡብኡ ንንጉስ ዳዊት ብዛዕባ ድሕንነቱ ኺሓትቶን ንሃዳድዔዘር ተዋጊኡ ስለ ዝሰዓሮ ሓጐሱ ኺገልጸሉን ኢሉ፡ ንሃዶራም ወዱ ለኣኸሉ፣ ንሱ ድማ ኵሉ ዓይነት ኣቕሑ ወርቅን ብሩርን ነሓስን ኣምጽአ። 11  ንጉስ ዳዊት ከኣ ነዚ ምስቲ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ፡ ማለት ካብ ኤዶምን ካብ ሞኣብን ካብ ዓሞናውያንን+ ካብ ፍልስጥኤማውያንን+ ካብ ኣማሌቃውያንን+ ዝወሰዶ ብሩርን ወርቅን፡ ንየሆዋ ቐደሶ።+ 12  ኣቢሻይ+ ወዲ ጽሩያ+ ድማ ኣብ ስንጭሮ ጨው 18,000 ኤዶማውያን ቀተለ።+ 13  ኣብ ኤዶም ከኣ ዝዓረደ ሰራዊት ኣንበረ፣ ኵሎም ኤዶማውያን ድማ ገላዉ ዳዊት ኰኑ።+ የሆዋ ኸኣ ንዳዊት ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዓወት* ሃቦ።+ 14  ዳዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ዅሉ እስራኤል ነጊሱ ነበረ፣+ ንብዘሎ ህዝቡ ኸኣ ፍትሕን ጽድቅን ይገብር ነበረ።+ 15  ዮኣብ ወዲ ጽሩያ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰራዊቱ ነበረ፣+ ዮሳፋጥ+ ወዲ ኣሒሉድ ከኣ መዝጋቢ ነበረ። 16  ጻዶቅ ወዲ ኣሒጡብን ኣሒሜሌክ ወዲ ኣብያታርን ድማ ካህናት ነበሩ፣ ሻውሻ ኸኣ ጸሓፊ ነበረ። 17  በናያ ወዲ የሆያዳ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ክረታውያንን+ እቶም ጵለታውያንን+ ነበረ። ደቂ ዳዊት ከኣ ካብ ንጉስ ቀጺሉ ቐዳማይ ቦታ ነበሮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ድሕነት።”
ወይ፡ “ድሕነት።”